እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ኣብቲ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምርኢት ዘቕረበቶም ሓደስቲ ከበድቲ ኣጽዋር
ቻይና፡ መበል 80 ዓመት መዓልቲ ዓወት ብልዑል ወተሃደራዊ ምርኢት ክትጽንብል ተራእያ።
እዚ ጃፓን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኢዳ ዝሃበትሉን ምዝዛም እቲ ግጭትን ዝዝክር መዓልቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ን70 ደቓይቕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ሓደስቲ ሚሳይላት፡ ኣማኢት ነፈርቲ፡ ታንክታትን ጸረ-ድሮናትን ዝሓቘፈ ኣጽዋር ቀሪቦም።
እዚ ድማ፡ ሓድሽ መሓውር ሓይሊ ሰራዊታ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ምርኢት ክቐርብ ናይ መጀመርታ እዩ። ኣስታት 80 ሽሕ ኣዕዋፍ ናብ ሰማያት ክበራ ተገይሩ።
እቲ ምርኢት ከም ዝተዛዘመ ክንገር እንከሎ፡ ኣሽሓት ተሳተፍቲ ቀይሕ ባንዴራታት ኣንበልቢሎም። እቲ ዝኽሪ፡ "Ode to the Motherland" ብዝብል ወግዓዊ ዘይኰነ ሃገራዊ መዝሙር ተዛዚሙ።
ቅድሚኡ ግን፡ ቻይና ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋራታ ብጐደናታት ክሓልፉ ገይራ።
ሓድሽ ኢንተርኮንቲነንታል ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ሓድሽ ሚሳይል ሃይፐርሶኒክ ኣጽዋር ዘብጽሕ ኣብ ጽርግያ ዝኸይድ ኒዩክሌር፡ ሓድሽ ሌዘር ኣጽዋር፡ ከምኡ'ውን ድሮናት 'ሮቦቲክ ከልቢ' ኣርእያ።
ካልእ ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ ጎማ ዘለዋ 'HZ-155' ድርዕቲ ናይ ጽዕነት መኪና ዝተሰቕለ LY-1 ሌዘር ኣጽዋር ነይሩ።
እዚ ኣዝዩ ሓያል ምዃኑን ንኤሌክትሮኒክስ ከሰናኽል ወይ ከቃጽል ከም ዝኽእልን፡ ወይ ድማ ንፓይሎታት ከይተረፈ ከዕውር ከም ዝኽእልን ተንተንቲ ምክልኻል ይዛረቡ።
ኣብቲ ምርኢት ቻይና ሓደስቲ ሚሳይላት ክርኣዩ ገይራ እያ፤ ካብኣቶም ሓደ እቲ "ቀታሊ ጓም" ዝበሃል ዶንግፈንግ (DF)-26D ሚሳይል እዩ።
እዚ ማእከላይ ርሕቀት ዝኸይድ ሚሳይል ኰይኑ፡ ብክልሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ፓስፊክ ንዝርከቡ ጕጅለ መጥቃዕቲ ነፈርቲ - ወይ መደበራት ኣመሪካ - ክሃርም ይኽእል።
እቲ ሳጓ፡ ነቲ ቀንዲ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘአንግድ መሬት ኣመሪካ 'ጓም' ዝመጽአ ኰይኑ፡ ምስ ቻይና ግጭት እንተተላዒሉ፡ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣመሪካ ፓስፊክ ከም መበገሲ ቦታ ኰይኑ ከገልግል እዩ።
DF-26D ካብ ናይ ኣመሪካ ታኣድን ፓትሪዮትን ጸረ-ሚሳይል ስርዓታት ንምህዳም ዝኣክል ቅልጡፍ ምዃኑ ይንገር።
ካልኦት ኣብቲ ጽምብል ዝረኣናዮም ሓደስቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት፡ HQ-29 ዝተባህለ ካብ ልዑል ንውሓት ዝውንጨፍ ናይ መሬትን ኣየርን ሚሳይላት ከምኡ'ውን ትሕቲ ማይ ሚሳይል ዝዓግት ይርከብዎም።
ኣብዚ ጽምብል፡ ብዙሕ ቴክኖሎጂ ድሮናት እውን ተራእዩ።
ኣብ ታንክታት ዝተሰቕላ ድሮናት፡ ጸረ ዕስለ ድሮናት፡ ከምኡ'ውን ኣውቶማቲክ ድሮን፡ "ሮቦቲክ ከልቢ" ዝዓይነተን ድሮናት ይርከቡዎም።
ቻይና ኣብ ኪነታዊ ብልሒ -ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ- ከምኡ'ውን ርእሰ ምርኰሳ ኣጽዋርን ብዙሕ ወፍሪ እያ ትገብር ዘላ።
