ጥዕና፡ ክታበት ኮሮናቫይረስን ወርሓዊ ጽግያትን ዘራኽቦም እንታይ'ዩ?

ክታበት ኮሮናቫይረስ ምስ ወሰድኩም፡ ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ረስኒ፣ ሕማም ርእስን ኣብ ምናትኩም ቃንዛን ክስምዓኩም ይኽእል።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብዚ ዝዘለለ ስግኣትን ሕቶን ኣለወን።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ዝሓየሎ ወርሓዊ ጽግያት ከኸትል ይኽእል'ዩ ዝብል ዝተዘንግዐ'ዶ ኣይመስለኩምን ኢለን ይሓታ።

ክኢላ ሕክምና ስነ ሰብ ዶክተር ኬት ክላንሲ፡ ክታበት ሞዴርና ምስ ወሰደት ዘይልሙድ ብርቱዕ ወርሓዊ ጽግያት ከም ዝተርኣያን ብዙሓት ተመሳሳሊ ተጓንፎ ናይ ዘለወን ሰባት ከም ዝሰምዐትን ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

ዶክተር ካትሪን ሊከ ኣ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሰዱ ሰባት ዘጋጠሞም ተሞክሮታት ኣኪባ ዳህሳስ ከተካይድ ጀሚራ ኣላ።

እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ስለ ዘየለ እቶም ክታበታት ድዮም ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ለውጢ ዝፈጥሩ ዘለው ዝብል ኣይፈለጥናን።

ግን ብዙሓተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክታበት ምስ ወሰዳ ብፍላይ ድማ ናይ ካልኦት ሰባት ተሞክሮ ክሰምዓ ምስ ጀመራ እንታይ የጋጥመን ከም ዘሎ ከስተብህላ ይጅምራ ኣለዋ።

ኣብ ኢምፔሪያል ኮሌጅ ለንደን ክኢላ ስርዓት ምርባሕ ዝኾነት ዶክተር ቪክቶሪያ ሜል፡ ገለ ጽግያት ዝወድኣ ደቂ ኣንስትዮን ጽግያት ጠጠው ንምባል ሆርሞናት ዝወስዳን ደቂ ኣንስትዮ፡ ክታበት ምስ ወሰዳ ደም ክፈሰን ከም ዝጀመረ ትገልጽ።

ስለዚ፡ ዝኾነ ኣካላዊ ጉድኣት ከስዕብ ዘይኽእል ግብረ መልሲ ክህሉ'ዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዋ ትዛረብ።

ምስ ብርክት ዝበሉ ናይ ጓል ጾታ ዘለዎም ሰብኡትን ጽግያት ደው ዘበላ ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝተራኸባ ዝገልጻ ዶክተር ክላንሲን ሊን፡ እዞም ሰባት ነቲ ክታበት ምስ ወሰዱ ደም ምፍሳስ ከም ዘጋጠሞም ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ፡ ክታበት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ለውጢ ከምጽእ ይኽእል''ዩ ዝብል ዘይተረጋገጸ ግምት እንተሃለወ'ውን፡ እዚ ግን ዘጨናንቕ ከም ዘይኮነ ክኢላታት ስርዓተ ምርባሕ ይገልጹ።

ዳርጋ ኣብ መላእ ሰብነትና ሕማማት ዝከላኸሉ ዋህዮታት እንተሃለው'ውን፡ ገበር ማህጸን ሓደ ካብቶም ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ሰብነት'ዩ።

እዞም ዋህዮታት፡ ንገበር እቲ ማህጸን ናይ ምዕቃብን ምህናጽን ተራ ዘለዎም ኮይኑ፡ እቲ ማህጸን ድቂ ንምሓዝ ክዳሎ፤ ከምኡ'ውን እቲ ንጾታዊ ምርባሕ ዘይተዳለወ እንቋቁሖ ብመልክዕ ወርሓዊ ጽግያት ክዳሎ ይገብር።

ድሕሪ ክታበት ምውሳድ እምበኣር፡ ነዚ ገበር ዋህዮ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ዘለዎም ኬሚካላት ኣብ ሰውነትና ክሰራጨው ይጅምሩ።

እዚ፡ ነቲ ገበር ማህጸን ከፍርሶ፣ ናይ ደም ነጠብጣብ ክፍጠር ወይ ከኣ ወርሓዊ ጽግያት ከምጽእ ይኽእል ብምባል ዶክተር ሜል ተብርህ።

እዚ ግን ምስ ምኻድ ጥንሲ ዝተኣሳሰር'ዩ ማለት ኣይኮነን።

ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ኣብ ማህጸን ዘሎ ዕሸል ምስ ምምልላስ ደም ኣዲኡ ዘራኽቦ መዳሕንቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ነቲ ገበር ማህጸን ከፍርሱዎ ይኽእሉ'ዮም።

ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሞንጎ ክታበትን ምኻድ ጥንስን ዝኾነ ዓይነት ምትእስሳር ከም ዘየሎ ዘረጋግጹ ብዙሓት መረዳእታታት ኣለው።

