ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ቀልጢፍካ ምጥናስ ሓደጋ ኣለዎዶ?

ከምቲ ኣብዚ እዋን ዝወሃብ ዘሎ ምኽሪ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ምንጻል ወይ ምስዳድ ጥንሲ፡ ኣብ ውሑድ ኣዋርሕ ምጥናስ ኣብ ኣደ ይዅን ዕሸል ሓደጋ ከምዘይብሉ፡ ኣብ ሓቀኛ መረዳእታ ምርኩስ ብምግባር መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ብውሑድ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዕረፍቲ ክህሉ እዩ ዝመክር።

ዕላማ እቲ ዕረፍቲ ነታ ኣደ ናብ ንቡር ጥዕናዊ ቁመናኣ ክትምለስ ንምሕጋዝ እዩ።

ፕሎስ መዲስን፡ ኣብ 72 ሽሕ ጥንሲታት ዘካየዶ መጽናዕቲ ስዒቡ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ርኽበት ግን፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ መጻምዲ ቀልጢፎም ንምውላድ ክፍትኑ ከምዝኽእሉ የረድእ።

ጥንሲ ንዝኸዶም መጻምዲ ዝሕግዝ ቶሚስ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ቀልጢፈን ክጠንሳ ድሌት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ከይጠንሳ ዝኽልክል ጥዕናዊ ጸገም እንድሕር ዘይሃልዩወን፡ ክጠንሳ ከምዘለወን ይመክር።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ዕረፍቲ የድሊ፡ ኣብ ዝብል መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎን፡ ሓድሽ ርኽበት እንተሃልዩ ዕላዊ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ 2008 ክሳብ 2016 ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኖርወይ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ቀልጢፈን ኣብ ዝጠነሳን ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዝጠነሳን፡ ኣብ ውጽኢት ዝረኸቦ ፍልልይ የለን።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ተኻይዱ ንውሳነ ውደብ ጥዕና ዓለም ምኽንያት ዝዀነ ውጽኢት ዝተፈለየ እዩ፡፡

ነቲ ናይ ኖርወይ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት፡ መጻምዲ ቈልዓ ንምውላድ መዓስ ክፍትኑ ከምዘለዎም ንጹር ውሳነ ንኽወስዱ እቲ ምኽሪ ክግምገም ከምዘለዎ ይገልጹ።

ድሕሪ ምኻድ ወይ ምንጻል ጥንሲ፡ ስድራቤታት ደጊሞም ንምጥናስ ሽዱሽተ ወርሒ ክጽበዩ ምሕታት፡ ብፍላይ ዝዀነ ጥዕናዊ ምኽንያት ኣብ ዘይብሉ፡ ንገለ ስድራቤታት ኣዝዩ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ፡፡

ተወሳኺ መጽናዕቲታ ክግበር ከምዘለዎ እውን ይምዕዱ፡፡

ድሕሪ ምንጻል ዘሎ ጥንሲ

ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና፡ ናይ ምጥናስ ተኽእሎ ከምዘዕቢ ሰብ ሞያ ይሰማምዑ።

ደቂ ኣንስትዮ ንምጥናስ ኣብ ዝፍትናሉን፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ድማ ክሳብ 12 ሰሙናት ከኒና ፎሊክ ኣሲድ ክወስዳ ይምከር፡፡ እቲ ከኒና ጸገም ኣእምሮ፡ ዓንዲ ሕቘን ዕትብቲ ዓንዲ ሕቘን ዘለዎም ህጻናት ናይ ምውላድ ኣጋጣሚ ዝቕንስ እዩ፡፡

ድሕሪ ጥንሲ ቀልጢፉ ዝፍጠር ምንጻል፡ ኣብ ዕድመ ምሉእ፡ ካብ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ዘጋጥም ኰይኑ፡ ምኽንያቱ ግን ክሳብ ሕጂ ፍሉጥ ኣይኰነን።

ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ቀጻሊ ጥንሰን ዕዉት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ።

ካልኣይ ምንጻል ሓሊፉ እዩ ዘጋጥም።

ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ቀልጢፈን ከይጠንሳ ዝገብር ጥዕናዊ ጸገም ዘለወን ምዃኑ ንምፍላጥ ምስ ሓኪመን ክማኸራ ከምዘለወን ትካል ገባሪ ሰናይ ቶሚስ ይምዕድ።

እንተዀነ ስምዒታዊ ጥዕና እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዩ። ገለ መጻምዲ ደጊሞም ንምጥናስ ስምዒታውን ኣካላውን ምድላው ከድልዮም ይኽእል እዩ። ብፍላይ ሓዘን ንዝተሰመዖም ሰባት መጸናንዒ ግዜ ከድልዮም ይኽእል ይብል እቲ ትካል።