እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክታበት ኮቪድ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘስዕቦ ለውጢ ማዕረ ክንደይ እዩ?
ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ደቂ ኣንስትዮ ቁሩብ ለውጢ ከስዕብ ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ቀልጢፉ ናብ ንቡር ከምዝምለስ ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ብሪጣንያ ትገልጽ፡፡
ኣብ ኢምፐርያል ኮሌጅ ለንደን እትምህር ዶ/ር ቪክቶርያ ሜል፡ ኣብ ኣመሪካን ኖርወይን ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ነዚ ዘረጋግጹ ከምዝኾኑ ትሕብር፡፡
ብተወሳኺ ንወሊድ ኣመልኪቱ ዝንዛሕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ፡ ክታበት ኮቪድ መኻንነት የስዕብ እዩ ዝብል ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ትገልጽ፡፡
ተቖጻጻሪ መድሓኒት ዩናይትድ ኪንግደም፡ ክታበት ኮቪድ ኣብ ወሊድ ዘብጸሖ ጽልዋ ዘርእይ መረዳእታ ከምዘየለ ይሕብር፡፡
ኤጀንሲ ምቁጽጻር መድሓኒትን ምህርቲታት መሐለዊ ጥዕናን ከምዝሕብሮ ልዕሊ 37 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ክታበት ኮቪድ ድሕሪ ምውሳደን፡ ዘይተሓሰበ መድመይቲ ኣካላት መፍረ፣ ከቢድን ዝደንጎየን ወርሓዊ ጽግያት ከምዝረኣያ ገሊጸን እየን፡፡
እንተኾነ ምቅይያር ዑደት ጽግያት ተፈጥሮኣዊ ብምዃኑ፡ እዚ ምስቲ ክታበት ዘለዎ ተዛምዶ ዘመላኽት ከምዘይኮነ ይሕብር፤ ተመራመርቲ ግና ዝያዳ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ይገልጹ፡፡
ዶ/ር ቪክቶርያ ከምእትሕብሮ፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣስታት 4 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ ምስ ወሰዳ፡ ወርሓዊ ጽግያተን ብፍርቂ መዓልቲ ዝደንጎየ ኮይኑ ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ክታበት ግን ዝተርኣየ ምድንጓይ የለን፡፡
ልሙዳት ቅረታታት
እተን ኣብ ሓደ ዑደት ጽግያት ክልተ ዙር ክታበት ዝወሰዳ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያተን ብኽልተ መዓልቲ ከምዝደንጎየ ይገልጻ፡፡
ኣብታ ክታበት ብውሑድ ኣብ ሽዱሽተ ሰሙን ኣፈላላይ ዝወሃበላ ብሪጣንያ እዚ ክስተት ክረኣይ ከምዘይክእል ዶ/ር ቪክቶርያ ትገልጽ፡፡
ካብ 10 ዝተኸተባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓንቲ ናይ ልዕሊ ሸሞንተ መዓልቲ ምድንጓይ ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ኣብ ዘይተኸተባ ግና ካብ 25 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓንቲ ዝረኣይ እዩ፡፡
ኣብ ኖርወይ ኣብ 5,600 ደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ መጽናዕቲ ድማ ተፈጥሮኣዊ ምቅይያር ወርሓዊ ጽግያት ዘመልክት እዩ፡፡
ኣስታት 40 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ቅድሚ ምኽታበን ብውሑድ ሓደ ግዘ ከምዘጋጠመን ክገልጻ ከለዋ ድሕሪ ክታበት ግን ካብ ልሙድ ክብድ ዝበለ መድመይቲ ከምዘጋጠመን ገሊጸን፡፡
‘‘ድሕሪ ክታበት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ለውጢ የጋጥም እዩ፤ ግን ድማ ምስ ተፈጥሮኣዊ ምቅይያር እንትወዳደር ዝነኣሰን ቀልጢፉ ናብ ንቡር ዝምለስን እዩ’’ ትብል ዶ/ር ቪክቶርያ፡፡
ብተወሳኺ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ ሻቕሎት ‘‘ክታበት ኮቪድ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ መኻንነት የስዕብ እዩ ካብ ዝብል ዝንቡዕ ሓበሬታ ዝብገስ እዩ’’ ትብል፡፡
ነዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ መጠን ናይቶም ክወልዱ ፈቲኖም ዝሰመረሎም መጻምዲ ኣጽንዕካ ምንጋር የድሊ፡፡
እንተኾነ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ‘‘መጠንን ብዝሕን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክቕንስ ስለዝኽእል’’ እኹል መረዳእታ ምሓዝ ንሕሙማት ትኽክለኛ ምኽሪ ንምሃብ ይሕግዝ እዩ፡፡
ኣብ ብሪጣንያ ዛጊድ ኣስታት 51 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንደቂ ኣንስትዮ ተዋሂቡ እዩ፡፡