ኣፍሪቃዊ ዓሌት ምስተረኽቦ ዝተገፍዐ ጻዕዳ አመሪካዊ ፖሊስ

ኣመሪካዊ ፖሊስ ናይ ዲ.ኤን.ኤ መርመራ ገይሩ ኣፍሪቃዊ መቦቆል ምዃኑ ምስተጠፈልጠ ዓሌታዊ ግፍዒ ኣጋጢሙና ብምባል ካሕሳ ክወሃቦ ተወሲኑ።

ስርጌንተ ብራውን ዝተባህለ ፖሊስ ካብ ክልል ሚሺጋን፡ መሳርሕቱ ናይ ዲ.ኤን.ኤ መርመራ ወጽኢት ምስፈለጡ ናይ ዘርኢ ምስትንዓቕ ስለዘኣይዎ ከሲስዎም።

ንሱ ንመሳርሕቱ ካብ 18-33% ሚእታዊት መቦቆል ኣፍሪቃ ኣለኒ ኢሉ ምስ ገለጸሎም ክላገጹለይ ጀሚሮም ይብል።

ስርጌንተ ብራውን $65,000 ዶላር ካብ ናይ ከተማ መድሕን ኩባንያ ከቕበል ኢዩ ተወሲኑ።

ዝተፈለለዩ ሚድያታት፡ እቲ ናይ መጀመርታ ክሲ ከባቢ $500,000 ዶላር ዝሓትት ከመዝነበረ ይጠቅሱ።

ስርጌንተ ብራውን፡ ሓለፊ ፖሊስ 'ኩንታ' (ናይ ባርያ ጠባይ ኣብ መጽሓፍ ሩትስ) ኢሉ ከምዝጸወዖ ከምኡ'ውን ካልኦት መሳርሕቱ "ብላክ ላቨስ ማተር'' እናበሉ ከምዘዋረድዎ ይገልጽ።

ንሱ ''ግብሪ ናይ መሳርሕተይ ኣጸሊሉኒ፡ ሓላፊ ፖሊስ ከምዚ ኢሉ ክጽወዓኒ ኣይኣመንኮዎን'' ብምባል ነቲ ዝተሰመዖ ሕርቃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሓደ እዋን ምስ ንብረቱ ጸሊም ኣቦ ልደት 18% ሚእታዊት ተጻሒፉዎ ከምዝረኸበ ይዛረብ።

እዚ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዘለዎ ድማ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

ኣብዚ ሰሙን ምምሕዳር እታ ከተማ ጉዳዩ ክፈትሖ ከምዝወሰንን፡ ነቲ ፖሊስ ድማ ኣብ ኣድማዒ ስራሕ ክዋፈር ከመዝሕግዞን ሓቢሮም።