እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራሊያ፡ ስለምንታይ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ክወሃብ ኣፍቂዳ?
ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኩባንያታት፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ንዘጋጥም ቃንዛን ሕማምን ደቀንስትዮ ከም ቅቡል ወሲደን ንሰራሕተኛታተን ዕረፍቲ ንምሃብ ይቕበልኦ ኣለዋ፤ ግን ክኣ ነቐፌታታት ደው ኣየበለን።
ኣብ ኒውዮርክ ሲቲ ከም ኤዲተር እተሰርሕ ጓል 28 ዓመት ጄሲ፡ ኣብ መጀመርታ 2020 ኣብ ሳልሳይ ወርሒ ምጅማር ስርሓ ኣብ ስራሕ ውኒኣ ስሒታ ወዲቓ።
ዋላ'ኳ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት እንተተሰምዓ ኣብቲ እትሰርሓሉ ትካል ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ስለ ዝነበረ ክትወፍር ተገዲዳ።
ይጽልኣኒ ኣሎ ክትብል ኣይደለየትን፤ "ወርሓዊ ጽግያት ከም ሕማም'ውን ዝቑጸር ኣይመስለንን ነይሩ" ትብል።
ስለዚ፡ ጄሲ፡ ሓያል ቅርጸት እናተሰምዓ፣ ሑቕኣ'ውን እናሕመማ ጸረ ቃንዛ መድሃኒት ወሲዳ ናብ ስርሓ ከይዳ። ድሕሪ 15 ደቓይቕ ግን ክቱር ድኻም ተሰሚዑዋ።
"ውነይ ይጠፍኣኒ ነይሩ። ኩሉ ጽልምት ኢሉ ይርኣየኒ፤ ንዝሕተቶ ብስርዓት ክምልስ ኣይክኣልኩን" ትብል።
በዚ ምኽንያት፡ ሰባት ደጋጊፎም ኣብ ሶፋ ኣደቂሶምዋ። ክሳብ ሓላፊ ጥዕናን ድሕነትን እቲ ትካል ዝመጽእን ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ዝሰዳን ድማ ኣብኡ ጸኒሓ።
ኣብቲ እዋን ግን ጄሲ ንገዝኣ ከይዳ ከተዕርፍ'ዩ ነይሩ ድልየታ።
ነዚ ኣብ ግምት ዘእቱ ትካል እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ክትወስድ ወይ ካብ ገዛ ክትሰርሕ ከፍቅደላ ከም ዝኽእል ትዛረብ።
ኤርትራዊት ራሄል ዮውሃንስ ወርሓዊ ጽግያት ይብርትዓ እዩ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ እያ ትሽገር። ንሳ እውን፡ ዋላ'ኳ ከም ጄሲ ኣብ ስራሕ ውነኣ ኣጥፊኣ እንተዘይወደቐት ወርሒ መጽአ ኣብ እዋን ጽግያት ከቢድ ቃንዛ ኣለዋ።
"ኣብ እዋን ጽግያት ብዘለኒ ቃንዛ ስራሕ ንክወፍር እጽለኣኒ እዩ። ግን ኣማራጺ ስለዘየሎ ፈውሲ ቃንዛ እናወሰድኩ ክሰርሕ እግደድ" ትብል፡ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ኮነ ወሃብቲ ስራሕ ኩባንያታት ነዚ ጉዳይ'ዚ ኣብ ግምት ከእትውዎ ከኣ ትምሕጸን።
ኣብዚ እዋን ሓደ ሓደ ኩባኒያታት 'ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ' ይጀማምራ ኣለዋ። ገሊኦም ወሃብቲ ስራሕ ነተን ወርሓዊ ጽግያተን ዝብርተዐንን ሓያል ቃንዛ ዘኸትለለንን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዝአን ኮይነን ክሰርሓን፡ ዓመታዊ ዝኽፈሎ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክወስዳን ይፍቀደን።
ኣብ ዘዕርፋሉ እዋን እውን ይኽፈላ።
ንዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክትግበር ጸኒሑ እዩ።
ሕብረት ሶቭየት [ናይ ሎሚ ሩስያ] ብ1922 ሃገራዊ ፖሊሲ ከተተኣታቱ እንከላ፡ ጃፓን ብ1947፣ ኢንዶኖዥያ ብ1948 ንወርሓዊ ጽግያት ዝምልከት ፖሊሲ ሓንጺጸን ዘተግበረራ ሃገራት እየን።
ይኹን እምበር ኣብታ ጄሲ እትነብረላ ኣመሪካን ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራትን ገና ተግባራዊ ኣይኮነን።
ብዛዕባ እዚ ብዙሓት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ኩባኒያታት መሰል ሕማም ጽግያት ዝብርተዐን ደቀንስትዮ ከኽብሩ ክጉስጉሱ ጸኒሖም ኣለው።
ሰላም ብርሃነ ሓንቲ ካብተን ነቲ ሓሳብ ዝድግፋ ደቀንስትዮ እያ።
ነቲ "ጓለንስተይቲ ሓፍቲ፡ ኣደ፡ በዓልቲ ቤት እያ" ዝብል ብተደጋጋሚ እንሰምዕኦ ንደቀንስትዮ ዘኽብር ብሂል ሕብረተሰብ ኣብ ስራሕን ወሃብቲ ስራሕን እውን ብግብሪ ክረጋገጽ ይግባእ ክትብል ርእይቶኣ ሂባ።
