እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንጽፈ-ጽግያት' እንታይ'ዩ? ምልክታቱኸ?
ንጽፈ-ጻግነ [ምቍራጽ ጽግያት - menopause] ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዙሕ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ - ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ እትሓልፎ ዘላ ኵነታት ግንዛበ ንምዕባይ፡ ፍሉጣት ሰባት ብዛዕባ ተመኵሮታተን ብግልጺ ክዛረባ ጀሚረን።
እቶም ምልክታት፡ ብንቡር ኣብ መፋርቕ 40ታት ይጅምሩ።
ወርሓዊ ጽግያት ቅድሚ ምቍራጹ ግን እንታይ ከም ዘጋጥም ክንሕብረኩም።
ምቍራጽ - ጽግያት እንታይ እዩ?
ምቍራጽ ጽግያት፡ ወርሓዊ ጽግያት ጓል ኣንስተይቲ ደው ክብል እንከሎ ማለት’ዩ። እዚ ኣብ ከባቢ 51 ዕድመ ዘጋጥም እዩ።
እዚ ኸኣ፡ ዓመታት ጽግያት ወይ መፍረ ኣብቂዖም ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ይጅመር ምህላው የመልክት።
ፔሪ-ሜኖፖዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወርሓዊ ጽግያት ዘይስሩዕ ምዃን፡ መበገሲ ምኽንያት እዩ።
እዚ ኸኣ፡ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 46 ዓመት ይጅምር።
ኣብዚ ግዜ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያተን ዘይግመት ወይ ከቢድ ክኸውን ከምኡ’ውን ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙወን ዘይፈልጥ ስምዒታት ወይ ኣካላዊ ጸገማት ክርኣየን ይጅምር።
ን12 ኣዋርሕ ወርሓዊ ጽግያት እንተዘይመጺኡ፡ ንድሕሪት ተመሊስኪ (መወዳእታ ወርሓዊ ጽግያት ዝርኣኽሉ ግዜ ቈጺርኪ) ብምርኣይ ምቍራጽ ጽግያት ኣጋጢሙኒ ነይሩ ክትብሊ ትኽእሊ።
ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብተፈጥሮ ይዅን ድሕሪ ካልኦት ሕክምናዊ ኵነታት ቀልጢፉ ክኽሰት ይኽእል እዩ።
መንቀሊኡ እንታይ’ዩ?
መጠን ሆርሞናት ይቀያየር’ዩ፤ ብፍላይ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝቈጻጸር ኢስትሮጅን።
ጓል ኣንስተይቲ ዕድመኣ ክውስኽ እንከሎ፡ እቲ ማህደር እንቋቍሖ ሒደት እንቃቝሖ የፍሪ፤ መጠን ኢስትሮጅን ክብ ለጠቕ ይብል፤ ቀስ ብቐስ ክኣ ይንኪ። እዚ ናብ ምልክታት ምቍራጽ ጽግያት የምርሕ።
እዚ ግን፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝኽሰት ኣይኰነን።
እዚ ኣገዳሲ ሆርሞን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንክወርድ ብዙሓት ዓመታት እዩ ዝወስዶ።
ከምኡ ኢሉ ኸኣ ይጸንሕ - ኣብ ከይዲ ኣብ ሰብነትና ለውጢታት የስዕብ።
ማህደር እንቃቝሖ ምፍራይ ደው ከብል እንከሎ፡ ጥንሲ ክፍጠር ኣይክእልን፤ ምቍራጽ ጽግያት ክኣ የጋጥም።
እቶም ምክልታት እንታይ’ዮም?
ምቍራጽ ጽግያትን እቶም ናብኡ ዘምርሑ ዓመታትን ንደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለየ መገዲታት’ዮም ዘጥቅዑወን።
መጠን ኢስትሮጅን ክንኪ እንከሎ፡ ርእሲ፡ ወርሓዊ ጽግያት፡ ቈርበት፡ ጭዋዳታትን ስምዒታትን ኵሎም ይጥቅዑ።
ብዙሓት ምክልታት ኣለው፤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክኣ ገሊኦም ወይ ኵሎም ወይ ድማ ዋላ ሓደ ክስምዑዋ ይኽእሉ።
እቶም ኣዝዮም ዝተለመዱ ምልክታት፥
- ከቢድ ወይ ዘይስሩዕ መድመይቲ
- ውዑይ ፈሳሲ
- ኣብ ለይቲ ምርሃጽ
- ትሑት ስምዒት
- ድርቀት ርሕሚ
- ጸገማት ምፍሳስ ሽንቲ
ካብኡ ሓሊፉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕንብረ ሓንጎል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድኹም ዝኽርን ምትኳርን እውን ብዙሕ ግዜ ይጥቀስ እዩ።
ከምኡ’ውን ኣብ መላግቦታት ዝህሉ ቃንዛን ደረቕ ቆርበትን እውን ምልክታት ምቍራጽ ጽግያት ኰይኖም ይጥቀሱ።
ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ነዞም ምልክታት ግን ኣየርእያን- ኣስታት 75 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ግን ምልክታት ይርእያ።
ርብዒ ካብተን ብምቍራጽ ጽግያት ዝሓልፋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከቢድ ምልክታት ይርእያ።
እዚኦም፡ ብማእከላይ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ክጸንሑ ይኽእሉ፤ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ክኣ ካብኡ ንላዕሊ ንነዊሕ እዋን ከጋጥማ ይኽእል።
መከላኸሊ ጥንሲ ትወስዲ እንተሃሊኺ፡ እቶም መድሃኒታት ንወርሓዊ ጽግያት ብዝተፈላለየ መገዲታት ክጸልውዎ ስለ ዝኽእሉ፡ ጽግያትኪ መዓስ ከም ዘቋረጸ ንምፍላጥ ክትጽገሚ ትኽእሊ ኢኺ።
ስለ ምንታይ ውዑይ ፈሳሲ የጋጥም?
