ጃፓን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ 3,700 ሰባት ኣብ ውሽጢ መርከብ ተወሺቦም

ኣብ ጃፓናዊት ወደብ ኦካሃማ ዝበጽሐት መርከብ፡ 10 ተሳፈርታ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተገሊጹ።

ኣብታ ብ'ዳያመንድ ፐሪንስስ' እትፍለጥ 3,700 ሰባት ጽዒና ዝነበረት መርከብ፡ ኣብ 300 ተሳፈርቲ ጥራሕ ብዝተገብረ ምርመራ እዮም እቶም 10 ሰባት ተረኺቦም።

እቲ ምርመራ እንትቕጽል ካልኦት ተወሰኽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግመት።

እቲ ኣብታ መርከብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ዝተጀመረ፡ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ መርከብ ተሳፊሩ ዝነበረ ወዲ 80 ዓመት ተወላዲ ሆንግ ኮንግ ዝኾነ ሽማግለ፡ በቲ ሕማም ምስተታሕዘ እዩ።

እቶም ዛጊድ ኣብ ደሞም ዝተረኸቦም ዓሰርተ ሰባት ኩሉም ዕድመኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝኾኑ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና ጃፓን ድማ እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ናብ ማእከላት ሕክምና ይውሰዱ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ ቻይና ክሳብ ሕዚ 24,300 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ኮይኖም፡ ቁጽሪ መወትቲ ድማ 490 በጺሑ ኣሎ።

ካብ ቻይና ወጻኢ ድማ ዛጊድ ክልተ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን እታ መርከብ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ክኽርደኑ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ክጫጫሕ ክልተ ሰሙናት ከምዝወስደሉ ሓካይም ይገልጹ።

ኣብታ መርከቡ ዝተረኸቡ ክልተ ጃፓናውያን ሓዊሱ፡ ኣብ ጃፓን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 20 በጺሑ ኣሎ።