ሓደ ኣብነት ናይዚ 'AJX002 - 60' ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ማይ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘለዎ ድሮን እዩ።
ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ቻይና - ብኣማኢት ሚሳይላት ዝቝጸር - ክሳብ ሕጂ ካብ ሩስያን ኣመሪካን ኣዝዩ ድሒሩ'ኳ እንተሎ፡ ዓቐኑ ግን ብቕልጡፍ ይውስኽ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን፡ ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ንዝተዓደሙ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ዝርከቡዎም ልዕሊ 20 መራሕቲ ኣብ ዝተገብረ ኣቀባብላ ናይ ሓሙሽተ ደቓይቕ መደረ ኣስሚዑ።
"ቅድሚ 80 ዓመት፡ ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት ደማዊ ቃልሲ ህዝቢ ቻይና ንወተሃደራዊ ወረርቲ ጃፓን ምሉእ ብምሉእ ስዒሩ ናይ መወዳእታ ዓወት ዓለማዊ ኲናት ጸረ ፋሽሽት ኣዊጁ፡" ኢሉ።
"እዚ ንቻይና ታሪኻዊ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ - ካብ ዓሚቝ ሃገራዊ ቅልውላው ዝነበረሉ እዋን ናብ ዓቢ ሃገራዊ ተሃድሶ ምስግጋርና ዘመልክት እዩ። ኣብ ምዕባለ ዓለም'ውን ዓቢ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ፡" ብምባል ብዛዕባ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝምልከት ዝቐርብ ቃላት ዴሳዊ ሰልፊ ደጊሙ።
ሺ፡ ቻይና "ነቶም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክትከላኸል ዝሓገዙ ናይ ወጻኢ መንግስታትን ዓለማለኻውያን ፈተውትን ፈጺማ ከም ዘይትርስዖም፡" ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዋላ'ኳ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሺ ነቲ ኣብ 1945 ነቲ ኲናት ንምውዳእ ኣመሪካ ንዝገበረቶ ሓገዝ ከመስግን ተስፋ ከም ዘለዎ እንተገለጸ፡ እቲ ፕረዚደንት ግን ሽም ኣመሪካ ኣየልዓለን።
ንሱ ኣብ መደረኡ፡ ዓለም ደጊም ናብቲ ሓያላት ኣብ ልዕሊ ድኹማት ዝህድዱሉ ሕጊ ጫካ ፈጺማ ኣይክትምለስን'ያ ኢሉ።
"ሓይሊ፡ ንግዚኡ ክትስዕር ክገብር ይኽእል፤ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግን ምኽንያት እዩ ዝዕወት፡" ብምባል፡ "ፍትሒ፡ ብርሃንን ምዕባለን ወትሩ ኣብ ልዕሊ ክፍኣትን ጸልማትን ግብረ መልስን ክዕወቱ እዮም፡" ኢሉ።
ኣብዚ ጽምብል ዝተረኸበ ኪም ጆንግ ኡን፡ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ፍሉይ ቦታ ክወሃቦ ምርኣይ ኣዝዩ ዘገርም ነይሩ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣብ ጐኒ ሺን ፑቲንን እናተጓዕዘ ናብ ኣደባባይ ቲያንመን ኣትዩ።
ምስኦም'ውን ኮፍ ኢሉ፤ ሰለስቲኦም ብሓባር ብምቾት ከዋግዑ ኸኣ ንዕዘብ ነይርና።
ኪም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ካብ ዓለም ተነጺሉ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ ዓለምለኸ ምትእኽኻብ መራሕቲ ዓለም ክሳተፍ እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ሳሕቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ይወጽእ፡ ክወጽእ ከሎ ድማ ምስ መራሕቲ በብሓደ ክራኸብ ይፍትን።
እዞም መራሕቲ ንምዕራባውያን - ብፍላይ ድማ ንኣመሪካ - ሰለስቲኦም ብቐረባ ከም ዝተሰለፉ ንጹር መልእኽቲ ይሰዱ ኣለዉ።