ሕጽረት ኢስትሮጅን፤ እዚ ኣሰራርሓ ናይቲ ኣብ ሓንጐል ዝርከብ ተርሞስታት ኣካላትና ዘሳተፈ እዩ።
ብንቡር፡ ሰብነትና ንለውጢ ሙቐት ብጽቡቕ ይጻወሮ እዩ።
ኢስትሮጅን ምስ ዝሓጽር ግን እቲ ተርሞስታት ድኹም ይኸውን እሞ ሓንጐል ድማ ኣካላትና ከይውዓየ እንከሎ ልዕሊ ዓቐን ይውዒ ኣሎ ኢሉ ይሓስብ።
ኢስትሮጅን ንመንፈስና እውን ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
እቲ ሆርሞን፡ ንስምዒታትና ዝቈጻጸሩ ኣብ ሓንጐል ዝርከቡ ከሚካላት ብምስሓብ፡ እዚ ኣብ ትሑት ደረጃ ክኸውን እንከሎ ጭንቀትን ትሑት ስሚዒትን ከስዕብ ይኽእል።
ካልኦት ሆርሞናትከ?
እወ፤ ፕሮጀስትሮንን ቴስቶስትሮንን። ግን ክኣ፡ ብልክዕ ትሑት መጠን ኢስትሮጅን ዘለዎ ጽልዋ የብሎምን።
ፕሮጀስትሮን፡ ወርሓዊ ሰብነትና ንጥንሲ ክዳሎ ዝሕግዝ ሆርሞን ኰይኑ፡ ምፍራይ እንቃቝሖን ወርሓዊ ጽግያትን ምስ ዝቋረጽ ይንኪ።
ደቂ ኣንስትዮ ብዝለዓለ መጠን ዘፍርያኦ ቴስቶስትሮን ድማ፡ ምስ ድሌት ጾታዊ ርክብን ሓይልን ዝተኣሳሰር እዩ።
እዚ፡ ካብ 20ታት ንደሓር እናነከየ ይኸይድ።
ንምቍራጽ ጽግያት ዝግበር መርመራ ኣሎ’ዶ?
መርመራ ክግበር ከም ዝኽእል ይንገር፤ ሰብ ሞያ ግን ድሕሪ 45 ዓመት ጠቓሚ ከም ዘይኰነ ይሰማምዑ።
እቲ ዝሓሸ መገዲ፡ ብዛዕባ ዑደት ወርሓዊ ጽግያትኪ ከምኡ’ውን ዝርኣዩኺ ምልክታት ንሓኪም ወይ ነርስ ምዝራብ እዩ።
እቶም መርመራታት፡ ኤፍኤስኤች [follicle-stimulating hormones] ዝተባህለ መርመራ መጠን ሆርሞን እዮም።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ ዝዀነ መዓልቲ መጠን ሆርሞን ወትሩ ይውስኽን ይትሕትን እዩ።
ስለዚ፡ እዚ መርመራ እንታይ’ዩ ዝፍጠር ዘሎ ዝብል ነገር ብርግጽ ዘመላኽት ዘይክኸውን ይኽእል።
ወርሓዊ ጽግያት ዘይስሩዕ እንተዀነ’ውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክጠንሳ ይኽእላ እየን፤ መከላኸሊ ጥንሲ ድማ ክሳብ 55 ዓመት ክጥቀማ ከም ዘለወን ሰብ ሞያ ይምዕዱ።
ነቶም ምልክታት ዝወሃብ ሕክምና ኣሎ’ዶ?
ፍወሳ ምትካእ ሆርሞን (HRT)፡ ኣብ እዋን ምቍራጽ ጽግያት ክንክዩ ዝጅምሩ ከም ኢስትሮጅን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ክውስኹ ይገብር።
ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብቲ ግዜ ዝርኣዩ ምልክታት ንምዕጋስ’ውን ይሕግዝ።
እንተዀነ፡ መንሽሮ፡ ምርጋእ ደምን ልዑል ጸቕጢ ደምን ንዘለወን ሰባት ዘይምቹእ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ብምግባር ስምዒተን ከመሓይሻ ይኽእላ፥
- ሚዛናዊ ኣመጋግባ - ኣዕጽምቲ ንምጥንኻርን ልቢ ንምክልኻልን ትሑት ስብሕን ልዑል ካልሲየምን ዘለዎ ኣመጋግባ ምምጋብ
- ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር - ጭንቀትን ሕማም ልቢን ንምክልኻልን
- ሽጋራ ምትካኽ ደው ምባል - ሕማም ልብን ውዑይ ፈሳስን ንምክልኻል
- ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ - ውዑይ ፈሳሲ ንምንካይ
ድሕሪ ምቍራጽ ጽግያት እንታይ የጋጥም?
ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ናይ መወዳእታ ጽግያትኪ፡ ናብ ደረጃ ድሕረ-ጽግያት ኢኺ ትኣትዊ።
ምፍራይ ኢስትሮጅን ጠቕሊሉ ምስ ተቛረጸ፡ ኣብ ኣዕጽምትን ልብን ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋ ኣለዎ።
መብዛሕትኡ ናይዚ፡ እርጋን እዩ።
ሰባት ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድመኦም እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ሕጂ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ጽግያተን ልዕሊ ሲሶ ህይወተን ይነብራ ኣለዋ።