ሳይንስ፡ ቫይረሳት ሰበብ ሕማም'ዶ ምኽንያት ምዕሩይ ሃለዋት?

ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ሕማም ዘበግሱ ቫይረሳት፡ ንዘመናት ጸብጺብካ ዘይውዳእ ህይወት ሰብን እንስሳን ክጠፍእ ጸኒሑን ኣሎን።

ብ1918 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝነበረ ለበዳ፡ ካብ 50 ክሳብ 100 ሚልዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ቐቲሉ።

ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ጥራሕ፡ ብቫይረስ 'ስሞልፖክስ'፡ 200 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ሞይቱ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ናይዚ ዘመን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ ይርከብ።

ኲናት ኣብ ዘይብሉ ዘመን፡ ሓደ መዋእል ብካልእ መዋእል ብዝተተክአ ቁጽሪ፡ ክንደይ ህዝቢ'ዩ ብሕማም ክሃልቕ? ሕቶ ብዙሓት ክኸውን ይኽእል።

ሃንደበት ሓደ መለኰታዊ ማዕበል ተላዒሉ፡ ኩሎም ቫይረስ ክጠፍኡ እንተዝገብር፡ ምናልባት ብዙሓት ሰባት ብታሕጓስ ምጸምበሉ'ዶ?

ሊቃውንቲ ስነ-ቫይረስ ግና፡ ምጥፋእ ቫይረሳት፡ ካብ ሃለዋት ቫይረሳት ንላዕሊ ሓደገኛ እዩ ይብሉ።

"ሃንደበት ኩሎም ቫይረሳት እንተጠፊኦም፡ ዓለም ንሓደ መዓልቲ ወይ ፍርቂ መዓልቲ ውቅብቲ ክትኸውን ትኽእል፤ ግና ድሕሪኡ ኩላትና ኢና ክንመውት" ይብል ክኢላ ሕማማት ለበዳ ዩኒቨርሲቲ ዊስኮንሲን-ማዲሰን ቶኒ ጎልድበርግ።

መብዛሕትኦም ቫይረሳት፡ ሰበብ ሕማም ደቂ ሰባት ዘይኮኑስ፡ ደገፍቲ ስርዓት-ማሕድሮ [ኢኮሲስተም] ዓለምና እዮም።

ገሊኦም ድማ፡ ሰብነትና ካብ ፈንገስ ከምኡ'ውን ናይ ተኽልን ሰብን ሓሸራት ዝከላኸሉ እዮም።

"ቫይረሳት እንተዘይህልው ነይሮም፡ ጠፊእና ምሃለና። ሳልኦም ኢና ኣብ ምዕሩይ ሚዛን ንነብር ዘለና" ትብል፡ ክኢላ ስነ-ቫይረስ ዩኒቨርሲቲ ሜክሲኮ፡ ሱዛን ሎፔዝ።

መብዛሕትኡ ሰብ፡ ህልውና ደቂ ሰባት ይጻባእ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝሕሰብ ክፋል ስለ ዘድህብ፡ ቫይረሳት ኣብ መሬት ዘለዎም እወንታ ኣይርድኦን።

ተመራመርቲ ስነ-ቫይረስ፡ ሰበብ ሕማም ወዲ ሰብ ብዛዕባ ዝኾኑ ቫይረሳት የጽንዑ'ዮም።

ኣብ ቀረባ ድማ፡ ውሑዳት ተመራመርቲ ኣብ ክንዲ'ቶም ዝቐትሉና ዘለው፡ ንደቂ ሰባትን ዓለምን ደጊፎምዎም ብዛዕባ ዝኸዱ ዘለው ቫይረሳት የጽንዑ ኣለው።

እዚ፡ እንተውሓደ ኣብ ዓለም ዘለው ቫይረሳት ምዑሩይ ዝኾነ ህይወት ኣብ ምፍጣር ዘለዎም እወንታ ንምግሃድ ክሕግዝ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ክሳብ ሕጂ፡ ተመራመርቲ ህይወት ደቂ ሰባት ኮነ ሃለዋት ዓለም፡ ካብ ቫይረሳት ወጻኢ ጠጠው ክትብል ኣይትኽእልን ኢሎም'ዮም ዝኣምኑ።

ብቀንዱ'ውን ክጠፍኡ እንተደሊና፡ ኣብ መሬት ዘሎ ዓሌት ቫይረስ ምጥፋእ ዝከኣል ኣይኮነን።

ዓለም ብዘይካ ቫይረሳት እንታይ ክትመስል ትኽእል ኢልና ንሕሰብ እንተኢልኩም ግና፡ ፈለማ ምስ ህልውናና ክሳብ ክንደይ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ክትፈልጡ ይግባእ።

