እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቁጽሪ መወትቲ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ወሲኹ
ኣብታ ቀንዲ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ግዝኣት ሁበይ ቻይና፡ ትማሊ 242 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ብምምዋቶም፤ ረቡዕ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ምውታት ዝተመዝገበላ መዓልቲ ኮይና ኣላ።
ብዘይካ'ዚ ቁጽሪ ናይቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት'ውን ኣዝዩ'ዩ ወሲኹ፤ 14,840።
እዚ ብቐንዱ እታ ግዝኣት ሓድሽ ኣገባብ መርመራ ስለ ዘተኣታተወት ምኳኑ ይግለጽ።
ኣብ ቻይና ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 1,350 ክበጽሑ እንከለው፤ ብዝሒ ናይቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ድማ ልዕሊ 60,000 በጺሑ ኣሎ።
መንግስቲ ቻይና ንጸሓፊ ሰልፊ ኮሚኒስት ኣብ ግዝኣት ሁበይ፡ ጅያን ቻኦሊያንግ ካብ መዝነቱ ኣልዩ፤ ጸሓፊ እቲ ሰልፊ ኣብ ግዝኣት ሻንጋይ ብዝነበረ ዪንግ ዮንግ ተኪእዎ ኣሎ።
ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን ብዙሓት ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም እንትእለዩ፤ እዚ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኣብ ግዝኣት ሁበይ ዝዓበየ ምልውዋጥ ናይ ሓለፍቲ ምዃኑ ይግለጽ።
ሁበይ ዘተኣታተወቶ ሓድሽ ኣገባብ መርመራ እንታይ እዩ?
እታ 80% ናይቶም ግዳያት እቲ ሕማም ዝርከቡላ ግዝኣት ሁበይ ነቶም ምልክታት እቲ ሕማም ዝተርኣዮምን፡ ሲቲ ስካን ገይሮም ኣብ ሳንቡኦም ረኽሲ ዘተርኣዮምን ሰባት ኣብቲ ቁጽሪ ከም ዝድመሩ ገይራ።
እቲ ዝጸንሐ ኣገባብ ግና ናይ ኒክለይክ ኣሲድ መርመራ ብምግባር ከም ዝልለ እዩ ክገብር ጸኒሑ።
ካብቶም ብረቡዕ ዝሞቱ 242 ሰባት እቶም 135 በዚ ሓድሽ ኣገባብ ዝተለለዩ እዮም።
ብጠቕላላ ኣብታ ግዝኣት 48,206 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።
ብኻልእ ወገን 2,000 ሰባት ጽዒና መዓሸጊ ወደብ ተኽለኪላ ዝጸንሐት መርከብ ኣብ ካምቦድያ ክትዕሸግ ተፈቒዱላ። ኣብታ መርከብ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክህልው ይኽእሉ እዮም ብዝብል ስግኣት ሓሙሽተ ወደባት ከይትጽጋዕ ከልኪለንኣ ጸኒሐን።
ኣብታ ኤምኤስ ዌስተርዳም ዝተብሃለት መርከብ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት እኳ እንተዘይነበሩ፤ ጃፓን፡ ታይዋን፡ ጉዋም፡ ፊሊፒንስን ታይላንድን ናብ ወደባተን ከይትጽጋዕ ከልኪለን ጸኒሐን።