ውዑይ ኩነታት ኣየር ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ ተራ ኣለዎ ድዩ?

ኮሮናቫይረስ ንዓለም ኣሻቒሉዋ ኣሎ። ህላዌን ዝርገሐን እዚ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ተዘርጊሑ ክንብል ንክእል።

መራሕቲ ሃገራት'ውን ከይተረፉ በዚ ሕማም ተለኺፎም ኣለው። ቀዳማይ ምኒስተር ጀስቲን ቱሩዶ፡ ሰበይቱ በቲ ቫይረስ ከምዝሓመመት ምስ ተፈልጠ፡ ኣብ ተነጽሎ ክጸንሕ ተነጊርዎ'ሎ።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራልያ ፒትር ዱቶን፡ እቲ ቫይረስ ኮምዘለዎ ተረጋጊጹ እዩ። ከምኡ'ውን ሚኒስተር ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ በቲ ሕማም ተለኺፋ ኣብ ገዝኣ ተወሺባ ትርከብ።

እዚ ቫይረስ ብዘስዓቦ ስግኣታት፡ ዓለም ለኻዊ ዕዳጋታት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቁ ይርከብ።

ንምዃኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ይዝረብ፡ ኣብዚ ገለ ሓቅታት ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ቢቢሲ ኒውስደይ ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ካብ ሰማዕቱ ዝመጽእዎ ሕቶታት ብዛዕባ ቫይረስ መጽናዕቲ ዝገበረ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ፕሮፌሰር ኣንድሬው ኢስቶን ሓቲትዎ ኣሎ።

ማስክ ወይ መሸፈኒ ገጽ ክሳብ ክንደይ'ዩ ካብ ኮሮናቫይረስ ክከላኸል ዝኽእል?

ፕሮፌሰር ኣንድሬው፡ ብቅዓት ምክልኻል መሸፈኒ ገጽ ክንርኢ እንድሕር ኮይንና ኣብ ዓይነት ናይቲ ማስክ እዩ ዝምርኮስ። እንተኾነ ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ድሩት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ'ዩ ዘለዎ።

እቲ ዝዓበየ ተኽእልኡ እቲ ዝሓመመ ማስክ እንድሕር ገይሩ እቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ንኸይምሓላለፍ ዝከላኸል፡ ምኽንያቱ ክህንጥስ እንከሎ እቲ ቫይረስ ናብ ኣየር ከይብተን ስለዝከላኸል።

እንተኾነ፡ ብፋስ ስለዘመሓላልፍ ንኹሉ እቲ ቫይረስ ይቆጻጸሮ ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ከም ብዓል ናይጀርያ ዘሎ ውዕይ ኩነታት ኣየር እቲ ቫይረስ ከይላባዕ ተራ ኣለዎ ይብሃል'ዩ እሞ ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ምስ ኩነታት ኣየር ይተሓሓዝ ድዩ?

ፕሮፌሰር ኣንድሬው፡ ኣይፋል፡ እዚ ከምዚ ዝብሃል ዘረባ ሓቂ ኣይኮነን፡ መብዛሕትኦም ቫይረሳት ተመሳሳሊ ባህሪ'ዩ ዘለዎም፡ ኮሮናቫይረስ'ውን ብተመሳሳሊ ብስርዓተ ምስትንፋስ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ኩነታት ኣየር ውሑድ ጽልዋ እምበር ነቲ ቫይረስ ካብ ናብ ከይመሓላለፍ ዝከላኸል ኣይኮነን።

ኢድና ብምሕጻብ ጥራይከ ነዚ ቫይረስ ክንከላኸሎ ንኽእል ዲና?

ፕሮፌሰር ኣንድሬው፡ ዋላ እኳ ምሉእ ብምሉእ ክከላኸል ዝኽእል እንተዘይኮነ ውጽኢቱ ግን ልዑል እዩ። እዚ ቫይረስ ብምትንኻፍ ክመሓላለፍ ስለዝኽእል ኢድካ ብግቡእ ምሕጻብ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ሕማም ንዓበይትን ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም ጥራይ ድዩ ናብ ሞት ዘብጽሕ?

ፕሮፌሰር ኣንድሬው፡ እዚ ቫይረስ ንኹሉ ክሊ ዕድመ ከጥቕዕ ይኽእል'ዩ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሓበሬታ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማምን ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ተጠቓዕቲ እዮም።

ምኽንያቱ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ድሮ ደኺሙ ስለዝጸንሐ፡ ሕዱር ሕማም ክንብል እንከለና ኸኣ ኣብ ኹሉ ክሊ ዕድመ ዝርከብ እዩ። ስለዚ ኩሉ ክሊ ዕድመ ክጥንቀቕን ብስግኣት ክርእዮን እዩ ዘለዎ።

እዚ ሕማም ብተዛማዲ ክረአ እንከሎ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ኣብ ኣፍሪቓ ዝሓሸ እዩ ዘሎ? ሃገራት ኣፍሪቓ ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማም ዝሓሸ ኣገባብ ይጥቀማ ስለዘለዋ እየን?

ፕሮፌሰር ኣንድሬው፡ እቲ ዝረአ ዘሎ ቁጽሪ እወ ውሑድ እዩ፡ ኣብዚ ሓደ ነጥቢ ክልዓል ይከኣል። እቲ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ ግቡእ ተፍትሽ ይገብራ ኣለዋ ድየን ዝብል እዩ።

ንኣብነት ኣብ ዓዲ ጣልያን እቲ ቁጽሪ ልዑል እዩ ዘሎ እታ ሃገር እውን በዚ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እቲ ሕማም ተላልየሉ ኣገባባት ኣተኣታትያ እያ ትሰርሕ ዘላ።

ካብ ቻይናን ጣልያንን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝተበገሱ ገያሾ ከኣ ናብ ኣፍሪቓ አትዮም እዮም፡ ስለዚ ግቡእ ተፍትሽ እንድሕር ተገይሩ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝግለጽ ዘሎ ክውስኽ ከምዝኽእል እዩ ዝርኣየኒ።

ኣብ ማዕከናት ዜናታት ክንድዚ ሰባት ካብዚ ሕማም ሓውዮም ክብሃል ይስማዕ'ዩ፡ ስለዚ እዚ ሕማም መድሃኒት ኣለዎ ማለት ድዩ?

ፕሮፌሰር ኣንድሬው፡ ኣይፋል እዚ ቫይረስ መድሃኒት የብሉን። እወ ሓቂ እዩ ብዙሓት በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ ዝሓወዩ ኣለዉ። እዚ ግን እዚ ሕማም መድሃኒት ስለዘለዎ ዘይኮነስ፡ እቶም ሰባት ብዘለዎም ባህርያዉን ተፈጥራኣውን ተጻዋርነት እዩ።