ኮሮናቫይረስ ንሳምቡእና ድዩ ንሓንጎልና ዘጥቅዕ ዘሎ?

ገለ ተመራመርቲ፡ ኮቪድ-19 ንሳምቡእና ብምጉዳእ ኣይኮነን ንሞት ዘቃልዐና ዝብል ሓድሽ መጽናዕቲ ሒዞም ተቐልቂሎም ኣለዉ።

እንታይ ድኣ፡ ኮሮናቫይረስ ንሓንጎል ከም ዘጥቅዕ ብምግላጽ፡ ተወሰኽቲ ምልክታት ሕማም ርእሲ፣ ስትሮክን ምንፍርፋርን ዘኸትል እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ጁሊ ሄልምስ፡ ኣብ ፈረንሳ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ስትራበርግ በዓልቲ ሞያ ሕክምና እያ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት፡ ናብቲ ጁሊ ሄልምስ ዝትሰርሓሉ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ካብ ዝኣተው ተገልግልቲ፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ።

እንተኾነ፡ ንዶክተር ጁሊ እቶም ሕሙማት ዘጋጠሞም ሕጽረት ምትንፋስ ኣይኮነን ዝያዳ ኣሻቒልዋ።

“ታህዋኽ ነይሩዎም፤ መብዛሕቲኦም ድማ ናይ መትኒ ጸገማት ስለ ዝነበሮም፡ የህተፍትፎምን የዕገርግሮምን ነይሩ” ትብል።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና ኣትዮም ዝነበሩ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ፡ ዕድሚኦም ካብ 30 ክሳብ 40 ከም ዝግመትን፡ ቖልዓ 18 ዓመት ከይተረፈ ከም ዝነበረን ገሊጻ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ዶክተር ሄልምስን መሳርሕታን፡ ኣብ መጽሄት ኒው ኢንግላንድ፡ ኣብ ሓንጎል እቶም ሕሙማት ኮቪድ-19 ንዝርኣዩዎም ምልክታት ዝምልከት መጽናዕቲ ክሕተም ገይሮም።

ኩሎም፡ ምልክታት ረኽሲ ሓንጎል [ኣብ ሓንጎል ዝበጽሕ መጉዳእቲ] ኮይኖም፡ ተመራመርቲ ውሃን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብዘካየዱዎ መጽናዕቲ ምስ ዝረኸቡዎ ውጽኢት ሓደ ዓይነት እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ናይ ሓንጎል ጸገማት ከምዝረኣይ ዝገልጹ፡ ልዕሊ 300 መጽናዕታት ኣብ መላእ ዓለም ተኻይዶም እዮም።

እዚኦም፡ ካብታ ንኡሽቶ እትብሃል ሕማም ርእሲ ጀሚሩ፡ ምሽታት ዘይምኽኣል [ኣኖስምያ]፣ ጸላዕላዕ ዝብል ስምዒት [ኣርኮፓራቲዥያ] ክሳብ ዝኸፍአ ሕማም ማለት ብምኽንያት ሕማም ሓንጎል ምዝራብ ን ምርዳእን ዘይምኽኣል [ምልካት]፣ ስትሮክን ምንፍርፋርን ዝበሉ ሕማማት ዝሓወሱ እዮም።

ኮሮናቫይረስ፡ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ዘጥቅዕ ሕማም ከምዝኾነ እዩ እናተገለጸ መጺኡ።

እንተኾነ፡ ንኩላሊት፣ ጉበትን ልብን እውን ከምዘጥቅዕ ኮታስ ዳርጋ ንኹሎም ኣካላት ሰብነት ዘጥቅዕ ምዃኑ ኣብ ቀረባ መጽናዕታት ቀሪቡ እዩ። እቲ ኣብ ሓንጎል ዘብጽሖ ጸገማት ዝምልከት መጽናዕቲ ድማ፡ ተወሳኺ ጸገማት ከምዘስዕብ ዘብርህ እዩ።

“ረኽሲ ሓንጎል ካብ ካልኦት ቫይረሳት ብዝተፈለየ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ክኸውን እንከሎ ድዩ ዝሕይል ኣብ ዝብል ርግጸኛታት ኣይኮንናን። ግን ድማ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ እንሕክመሉ እዋን ብዙሕ ከም ዝርኣና ክዛረብ እኽእል” ኢላ ኣብ ሚቺጋን ፋውንዴሽን ሄንሪ ክኢላ ስነ መትኒ ዝኾነት ፎርድ ኤልሳ ፎሪ።

“ቁጽሪ እቲ መልከፍቲ ክውስኽ እንከሎ፡ እቶም ዝተለመዱ ምልክታት ሕማም ጥራይ ዘይኮነ፡ ርኢናዮም ዘይንፈልጥ ዘይተለመዱ ምልክታት’ውን ኢና ንርእይ ዘለና” እያ ትብል።

