እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክታበት ኮቪድ ኣብ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያት ዝህልዎ ጽልዋ ክጽናዕ ኣለዎ ተባሂሉ
ድሕሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቂኣንስትዮ ንዝረኣይ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያትን ዘይልሙድ ምፍሳስ ደምን መጽናዕቲ ክካየደሉ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ግን ልዕሊ 30,000 ደቂኣንስትዮ ድሕሪ ክታበት ምስ ወርሓዊ ጽግያተን ዝተሓሓዝ ጸገማት ከምዘጋጠመን ኣመልኪተን ኣለዋ።
እቶም ድሕሪ ምውሳድ ሰለስተ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ ዝረኣዩ ምልክታት ድማ ካብቲ ልሙድ መጠን ዝሓየለ ምፍሳስ ወርሓዊ ጽግያ፣ ምድንጓይ ወርሓዊ ጽግያን ዘይልሙድ ምፍሳስ ደምን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።
ኣብ ኢምፐሪያል ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪትን መምህርን ስነ-ብየና [‘ኢምዩኖሎጂ’ - መጽናዕቲ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ሰብነት ደቂሰብ] ከምኡ’ውን በዓልቲ ሞያ ፍርያምነት ዶክተር ቪክቶሪያ ማሌ ሰብነት ናይ ምክልኻል ግብረ-መልሲ ዝህበሉ ምኽንያት ምስቲ ክታባት ዘራኽብ ነገር ከምዘይብሉ ትገልጽ።
ክታበታት ኮሮናቫይረስ ምስ ጥንስን ፍርያምነትን ዝራኸብ ጽልዋ ከምዘለዎም ዝረጋግጽ መረዳእታ’ውን ዛጊት ኣይተረኸበን።
ኣብታ ሃገር ዛጊድ 47 ሚልዮን ክታበት ንደቂኣንስትዮ ተዋሂቡ’ሎ።
ኤጀንሲ ቁጽጽር ኣፋውስን ናውቲ ክንክን ጥዕናን ብሪጣንያ ግን ነቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት መሰረት ብምግባር ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ሞንጎ ክታበት ኮቪድን እቶም ዝበሃሉ ምልክታትት “ዘራኽብ ነገር የለን” ይብል።
ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያ ኣዝዩ ዝተለመደን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከጋጥም ከምዝኽእልን ብምሕባር እተን ሕዚ ድሕሪ ክታበት ምልክታት ተራእዩና ዝብል ደቂኣንስትዮ ከኣ ቁጽረን ውሑድ ከምዝኾነ ገሊጹ።
እቲ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ውሱናት በቲ ቫይረስ ተታሒዘን ዝሓወያን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኮቪድ ዘለወንን ደቂኣንስትዮ’ውን ይቐርብ’ዩ ዘሎ።
ንጥዕና ዝምልከቱ ጽሑፋት ኣብ ዝሕተመሉ ‘ብሪቲሽ ሜዲካል ጆርናል’ ጽሑፋ ዘቕረበት ዶክተር ቪክቶሪያ ኣብቲ ምስ ሳዕቤናት ወርሓዊ ጽግያት ብዝተሓሓዝ ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ “ኣዝዩ ሰፊሕ መጽናዕቲ” ምክያድ ነቲ ምስ ክታበት ብዝተሓሓዝ ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታ ንምቅላስ ከምዝሕግዝ ተረድእ።
“ስኑዓት ሓበሬታታት ዘበግስዎ ኣብ መናእሰይ ደቂኣንስትዮ ዝረኣይ ናይ ዘይምኽታብ ድልየት ነቲ ኣብ መጻኢ ዝህልወን ናይ ምጥናስ ዕድላት ክሃስዮ ይኽእል’ዩ” ትብል።
ንኹሎም እቶም ድሕሪ ክታበት ኮቪድ ምዝባዕ ወርሓዊ ፍግያት ከምዝጋጥም ኣመልኪቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ሓበሬታታት ምምርማር ኣገዳሲ ከምዝኸውን ድማ ትምዕድ።
ኣብዚ ጉዳይ “ንጹርን ተኣማንን ሓበሬታ” ምቅራብ ነተን ዑደት ወርሓዊ ጽግያተን ብኣጋ ክፈልጣ ዝደልያ ደቂኣንስትዮ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዶክተር ቪክቶርያ ወሲኻ ትገልጽ።
ተመራመርቲ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያት ከኸትል ከምዝኽእል ብትኽክል ከረጋግጽዎ ኣይከኣሉን።
ብሰንኪ ክታበት ግን ቆልዓ ናይ ዘይምውላድ ጸገም ከጋጥም ከምዘይክእል ይሰማምዑ። ዝተኻየዱ ፈተነታት’ውን ክታበት ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝጠንሳሉ ኩነታት ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ የረጋግጹ። ብተመሳሳሊ ምስ ፍርያምነት ደቂተባዕትዮ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቲ ክታበት ኣብ ዘርኦም ዘምጽኦ ጽልዋ ዘይምህላዉ የመልክቱ።