እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይቶ ካናዳ ንኣን ሳን ሱቺ ዝተውሃበ ናይ ክብሪ ዜግነት ንምግፋፍ ወሲኑ
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ካናዳ፡ ብመንግስቲ እታ ሃገር ንመራሒተ ሚያንማር ኣን ሳን ሱቺ ተዋሂቡ ዝነበረ ናይ ክብሪ ዜግነት ንምግፋፍ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ።
እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ውሳነ ዘመሓላላፈ፡ ሱቺ ኣብ ሃገረን ብቁፅሪ ውሑዳት ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን ዝተፈፀመ ምፅናት ዓሌት ደው ንክብል ብዘይመስርሐንን ነቲ ጉዳይ ትኹረት ብዘይምሃበንን እዩ።
ወይዘሮ ኣንግ ሳን ሱቺ ቅድም ክብል ኣብ ሚያንማር ዲሞክራሲ ንክመፅእ ከምኡ እውን ኣንፃር ወተሃደራዊ ስርዓት በርማ ተቓሊሰን እየን።
ብምኽንያት እዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1991 ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም ኮይነን እየን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውፅኦ ፀብፃብ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን ዝፈፀምዎ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ክምርመር ይግባእ ምባሉ ይዝከር።
ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፊ 12 ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 700 ሽሕ ሮሂንጋዊያን ናብ ጎረቤት ሃገር ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም።
ምግፋፍ ክብራዊ ዜግነት....?
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ካናዳ ነዚ ስጉምቲ ንክወስድ ዘድመፀ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ጀስቲን ትሩዶ፡ ን ኣን ሳን ሱቺ ዝተውሃበ ናይ ክብሪ ዜግነት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግባእ ድዩ? ዝብል ቤትምኽሪ እታ ሃገር ንክርእዮ መልእኽቲ ብምሕላፎም እዩ።
ይኹን'ምበር፡ እዚ ስጉምቲ ሕዚ እውን ኣብታ ሃገር ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሮሂንጋውያን፡ ፀገሞም ክፈትሕ ከምዘይኽእል ጀስቲን ትሩዶ ሓቢሮም።
መንግስቲ ካናዳ ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንሳን ሱቺ ናይ ክብሪ ዜግነት ዝሃበን እንትኸውን፤ ካናዳ ኣፍልጦ ካብ ዝሃበቶም ሰባት፡ ሻድሸይቲ እየን።
ኣን ሳን ሱቺ ብወተሃደራዊ ኣመራርሓ እታ ሃገር ዝተፈፀመ ኣረሜንያዊ ጨፍጫፍ ንክቃወማ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊዐን ፀቕጢ ዋላ እኳ እንተገበረ፡ ንሰን ግና እዚ ንምትግባር ፍቓደኛ ክኾና ኣይከኣላን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበረን ቃለ-መሕተት፡ ''ዓሌታዊ ምፅናት ዝፍፀም ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ሚያንማር ንዘሎ ኩነታት ዓሌታዊ ምፅናት ብዝብል ምግላፅ ኣዝዩ ከቢድ እዩ'' ዝብል ቃለን ሂበን ነይረን።