ግደ ሓቂ፡ ተመራመርቲ ኣብ ዓለም ክንደይ ዝኣኽሉ ቫይረሳት ኣለው ዝብል ብቑጽሪ ኣይፈልጡዎን።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቫይረሳት ሽምን መደብን ወጺእሎም ክኸውን ይኽእል፡ ቑጽሮም ዘይተጸንዐ ብሚሊዮን ዝግመቱ ግና ክህልው ይኽእሉ።

"እቲ ሳይነስ፡ ኣብቶም ምኽንያት ሕማም ደቂ ሰባት ዝኾኑ ቫይረስ ስለ ዘተኩር፡ ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥናዮ ንኡሽቶ ክፋል ጥራሕ እዩ" ትብል ምህርቲ፡ ቫይረሳት ምስ ከባቢኦም ዘለዎም ዝምድና ናይ ዘተኩር ጨንፈር ስነ-ህይወት ቫይረሳት ዩኒቨርሲቲ ፔን ስቴት ማርሊን ሩስኒክ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ተመራመርቲ ክንደየናይ ሚኢታዊት እቶም ዝፍለጡ ቫይረሳት'ዮም፡ ለበዳ ዘምጽኡ ዝብል ኣይፈልጥዎን።

"ብቑጽሪ ንርኣይ እንተኢልና፡ ናብ ባዶ ዝጽጋዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል ሙሁር ስነ-ቫይረስን ስነ-ከባብን ዩኒቨርሰቲ ብርቲሽ ኮሎምቢያ ኩርቲስ ሳትል፡ "ዳርጋ መብዛሕቲኦም፡ ሕማም ዘምጽኡ ኣይኮኑን" ኢሉ ይኣምን።

ልፊ ኢኮ-ኢስተም

ሙሁራት ስነ-ቫይረስ፡ ባክቴሪያ ዘምጽኡ ቫይረሳ፡ት ልዕሊ ዝኾነ ጠቐምቲ'ዮም ይብሉ።

እዞም ዓይነት ቫይረስ፡ ንጥዕና ደቂ ሰባት ተጻባእቲ ዝኾኑ ነገራት ሰኒጎም ዘትርፉ ኮይኖም "ፌጅ" ተባሂሎም ይጽውዑ።

ክኢላ ሕማማት ለበዳ ዩኒቨርሲቲ ዊስኮንሲን-ማዲሰን ጎልድበርግ፡ "ነዚ ብባክቴሪያ ዝመልአ ዓለም ዝውሕጡ ንሳቶም ስለ ዝኾኑ፡ እንተዘይህልዉ ነይሮም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምሃለና" ይብል።

'ፌጅ'፡ ዓቐን ኣብ ውቅያኖስ ዝርከቡ ብዝሒ ባክቴሪያ ሓዊሱ ነቲ ኢኮ-ሲስተም ዝቆጻጸሩ ኮይኖም፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ እዞም ቫይረሳት እንተጠፊኦም፡ እቲ ባክቴሪያ ዝመልአ ክፋል ይግንፍል።

እዚ፡ ብፍላይ ን90 ሚኢታዊት ህይወታውያን ንዝሓዙ ንቀላያት ሓደገኛ እዩ።

ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ፡ ዳርጋ ፍርቂ ኣብ ዓለም ዘሎ ኦክስጅን፡ ብዓይኒ ክርኣዩ ዘይኽእሉ [ማይክሮብስ] ህይወታውያን ዘፍረይዎ እዩ።

ዑደት እዞም ደቀቕቲ ነገራት ድማ፡ ቫይረሳት ብምህላዎም ዝተፈጥሩ እዮም።

እዞም ቫይረሳት፡ ኣስታት 20 ሚኢታዊት ብዓይኒ ዘይርኣዩ ፍጥረታት ክቐትሉዎም ከለው፡ መዓልታዊ ድማ፡ ኣስታት 50 ሚኢታዊት ኣብ ቀላይ ዝርከቡ ባክቴሪያ ይቐትሉ።

ቫይረሳት፡ ካብዞም ብዓይኒ ዘይርኣዩ ደቀቕቲ ነፍሳት ሓርዮም፡ ኣብ ጸግዒ ውቅያኖሳትን ቃላያትን ንዝፈርዩ ኣትኽልቲ እኹል ስነ-መዓዛ ክረኽቡ ዝሕግዝ ኦክስጅን ከመንጭዉ ይገብሩ።

ሳትል፡ "ህይወት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ነገራት ዳግመ-ምጥቃም ዝድረኽ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ሞት ህይወት ክህሉ ኣይኽእልን። ስለዚ ቫይረስ ኣብ ዳግመ ምጥቃም (ምግልጋል) ኣገዳሲ እዩ" ኢሉ።

ጽግዕተኛ ሓሳኹ ዘጽንዑ ተመራመርቲ ብወገኖም፡ እቶም ቫይረሳት ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይባዝሑ ኣብ ምቁጽጻር ኣገደስቲ እዮም ይብሉ።

