‘ዘይወለዳ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ንመንሽሮ ጡብ ይቃልዓ’- ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ

መንሽሮ ጡብ፤ ብሰፊሑ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝረኣይ ዓይነት መንሽሮ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘጥቅዑ ዓይነታት መንሽሮ ብቐታልነቱ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ እዩ፡፡

በብዓመቱ ኣስታት 2.1 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ብመንሽሮ ጡብ ከም ዝተሓዛ ዝሕብር ጸብጻብ ወድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጥራሕ ኣስታት 627 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ሕማም ከም ዝሞታ ይሕብር፡፡፡

ማሕበረሰብ ካንሰር ኣመሪካ ድማ ብ1 ጥሪ 2019 ኣብ ኣመሪካ ታሪኽ መንሽሮ ጡብ ዘለወን 3.8 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ብህይወት ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ ነይሩ፡፡

ካብ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ንሓንቲ ዘጥቅዕ መንሽሮ ጡብ፡ ዝርግሕኡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ኣህጉራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝተሓተ ከም ዝኾነ ይግለጽ፡፡

እንተኾነ ብምኽንያት ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ትሑት ግንዛበን ክትትል ሕክምናን ሓቀኛ ዝርግሕኡ ንምፍላጥ ከም ዝኸብድን ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ከም ዘሎን ሰብ ሞያ ይገልፁ፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ወርሒ ጥቅምቲ ከም መፍጠሪ ግንዛበ እቲ ሕማም ገይሩ ብምውሳድ ሃገራት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክሰርሓ የተባብዕ፡፡

መበገሲታት ሕማም መንሽሮ ጡብ

ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ፡ ኣብ ዓይደር ኮምፕረሀንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል መቐለ ክኢላ ሕማም መንሽሮ እዩ፡፡

ሕማም መንሽሮ ጡብ ልክዕ ከም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ምዕሩይ ብዘይኮነ ዕብየት ዋህዮታት ከም ዝመጽእ ዝገልጽ ዶ/ር ክብሮም፡ ነቲ ጸገም ምኽንያት ዝኾነ ዋህዮ ''ኣፈጣጥርኡ ልክዕ ኣይኮነን፤ ክሰርሖ ዝግበኦ ስራሕ ኣይሰርሕን፤ ክመውት ኣብ ዝግበኦ እዋን ኣይመውትን'' ይብል፡፡

ሕማም መንሽሮ ጡብ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኣይኮን ዘጥቅዕ፤ ብዝርግሐ ዝነኣሰ ይኹን እምበር ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እውን ይረኣይ እዩ፡፡

መንሽሮ ጡብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 100 ደቂ ኣንስትዮ ን 15 ደቂ ተባዕትዮ ዝኾነ ዝርግሐ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ፡ መብዛሕትኡ እዋን መበገሲ እቲ ሕማም ከም ዘይፍለጥ፤ ኮይኑ ግና ነቲ ሕማም ከቃልዑ ዝኽእሉ ኩነታት ከም ዘለዉ ይሕብር፡፡

"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰብትና ንነዊሕ ግዘ ኢስትሮጅን ኣብ ምህላው ዝተደረኹ እዮም፡፡ እዚ ማለት ወርሓዊ ጽግያት ቀልጢፉ ኣብ ዝመጽአን ደቂ ኣንስትዮ ክረኣይ ይኽእል እዩ፤ ወርሓዊ ጽግያ ክጸንሕ ካብ ዝግበኦ ዕድመ ንላዕሊ እንትጸንሕ እውን፤ ዘይወለዳ ደቂ ኣንሰትዮ ካብ ዝወለዳ ንላዕሊ ተቓልዕቲ እየን'' ይብል፡፡

ብዝሒ ቆልዑ እውን ኣብ ተቓላዕነት ኣፈላላይ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ሓደ ቆልዓ ጥራይ ዝወለዳ ብዙሕ ካብ ዝወለዳ ዝለዓለ ተቓላዕነት ሕማም መንሽሮ ጡብ ከም ዘለወን ይዛረብ፡፡

ከምኡ እውን ዘየጥብዋ ካብ ዘጥበዋ ዝለዓለ ተቓላዕቲ እየን፡፡

ብተመሳሳሊ ኣልኮል፣ ምትካኽ ሽጋራ፣ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባርን ልዑል ስብሒ ሰብነትን ካብቶም ነቲ ንሕማም መንሽጡብ ከሳጥሑ ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ ይገልጽ፡፡

ቅድመ ምርመራ መንሽሮ ጡብ

ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዐ ኣባል ቤተሰብ ዘለወን ካብ 40 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብማሞግራፊ ዝተሓገዘ ምርመራ መንሽሮ ጡብ ብውሑድ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ክገብራ ከም ዘለወን፡ ዶ/ር ክብሮም ይገልጽ፡፡

''ማሞግራፊ ምልክት ቅድሚ ምርኣዩ ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ኣለዎ፤ ብዓለም ደረጃ ዝተፈለጠ ምርመራ እዩ፡'' ብምባል እውን የረድእ።

እንተኾነ፡ እዚ ቴክኖሎጂ ዕድሚአን 25 ክሳብ 40 ኣብ ዝኾና ደቀ1 ኣንስትዮ ብትኽክል ስለ ዘይርእይ፡ ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ክፍትሻ ኣለወን ይብል፡፡

