ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣውሮጳ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጸርፊ ጸወታ ተቛሪጹ

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምጽራይ ዋንጫ ኣውሮጳ 2020 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ቡልጋርያ ኣብ ከተማ ሶፍያ ኣብ ዝካየደቶ ጸወታ፡ ኣብቲ ስታድዮም ብደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ቡልጋርያ ዓሌታዊ ጸርፊ ብምቅልሑ፡ እቲ ጸወታ ክልተ ግዜ ተቛሪጹ።

እቶም ኣብ ስታድዮም ኣትዮም ንሃገራዊት ጋንታ ቡልጋርያ ደገፎም ዘስምዑ ዝነበሩ ቡልጋርያውያን፡ ናይ ናዚ ሰላምታን ድምጺ ናይ የህባይን ከስመዑ ምጅማሮም እዩ ኣብ ልዕሊ እንግሊዛውያን ተጻወትቲ ቁጠዐ ኣላዓዒሉ።

ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ መበል 28 ደቒቕ፡ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ 2 ን ባዶ እናመረሐት እንከላ ጸወታ ተቛሪጹ።

እዚ ምስ ኮነ ኣብቲ ስታድዮም ብመጉልሒ ድምጺ፡ ደገፍቲ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክቑጠቡ ዝጽውዕ ድምጺ ተቓሊሑ። እቶም ደገፍቲ ግን ንምሕጽንታ እቲ ኣዳላዊ ኮሜተ ዕሽሽ ብምባል ተግባሮም ቀጸሉ።

ኣብ መበል 43 ደቒቕ እውን እቲ ጸወታ ንካልኣይ ግዜ ተቋሪጹ።

እቲ ጸወታ ድሕሪ ሓያለ ደቓይቕ ምቁራጹ ስለዝቀጸለ ግን ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ቡልጋርያ 6 ብ ዜሮ ረቲዐ ናይቲ ምድብ መሪሕነታ ኣደልዲላ።

ኣቦ ወንበር ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ግሪክ ካላርክ፡ ኣብቲ ሜዳ ስለዝነበረ ነቲ ነገር ብኣካል ክዕዘቦ ክኢሉ'ዩ።

ግሪክ ካላርክ፡ እቲ ብደገፍቲ ቡልጋርያ ዝተፈጸመ ተግባር ንተጻወትትን ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ንቡዙሓት እንግሊዛውያንን ከምዘቖጠዐ ሓቢሩ።

ግሪክ ካላርክ "ብዙሕ ዓሌታዊ ዝኾነ ጸርፊ ሰሚዐ'የ፡ ካብቲ ኣነ ዝነበርክሉ ቦታ 100 ሜትሮ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኮይኖም፡ 50 ዝኾኑ ሰባት ብጉጅለ ምልክት ናዚ የርእዩ ነይሮም" እውን ኢሉ።

ብምስዓብ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቡልጋርያ ዝተከሰተ መርመራ ከካይድ ጸዊዑ።

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ መጻረዩ ዋንጫ ኣውሮጳ 2020 ዓለታዊ ጸርፊ ከጋጥማ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሞንቴኔግሮ ተጋጢማ 5 ን1 ኣብ ዝሰዓረትሉ'ውን፡ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሞንቴኔግሮ ዓሌታዊ ጸርፊ ኣዝኒቦሙላ እዮም።

በዚ ምኽንያት ሃገራዊት ጋንታ ሞንቴኔግሮ 20 ሽሕ ዩሮ ክትቅጻዕን፡ ክልተ ጸወታታት ደገፍታ ኣብ ዘይብሉ ጸወታኣ ከተካይድን ተበይኑላ'ዩ።