" ሰራሕተኛታት ግቡእ መሰል እንተረኺቦም ብዝያዳ ስለዘፍረፍዩን ዘድምዑን ወሃብቲ ስራሕ ነዚ ሳይንሳዊ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክትግብሩዎ ይግባእ" ክትብል ተላብያ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንኣብነት ነዚ ፖሊሲ'ዚ ንምትእትታው ከም ሴታዊት፣ ኖብል ካፕን፡ ኣዲስ ፓወር ሃውስን ዝኣመሰሉ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ጾታን ወርሓዊ ጽግያትን ዝሰርሑ ትካላት ነቲ ሓሳብ ብምድጋፍ ይንቀሳቐሱ ኣለው።
እዚኦም፡ ብብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዘለዎም ኮይኖም ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ይህቡ።
ቅድም ክብል፡ ሓላፊት ምንቅስቓስ ሴታዊት ህይወት ኣበበ ሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ኢትዮጵያ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ብምግላጽ ብፍላይ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ብምድንጋግ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትኩሮ ዝህብ እዩ ኢላ ነይራ።
ሴታዊት፡ ሙሉእ ንሙሉእ ክብሃል ብዝኽእል ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ትካል ኮይኑ፡ ንሕማም ወርሓዊ ጽግያት ደቀንሰትዮ ኣብ ግምት ዘእተወ ዕረፍቲ ንክወሃብ ዘፍቅድ ንክኸውን ጻዕሪ ይገብራ ከም ዘለዋ ትዛረብ።
"ሕማም ወርሓዊ ጽግያት ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ'ዩ። ንሕና ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ዕረፍቲ ክወሃብ ንዝብል ኢና ተግባራዊ ገይርና። ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝደለየት'ውን ክትወስድ ትኽእል፤ ንስራሕ ክትወፍር እንደልያ እውን ክትወፍር ትኽእል እያ " ብምባል ኣብሪሃ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናድባውንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ካብ ልዕሊ 43 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝኣከቦ መረዳእታ፡ 85 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ቅርጸት ከብዲ የጋጥመን ይብል።
ከምኡ'ውን 77 ሚኢታዊት ስምዒታተን ይርበሽ፡ 71 ሚኢታዊት ድማ ድኻም ከምዝስመዐን ይገልጽ።
እዚ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ እንተተኣታቲዩ፡ ደቂ ኣንስትዮን ክልቲኡ ጾታ ዘለዎምን ሰባትን ተጠቀምቲ እቲ ሕጋዊ መሰል ኮይኖም፡ ዕረፍቲ ኣብ ዘድልዮም እዋን ብምዕራፍ፡ዘ ኣብ ስርሖም ዝያዳ ውጽኢታውያን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዝካትዑ ኣለው።
ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ዓለምለኻዊ ጠለብ እናኾነ ይመጽእ ብምህላው፡ ገለ ነቐፍቲ 'ፍትሓዊ ኣይኮነን ወይ'ውን ሰባት ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ክሕመዩ በሪ ዝኸፍት እዩ' ብምባል ይካትዑ።
ብደረጃ ዓለም ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ምህላው ዝቃወሙ ገለ ኣካላት፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕማም ከይተሰምዐን እውን እቲ ዕረፍቲ ብዘይኣግባብ ክጥቀማሉ ይኽእላ'የን ክብሉ እውን ይካትዑ፤ ነቶም ዝቖጽሩወን ትካላት'ውን ከኽስሮም'ዩ ይብሉ።
ወሲኾም፡ ናይ ወሊድ ዕረፍትን ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዘለወን ሓላፍነትን ኣብቲ ናይ ሰራሕተኛ ሓይሊ ዘለወን ተደላይነት ንክንኪ ተወሳኺ ምኽንያት ክኸውን'ዩ ዝብል ሓሳብ ዘለዎም እውን ኣለው።
ግን፡ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ነቶም ዕረፍቲ ዝግበኦም ግን ተጸጊሞም ዘሕልፉዎ ሰራሕተኛታት ይሕግዝ'ዶ የዐንቅፍ ኣሎ?
