እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጾታዊ ዓመጽ: በዓል ቤተይ መልኣኽ’ዩ ነይሩ - ደሓር ግን ዓሚጹኒ
ደቂኣንስትዮ ግብጺ ነቲ ምስ ጾታዊ ግህሰታት ብዝተሓሓዝ ዝነበረ ስቕታ ይሰባብርኦ ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ዝቃለስኦም ዘለዉ ጉዳያት ከኣ ነቲ ክሳብ ቀረባ እዋናት ንኽትዛረቦ’ውን ከም ነውሪ ዝቑጸር ኣብ ውሸጢ ሓዳር ብሰብኡተን ዝበጽሐን ጾታዊ ግህሰት (ምዕማጽ) ኮይኑ’ሎ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንፍጻመ ጾታዊ ግህሰት ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣለዎ።
ጓል 34 ሰፋ መርዓኣ ኣብ ዝተፈጸመትላ ምሸት’ያ ብበዓል ቤታ ተዓሚጻ። እቲ መጥቃዕቲ ከኣ ኣብ ሽምጣ፣ ጉንቦ ኢዳን ኣፋን በሰላ ገዲፉ’ላ።
“ሽዑ ምሸት ኣብ ወርሓዊ ጽግያ ስለዝነበርኩ ንጾታዊ ርክብ ድልውቲ ኣይነበርኩን” ብምባል ትዝክር።
“በዓል ገዛይ ግን ምስኡ ርክብ ንምፍጻም ዝኣብይ ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዕዎ። ወቒዑኒ፣ ኣሲሩኒ፣ ድምጸይ ዓፊኑ ከኣ ደፊሩኒ” ትብል ሰፋ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ነቲ ካብ ማሕበረሰብ ከጋጥማ ዝኽእል ተነጽሎ በምስጋእ ዝበጽሓ በደል ንፖሊስ ክተፍልጥን ንበዓል ገዝኣ ክትኸስስን ኣይደለየትን።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግን ሓደ መቐይሮ ነጥቢ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ፤ ኣብ ሓደ ‘ኒውተንስ ክረድል’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ ተኸታታሊ ናይ ቴሌቪዥን ድራማ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣገዲዱ ክዕምጻ ዘርእይ ክፋል ተራእዩ። እዋኑ ከኣ ግዜ ጾመ ረመዳን ነይሩ።
እቲ ተግባር ዝተረኣየሉ ክፋሊ ድራማ ንሕማቕ ተዘክሮታት ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ዘበራበረ ኮይኑ፤ ብጽንዓት ከኣ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቀሪበን ተሞክሮኡን ከካፍላ ዕድል ፈጢሩ።
ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ብኣማኢት ዝቑጸራ ዝሃብኦ ምስክርነት ብኦንላይን ተዘርጊሑ፤ ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ክፈልጡን ክዘራረቡሉን ዕድል ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ኮይኑ።
ጓል 27 ዓመት ሰና ሓንቲ ካብተን ግዳያት ዝኾና ደቂኣንስትዮ ነይራ።
ኣብ ናይ ፌስቡክ መልእኽቲ “መልኣኽ’ዩ ነይሩ። ሓዳር ካብ እንገብር ዓመት ምስመልኣና ብጽሕቲ ወርሒ ጥንስቲ ነይረ” ትብል ሰና።
ኣስዒባ ድማ “ብዘይረብሕ ነገራት ናብ ጎይቊ ንኣትው ነይርና፤ ካብኡ ክቐጽዓኒ ወሲኑ” ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ትዝክር።
“ብሓይሊ ኣገዲዱ ደፊሩኒ በዚ ምኽንያት ምንጻል ጥንሲ ኣጋጢሙኒ”።
ሰና ምስ ሰብኣያ ፍትሕ ንምፍጻም ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣብ ጎና ኮይኑ ዝሓገዛ ሰብ ኣይነበረን፤ ሎሚ ምስ ሰብኣያ እንተተፈላለዩ’ኳ ሓዘን ናይ ውላዳ ግን ኣብ ውሽጣ ኣሎ።
ኣገዲድካን ሓይሊ ዝተመልኦን ጾታዊ ዓመጽ ብፍላይ መረዓ ኣብ ዝተፈጸመትላ ምሸት ኣብ ብዙሕ ከባብታት ግብጺ ብስፍሓት’ዩ ዘጋጥም።