ኣብ ልዕሊ እቲ ገበር ማህጸን ዝፍጠሩ ለውጥታት፣ እንቋቁሖ ዝፈርየሎም መዓልታት'ውን እንተኾነ ንኣብነት ሓደ ሰብ ረስኒ እንተሃሊዩዎ ብቑጥዐ ክጽለው ከም ዝኽእሉ ክኢላ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኦክተር ኣሌክሳንድራ ኣልቨርጅን ተዛሪባ።

እዚ ድማ፡ እቲ ወርሓዊ ጽግያት ኣቐዲሙ ወይ ዘንጊዑ ክመጽእ ከም ዝገብሮ ሓቢራ።

ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ መጽናዕታት'ውን፡ ነድሪ ወይ ቁጥዐ ዘብዝሑ ሰባት ዚያዳ ቓንዛ ዘለዎ ወርሓዊ ጽግያት ከም ዝህልዎም ይሕብሩ።

ክታበታት'ውን፡ ኣብ ሰብነትና ነድሪ ከስዕቡ ይኽእሉ'ዮም።

እቲ ጽልዋ ግዝያዊ'ዩ

ጉንፋዕን ክታበትን፡ ኣብ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ግዝያዊ ጽልዋ ከም ዝፈጥሩ መጽናዕታት ይሕብሩ።

ይኹን'ምበር፡ ዘላቒ ጎናዊ ሳዕቤን ከም ዘይብሎም የረድኡ።

"ብተወሳኺ ኣብ መፍረያይነት ዝፈጥሩዎ ጸቕጢ ከም ዘየሎ ድማ ሓያሎ መረዳእታታት ኣለው" ትብል ዶክተር ሜል።

እንተኾነ፡ ሰባት ክታበት ኣብ ዙርያ ጽግያት ዘሕድሮ ጽልዋ ብዝግባእ ንክርድኡዎ ቐጻሊ መጽናዕታት ክካየዱ ከም ዘለዎም እዞም ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

"ኣብዚ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ክንደይ ሻብ ዕሽሽ ከም ዝብሃል ኢኻ ትዕዘብ። ረስኒ ጎናዊ ሳዕቤን ክታበት ምዃኑ ዘይምፍላጥ ዝፈጥረልካ ሕርቃን ሓስቡዎ" ክትብል ጋይናኮሎጂስት ዶክተር ጄን ጋንተር ጽሒፋ።

"ወዮ ድሕሪ ክታበት ዝመጽእ ልሙድ ዓይነት ረስኒ ኮይኑ እናሃለወ ኣብ ሰብነተይ ገለ ነገር ይኸውን ኣሎ ኢልካ ስግኣት ክሓድረካ ይኽእል። እዚ ልክዕ እታ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ወርሓዊ ጽግያታ ዘጋጥማ ምልውዋጥ ማዕረ ምዃኑ ምግንዛብ ከድሊ'ዩ" ኢላ።

ናይ ጓል ኣንስተይቲ ጾታ ዘለዎም ሰባትን ጽግያት ደው ዘበላ ደቂ ኣንስትዮን ዘጋጥሞም ዘሎ ምፍሳስ ደም ከኣ ምልክት መንሽሮ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ዘይጓዳእ ጎናዊ ሳዕቤን ድዩ ዝብል ሰባት ክፈልጥዎ ይግባእ ትብል ዶክተር ሊ።

ግጉይ ሓበሬታ ክታበት

ኣብ ቀረባ፡ ክታበታት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ጽልዋ የሕድሩ ኣለው ዝብል ዝንቡዕ ወረ ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣንጻር ክታበት ዝኾኑ ጉጅለታት ከም ናይ ዶክተር ክላንሲ ዝበለ ተጓንፎ ተጠቒሞም፡ ክታበት ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ ወይ'ውን ዓለማዊ ሙሁራት ንምምካን ይጥቀሙሉ ኣለው ክብሉ ጀሚሮም።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ልዕሊ 300 ሽሕ ግዜ ዝተራእየ ሓደ ቪድዮ፡ "[ክታበት] ባዕለን እንተዘይወሰዳ'ውን ጽግያትን ዑደት ወርሓዊ ጽግያትን ደቂ ኣንስትዮ ተጠቒዑ'ዩ" ዝብል ነይሩ።

ካልኦት ጸረ ክታበት ዝጉስጉሱን ክታበት ዘይቕበሉ ሰብ ሞያ ጥዕናን'ውን፡ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ናይቲ ቫይረስ ፕሮቲን ኣብ ካልኦት ሰባት ክራባሕ ይገብሩ'ዮም ዝብሉ ግጉያት ሓበሬታታት ይዝርግሑ ነይሮም።

ይኹን'ምበር እዚ ሓቂ ኣይኮነን።

መብዛሕትኦም ክታበታት ኮቪድ-19፡ ሰብነትና ነቲ ቫይረስ ከመይ ክቃለሶ ከም ዘለዎ መምርሒ ዝህቡን ክራባሕ ዘይኽእል ፕሮቲን እቲ ቫይረስ ናብ ሰብነትና ብምእታው ክፈርሱ ወይ ክድምሰሱ'ዮም ዝገብሩ።