ምልክታት ወርሓዊ ጽግያት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለዩ እዮም። ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት ክህልወን እንከሎ፡ ከም ምዝንባል ቅድመ ወርሓዊ ጽግያት [PMDD] ዘለወን ድማ ብዙሕ ጎናዊ ሳዕቤናት ዘለዎ እዋናት የሕልፋ።
እዚኦም፡ ቅርጸት ከብዲ፣ ፈጸጋን ሕማም መርዘንን ዝኣመሰሉ ኮይኖም፡ ተመራመርቲ ኣብ ብዙሓት ንዓቕመ ሄዋን ዝበጽሓ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙ ምልክታት ከም ዝኾኑ ይገልጹ።
መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ እዋን ጽግያተን ዘጋጥሙወን ጸገማት ማዕረ ክንደይ ከቢድ እዩ ዝብል ብዘየገድስ ስራሕ ኣየብኩራን።
እዚ፡ ብዛዕባ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተሓሓዙ ምልክታት ንሓለፍተን ክዛረባ ካብ ዘይምድላይ፤ ውጽኢታዊት ኣይኮነትን ወይ'ውን ኣብ ስራሕ ኣይተድምዕን ዘላ ዝብል ገምጋም ከይወሃበን ካብ ምስጋእ ዝምንጩ ከም ዝኾነ ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ መምህር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ኣዲላዲ ጋብሪኤላ ጎልዲንግ ትዛረብ።
ብ2021፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ካብ 700 ተሳተፍቲ እተን 70 ሚኢታዊት ዋላ'ውን ከቢድ ወርሓዊ ጽግያት ይሃልወን ንሓለፍተን ክዛረባ ምቾት ከም ዘይስምዐን ገሊጸን።
83 ሚኢታዊት ድማ ብሰንኪ ሕማም ጽግያት ስርሐን ከም ዝተጸልወ ይገልጻ።
ጸሓፊት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ትኹረት ዝገበረ መጽሓፍ The Red Zone: A Love Story ቾሌ ግላድዌል ኣብ 20ታት እንከላ ባሪስታን ኣሳሳይትን ኮይና ክትሰርሕ እንከላ ብወርሓዊ ዑደት ጽግያት ዘጋጥማ ዝነበሩ ጭንቀትን ሓያል ቅርጸት ከብድን ከም ንቡር ትወስዶ ምንባራ ትገልጽ።
ብ2017፡ "ኣብ ገለ መዓልታት ውኒኣ ምስ ስሓተት" ምዝንባል ቅድመ ወርሓዊ ጽግያት ከም ዘለዋ ፈሊጣ፤ እዚ ቅድሚ ስሩዕ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ምጅማሩ ዘጋጥም ሕማም'ዩ።
ግላድዌል ሕጂ ኣብ ኣመሪካ እትነብር ጓል 36 ዓመት እያ።
ኣብታ ሃገር፡ ሰራሕተኛታት ድልየታቶም ጎስዮም ከም ዝሰርሑን እዚ ድማ ውጽኢት ኣብታ ሃገር ዘሎ ባህሊ ሓፍ ለጠቕ ከም ዝብልን ትዛረብ።
"ብግብሪ ደም [እናፈሰሰና] ሰብነትና ኣሲርና ናብ ስራሕ ክንከይድ'ዩ ትጽቢት ዝግበር" ኢላ።
ገለ ሃገራት፡ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ዘፍቅድ ፖሊሲ ብሰፊሑ የተኣታትዋ ኣለዋ።
ኣውስትራልያ፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ቀዳምነት ዝሃባ ሃገራት እያ። ካብ ወርሒ ጥሪ 2019 ጀሚሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዝጥቀማሉ መናጽሂ [ሞዴስ] ካብ ቀረጽ ናጻ ከምዝኸውን ገይራ።
ገለ ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ካብ ትምህርቲ ንከይበዅራ ብናጻ ሞዴስ ይህባ ኣለዋ።
መንግስቲ ድማ፡ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተሓሓዝ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምሃብ ናይ 42.4 ሚሊዮን ዶላር ሃገራዊ መደብ ወግዓዊ ገይሩ።
ጓል 28 ዓመት ክኢላ ርክባት ህዝቢ ተቐማጢት ሜልበርን ሉሲ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2021 ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ኣብ ዝህብ ትካል ካብ እትቑጸር ንድሓር ተጠቃሚት እቲ ዕድል ካብ ዝኾኑ ሰባት ሓንቲ እያ።
ወርሓዊ ዕረፍቲ ምውጻእ ዘድልያ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ወርሓዊ ጽግያታ ግን እቲ ዕረፍቲ ትጥቀመሉ።
"ከቢድ ቅርጸት ከብዲ" ከጋጥማ እንከሎ፡ ድኻምን ጭንቀትን ስለ ዝፈጥረላ ኣብ ስርሓ "ትኹረት ገይራ ክትሰርሕ" ከም ዘጸግማ ትዛረብ።
እቲ እትሰርሓሉ ትካል፡ ኣዝዩ ተዓጻጻፊ ናይ ስራሕ ኩነታት ዘለዎን ዓመታዊ 12 ዝተኸፍሎ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍትን ይህብ።
እዚ ድማ "ጽቡቕ እምነት" ዘለዎ ባህሊ ስራሕ ከምዝፍጠር ገይሩ'ዩ ትብል።
ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ክትወስድ ከም እትኽእል ባይታ ዘንጽፍ ኣሰራርሓ ምህላው ሉሲ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምትብባዕ ከም ዝፈጠረላን ካልኦት'ውን ተመሳሳሊ ምትእትታው ክገብሩ ከም ዘለዎምን ትዛረብ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበራ ተሞክሮ ተገዲዳ ናብ ስራሕ ትኸይድ እኳ እንተነበረት ሕጂ ግን "ብሓቂ ክብሪ" ይስምዓኒ ኢላ።
ነዚ መስርሕ ዘተኣታተው ትካላት ንርእሶም፡ ካብቲ ዝህቡዎ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ [ብዝያዳ] ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ይገልጹ።
ፈጻሚት ስራሕ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ዝርከብ ኩባኒያ ምፍራይ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ውሽጢ ክዳን ሞዲቦዲ ክሪስቲ ቾንግ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሰራሕተኛታታ 10 መዓልቲ ዕረፍቲ ብምሃባ ከም ዘየጣዕሳ ገሊጻ።
እዚ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካየድቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ዝነበረ ምትእምማን ክድልድል ከም ዝሓገዘ፣ ሰራሕተኛታታ'ውን ውጽኢታዊ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዘኽኣሎም ብምግላጽ እቲ ትካል'ውን ሰሓቢ ናይ ስራሕ ቦታ ገይሮም ክርእዩዎ ከም ዘኽኣለ ሓቢራ።
"ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ፖሊሲታት ደቂ ኣንስትዮ ምሕጋዝ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክኾናን ዝክኣለን ክገብራን ኢኻ ተተባብዐን" ትብል።
ነቐፍቲ እዚ ፖሊሲ ግን፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ዘይተረኽበ ሰብ ደሞዝ እናኸፈልካ ዕረፍቲ ምሃብ ወጻኢታት እቲ ትካል ዘብዝሕ እዩ ብምባል ኣይድግፉዎን።
ብቐንዱ ገለ ነቐፍቲ፡ ብፍላይ ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮን ካብተን ዘይርእያ ብዝተፈለየ መገዲ ክተኣናገዳ ስለ ዝገብር፡ ኣብ ዙርያ ዘይወርሓዊ ጽግያት ንዘሎ ግጉይ ርድኢታት ንምንካይን ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ንምምሕያሽን ብዝብል ዝተኣታተው ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ጾታዊ ማዕርነት ከተዓናቕፉ ይኽእሉ እዮም ይብሉ።
ክኢላ ስነ ልቦናን ጸሓፊትን መሊሳ ዶብማን፡ ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያተን ዘለወን ምልክታት ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ዝዛረባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካልኦት ብግጉይ ዓይኒ ከምዝጥምቱወን ክገብር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ፖሊሲታት ተግባራዊ እንተኾኑ'ውን ሰራሕተኛታት ክብለጽሉ ዝኽእሉ ዕድል ገይሮም ክወስዱዎ ከም ዝኽእሉ ዝገልጹ'ውን ኣለው።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ወርሓዊ ዑደተን ካብ ገዛ ኮይነን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ኣማራጺ ምትእትታው፡ እቲ ሰራሕተኛ ነዚ ፖሊሲ ብኸመይ ተቐቢሉዎ ዝብል ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝ ይገልጹ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓለፍተን ብዛዕባ ዘለዋሉ ኩነታት ኣብ ክንዲ ኣግሂደን ምዝራብ "ካብ ገዛ ኮይነን ክሰርሓ ክመርጻ ይኽእላ እየን" ትብል ጎልዲንግ።
እዚ ግን ንኹሉ ማዕረ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዓውዲ ዝሰርሓ ሰራሕተኛታት ኣብ ከቢድ ቃንዛ ኮይነን'ውን ዕረፍቲ ወይ ገንዘብ ክመርጻ እየን ዝግደዳ።
እዚ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ክዕረ ከም ዘለዎ ጎልዲንግ ተረድእ።
"ዝተኸፍሎ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ማለት፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ጽፍሒ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ተጠቀምቲ እቲ ዝወሃብ ዕረፍቲ ክኾና ኣለወን ማለት እዩ" ብምባል ለውጢ ክመጽኣሉ ዝግባእ ከም ዝኾነ ሓቢራ።