ኣብዚ ዛዕባ ዝግበር ዘተ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝበጽሓሉ ሓደ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ነይሩ። በዓልቲ ቤት ሓደ ፍሉጥ ድምጻዊ ኣብ ሓዳራ ዝበጽሓ ጾታዊ ግህሰት [ምድፋር] ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ቀሪባ ኣዘንቲያቶ። እናነብዐት ብቪድዮ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስፍሓት ካብ ምዝርግሑ ብተወሳኺ ሽፋን ዜና መራኸቢ ብዙሃን’ውን ኮይኑ ነይሩ።
ሰብኣያ ብኢንስታግራም ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ ግብረ-መልሲ ነቲ ዘቕረበቶ ክሲ “መሰረት ዘይብሉ” ክብል ነጺግዎ።
እታ በዓልቲ ገዝኡ ዝነበር ብወገና ነዞም ከምዚ ዝበሉ ተግባራት ብገበን ዝቐጽዕ ሕጋዊ ስርዓት ለውጢ ክግበረሉ’ያ ጸዊዓ።
ንመንግስታዊ ኣካል ዝኾነ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ደቂኣንስትዮ ግብጺ ዝጠቅስ ኣብ 2015 ወጺኡ ዝነበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፤ ምስ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ግህሰት፣ ጾታዊ መጥቃዕቲን ግዱድ ጾታዊ ትግባራትን ዝተሓሓዙ ዓመታዊ ልዕሊ 6,500 ክስታት ይቐርቡ።
“ኣብ ሓዳር ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት ኣብ ግብጺ ከም ልሙድ ባህሊ ዝውሰድ ኮይኑ፤ ውዕሊ ሓዳር ከኣ ሰበይቲ ንሰብኣያ ወትሩ ንጾታዊ ርክብ ድልውቲ ኮይና ክትጸንሕ ከምዘገድድ ይእመን” ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ከምኡ’ውን ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ምኽርን ግንዛበ ሕግን ደቂኣንስትዮ ሬዳ ዳንቡኪ።
ብመሰረት ገለ ሃይማኖታዊ ትርጓመታት፡ ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም እንተኣብያ፤ “ሓጥያተኛ” ትኸውን “ምሉእ ለይቲ መላእኽቲ ክረግምዋ ይሓድሩ” ዝብል እምነት ከምዘሎ ሬድ ወሲኹ ይገልጽ።
ኣማኻሪ እስላማዊ ጉዳያት ዝኾነ ዳር ኣል-ኢፍታ ዝተበሃለ ትካል ኣብዚ ጉዳይ ፍታሕ ንምምጻእ “ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ርክብ ንምፍጻም ሓይሊ እንተተጠቒሙ ሓጥያተኛ እዩ፤ በዓልቲ ገዝኡ ከኣ ንዝፈጸሞ ተግባር ከሲሳ ክተቕጽዖ መሰል ኣለዋ” ዝብል ሃይማኖታዊ ኣዋጅ ደንጊጉ’ሎ።
ማእኸል ምኽርን ግንዛበ ሕግን ንደቂኣንስትዮ [ግብጺ] ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣስታት 200 ኣብ ሓዳር ዝተፈጸሙ ግህሰታት ከምዝመዝገበ ይገልጽ። መብዛሕቲኦም ክስታት ከኣ ምስታ ኣብ መዓልቲ መርዓ ዘላ ምሸት ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሙ ምዃኖም ዶክተር ሬዳ ዳቡንኪ የረድእ።
ሕጊ ግብጺ ነቶም ኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ጾታዊ ግህሰታት [ምዕማጽ] ከም ገበን ኣይቆጽሮምን። ቤት ፍርዲ’ውን ነዚ ገበን መረጋገጺ ዝኸውን ነገር ኣብ ምርካብ ከምዝጽገም ይግለጽ።
ዶክተር ዳቡንኪ ግን እቲ ኣብ ሓዳር ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት ንምርግጋጽ “ኣብ ምሉእ ኣካላት እታ ግዳይ ምርመራ ብምግባር፣ ደጋዊ በሰላታት ኣካል ብምርኣይ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ኣፍን ሽምጥን ዘጋጥም ቁስለት ክረኣዩ ኣለዎም” ይብል።
ኣብታ ዓቃባውያን [‘ኮንዘርቫቲቭ’] ክብርታት ዝዓብለልዋ ግብጺ ቅልጡፍ ለውጢ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ’ዩ። ዋላ ከምኡ እንተኾነ ግን እተን ኣብ ሓዳረን ብሰብኡተን ዝዕመጻ ግዳያት ድምጸን ክስማዕ ኣለዎ።
ኣብዚ ዛንታ ሰፋን ሰናን ብዝብል ዝቐረባ ሰባት ትኽክለኛ ኣስማተን ንድሕነተን ብዝብል ተቐይሩ’ሎ።