''ጡብ ከም መስቀል ጌርካ ኣብ ኣርባዕተ ምኽፋል፤ ሕድሕድ ክፋል ምፍታሽ፤ እንተተኻኢሉ መዓልታዊ ነብሰን ኣብ ዝሕጸባሉ ግዘ ምፍታሽ የድሊ። ኣብ ዓድና ማሞግራፊ ብብዝሒ ስለ ዘየለ ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ምፍታሽ ዝሓሸ እዩ'' ብምባል ኣድላይነት ዓርሰ ፍተሻ የገንዝብ፡፡

ዝርገሐን ሕክምናን መንሽሮ ጡብ ኣብ ኢትዮጵያ

መንሽሮ ጡብ ብደረጃ ዓለምን ምዕቡላት ሃገራትን ብብዝሒ ኣብ ልዕሊ 60 ዓመት ዝኾነን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝረኣይ ዝገልጽ እቲ በዓል ⶁያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርባዓታት ይረአ ከም ዘሎ ይዛረብ፡፡

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገረበ ምርመራ ከምእንርእዮ፡ ማእከላይ ዕድመ ብመንሽሮ ጡብ ዝተትሓዛ ዕድሚአን ከባቢ 40.3 እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ዓድና ኣብ ትሑት ዕድመ ይረአ ምህላዉ ዘርእይ እዩ'' ይብል፡፡

ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል መቐለ እውን ካብ 18 ክሳብ 70 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ከም ዝተርኣየ ይገልጽ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሕማም ዘሎ ግንዛበ ትሑት ከም ዝኾነ ዝጠቅስ ክኢላ መንሽሮ ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ፡ ብወገን መንግስቲ እውን ክንድቲ ኣብ መንሽሮ በሪ ማህጸን ዝተሰርሐ ግንዛበ ናይ ምፍጠር ስራሕ ኣብዚ ዓውዲ ከም ዘይተሰርሐ ይሕብር፡፡

ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ 15 ሽሕን 244 ሓድሽ መንሽሮ ጡብ ከም ዝተመዝገበ ጸብጻብ ግሎቦካም የመልክት፡፡

ሕማም መንሽሮ ጡብ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጥቅዕ ሕማም ከም ዝኾነ ዝገልጽ ዶ/ር ክብሮም፡ እዋኑ ዝሓለወ ሕክምና እንተተገይሩሉ ''መንሽሮ ጡብ ሙሉእ ብሙሉእ ክድሕን ዝኽእል ሕማም እዩ'' ይብል፡፡

ብመሰረት ደረጃ እቲ ሕማም ድማ ኣብ ምድሓንን ቃንዛ ምንካይን ዘተኮሩ ከም መጥባሕቲ፣ ኬሞቴራፒ፣ ጨረርን ካልኦት ሕክምናታትን ከም ዝወሃብ ዝገልጽ ዶ/ር ክብሮም ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ ሕክምና ከም ዘሎ ይገልጥ፡፡

''ኬሞቴራፒ ኣለና እዩ፤ ንሱ ኢና ብስፍሓት እንህብ ዘለና፡፡ መጥባሕቲ ኣሎ እዩ ኣገባቡ ክፈላለ ይኽእል፡፡ እቲ ጸገም ናይ ጨረር ሕክምና ኯይኑ ብዙሕ ጊዜ መንሽሮ ጡብ ናይ ዝሓዘን ደቲ ኣንስትዮ ጡብ ሙሉእ ብሙሉእ ክውገድ እዩ ዝግበር፡፡ ገሊኡ ምናልባት ክነትርፎ ንኽእል ኔርና ማለት እዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ጨረር ሕክምና ኣብ ጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል ጥራሕ ከም ዘሎን፡ ኣብዚ እዋን እውን እንተኾነ እቲ ማሽን ብምብልሻዉ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጨረር ሕክምና የለን ምባል ከም ዝከኣል ይገልጽ፡፡

ብተበግሶ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ሽዱሽተ ዩኒቨርሲቲታት ናይ ጨረር ሕክምና ማእከላት ይህነጽ ከምዘሎን ኣብ ዓይደር እውን ብተመሳሳሊ እቲ ሕክምና ንምጅማር ዘኽእል ራሕቲ ይውገን ዘሎ ይሕብር

መትሓዚ ጡብ ንመንሽሮ ጡብ የቃልዕ'ዶ?

መብዛሕትኡ ግዘ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ጡበን ንምትሓዝ ዝጥቀማሎም መደገፊ ጡባት ንሕማም መንሽሮ ጡብ ከም ዘቃልዕ ብዙሕ ግዘ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሰምዕ ኢና፡፡

ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ ግና '' ክሳብ ሕዚ ብጡብ መትሓዚ ዝመጽእ፡ ብዓለም ደረጃ ዝፍለጥ ዝተረጋገጸ መንሽሮ ጡብ የለን'' ይብል፡፡

እቲ ዝሓሸ እዞም ንመንሽሮ ጡብ የቃልዑ ተባሂሎም ዝተገለጹ ነገራት ምጥንቃቕ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ ''እዞም ጥንቃቐታት ስለ ዝገበርና እውን ሙሉእ ብሙሉእ ክንድሕን ኢና ማለት ኣይኮነን'' ብምባል ግንዛበ ምፍጣርን ምፍታሽን ከም ዘድሊ ይገልጽ፡፡