ሳትል፡ ሓደ ዘርኢ ልዕሊ እቲ ክኾኖ ዝግባእ እንተኾይኑ፡ ቫይረስ መጺኡ ንኹሎም ከጥፍኦም'ዩ። እዚ ኣብ ደቂ ሰባት'ውን ዝርኣይ'ዩ ይብል።

"ብዝሒ ህዝቢ እንትውስኽ'ዮም ቫይረሳት ቀልጢፎም ዝራብሑ። እዚኦም ናብ ለበዳ ዓብዮም ህዝቢ ክንኪ ይገብሩ። ብሱሩ ቫይረስ ጠቕሊሉ ይጥፋእ እንተኢልና ግና፡ ንብዝሓ-ህይወት ኢና ናብ ሓደጋ ነእትዎ ዘለና" ኢሉ።

መብዛሕትኡ ስርዓተ-ኣካል ህይወታውያን፡ ኣብ ቫይረሳት ዝድረኽ እዩ።

ንኣብነት ተመራመርቲ ሳይንስ፡ ቫይረሳት ሓምላይ መግቢ እንስሳ ንመጉስዕ ዝመልሱ (Ruminants) ከም ከፍቲ፣ ጤለ በጊዕ ዝምግብዎ ሳዕሪ ናብ ሽኮር ብምቕያር ኣብ ስርዓተ-ምሓቅቕን ናብ ጸባ ምቕያርን ዓብዪ እጃም ኣለዎም ይብሉ።

ብተወሳኺ፡ ዋላ'ውን ውዱእ ሓሳብ ኣይኹን፡ ቫይረሳት ኣካላዊ ህንጸት ደቂ ሰባትን እንስሳን ጥዕንኡ ዝሓለወ ክኸውን ኣብ ምግባር፡ ሓገዝቲ ከም ዝኾኑ ይሰማምዑ።

ንወዲ ሰብ ተኸላኸልቲ ዝኾኑ ቫይረሳት

ብሓደገኛ ዘይኮነ ቫይረስ ምልካፍ፡ ሕማም ዘምጽኡ ቫይረሳት ንምክልኻል ይሕግዝ እዩ።

ጂቢ ቫይረስ -ሲ [ጂ ቢቪ-ሲ]፡ ዝተባህለ ሕማም ዘየምጽእ ካብ ደም ሰባት ዝምንጩ ቫይረስ ኮይኑ፡ ብስጋዊ ርክብ ወይ'ውን ኣብ እዋን ወሊድ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ክመሓላለፍ ይኽእል።

ግና፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብረኽሲ ጂቢቪ-ሲ ዝተፈጥረ፡ ምትሕልላፍ የለን።

እዚ፡ ዓሌት ቫይረስ ምዕራብ ናይልን ዴንጊ ፊቨርን ኮይኑ፡ ብኤችኣይቪ ኣብ ዝተትሓዙ ሰባት ዝፍጠር ናይ ኤድስ ምዝንጋዕ ዝተኣሳሰር እዩ።

ሊቃውንቲ ሳይነስ፡ ጂቢ ቫይረስ ሲ፡ ብቫይረስ ኢቦላ ዝተጠቕዑ ሰባት ናይ ምሟት ዕድሎም ይንኪ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ቫይረሳት፡ ገለ ሕማማት ኣብ ምፍዋስ'ውን ሓገዝቲ'ዮም።

ኣብ 1920ታት ኣብ ሩሲያ [ሶቭየት ሕብረት ናይ ሽዑ ሽማ] ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ቫይረሳት ጸረ ተመሓላለፍቲ ባክቴሪያ ክኾኑ ተገይሩ ነይሩ።

ሰትል፡ "ብርክት ዝበሉ መድሓኒታት ጸረ-ነፍሳት ውጽኢታዊ ከይኮኑ ክተርፉ ከለው፡ ቫይረሳት ብምጥቃም ብዙሕ ህይወት ምድሓን ተኻኢሉ'ዩ" ይብል።

'ኦንክሎቲክ' ዝተባህሉ ፈልዮም ንዋህዮታት መንሽሮ ዘጥቅዑን ዘጥፍኡን ቫይረሳት፡ መንሽሮ ኣብ ምሕካም ውጽኢታዊ ኮይኖም ተረኺቦም እዮም።

ቫይረሳት ብባህሪኦም፡ ናብ ዋዒ ዘለዎም ዋህዮታት ብምእታው፡ ዝባዝሕሉ መገዲ ናይ ምጭዋይ ተኽእሎ ኣለዎም።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ተመራመርቲ ቫይረሳት ህይወት ንክትቕጽል ኣብ ዝሕግዝ ተርኦም ትኹረት ገይሮም ይሰርሑ ኣለው።