እቲ ቑጽሪ ክፈላለየ ይኽእል። ግን ድማ፡ 50 ሚኢታዊት ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ምስ ሓንጎል ዝዛመዱ ጸገማት ኣጋጢሙዎም እዩ።

እዞም ምስ ሓንጎል ዝዛመዱ ጸገማት፡ ኣብ ሕክምና ቆላሕታ ከይተገበረሎም ከምዝተረፉ እያ ትዛረብ። ዋላ’ውን ዶኳትር ነቶም ጸገማት ከላልዩዎም ከምዝኸበዶም እያ ትዛረብ። እቲ ጸገም ናይ ሓንጎል ኮይኑ እናሃለወ፡ ክትዕዘቦ እንከለኻ ግን ናይ ካልእ ምልክት መሲሉ ከምዝረኣይ ትገልጽ።

ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኦም ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ምልክታት ረስንን ምስዓልን እንተዘይሃለዎም፡ ንኮሮናቫይረስ ስለዘይምርመሩ፡ እቲ ዘጋጠሚም ምስ ሓንጎል ዝዛመድ ጸገማት ምስ ኮሮናቫይረስ ይራኸብ’ዶ ኣይራኸብን ንዝብል ምፍላጥ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ትገልጽ።

“ብርግጽ፡ ምልክት ሰዓል ወይ ድኻም ዘይብሎም፡ ዕግርግር ዝብል ምልክት ዘርእዩ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ቑጽሮም ውሑድ ኣይኮነን” ዝብል ፕሮፌሰር ስነ ድንዛዘን ጽኑዕ ሕክምናን ሆስፒታል ጆንስ ሆፕኪንስ ሜሪላንድ ሮበርት ስቴቫንስ እዩ።

“ሕጂ ኣጋጢሙና ዘሎ ካልአዋይ ጸገም፡ ለበዳ ሕማም ሓንጎል እዩ” ኢሉ።

ዝተፈለየ ሕማም

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ሳርስ-ኮ-2፡ እቲ ልሙድ ሰዓል ዘበግስ ቫይረስ ከም ዘይኮነ ተጋሂዱ እዩ።

ሳርስ-ኮቭ-2፡ ኣብ ህጻናት ቀለልቲ ምልክታት ዘምጽእ ቫይረስ እዩ።

ኮቪድ-19 ድማ፡ ዚያዳ ንደቂ ተባዕትዮ ዘጥቅዕ ቫይረስ’ዩ፤ ኣብ መላእ ዓለም፡ 70 ሚኢታዊት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ናብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና ዝኣተው ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

እዚ ማለት ግን፡ እዚ ቫይረስ ማዕረ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣየጥቅዐን ማለት ኣይኮነን።

ኮሮናቫይረስ ምስ ተኸሰተ ዝመጽአ ካልእ ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ሓካይም “ሃፒ ሂፖክሲያ” ኢሎም ዝጽውዑዎ’ዩ። ኣብ ደም ዘሎ መጠን ኦክሲጂን (ኦክሲጂን ሳቹሬሽን) ብስሩዕ 98% እዩ ክኸው ንዝግበኦ።

ትሕቲ 85 ምኢታዊት ክኸውን ከሎ፡ ውነኻ ምስሓት፡ ዕውለትን ሞትን ከስዕብ ይኽእል።

ግንከ፡ ገሊኦም ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዋላ’ውን ናይ ኦክስጅን መጠኖም ናብ ታሕቲ ወሪዱ እናሃለወ፡ እዚ ምልክት ኣየርእዩን።

ብዙሓት ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ኣብ ደሞም ዘሎ መጠን ኦክስጅን ትሕቲ 70 ከምኡ’ውን 60 ሚኢታዊት ኮይኑ እናሃለወ፡ ውንኦም ዘየጥፍኡን ብትኽክል ዝሰርሑን ሰባት ኮይኖም’ዮም ተረኺቦም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓለም በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ምልክታት ዘየርእዩ ሰባት ቑጽሮም ልዑል ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

እቲ ግምት ክፈላለ ይኽእል፤ ግን ከኣ 50 ሚኢታዊት በዚ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ምልክታት ናይቲ ሕማም ዘየርኣዩ እዮም።

እቲ ኻልእ ዘደንጹ ጉዳይ ድማ፡ 80 ሚኢታዊት ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ፡ ካብቲ ሕማም ብቐሊሉ ክሓውዩ እንተለዉ፡ ውሑዳት ግን ቐልጢፎም በቲ ሕማም ተሰኒፎም ንሞት ዝቃልዑ ምዃኖም እዩ።

መብዛሕትኦም፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ሕዱር ሕማም ዝጸንሖምን ኮይኖም፡ ብሕጽረት ምስትንፋስን ገለ ኣካላት ሰብነቶም ስርሑ ደው ብምባሉን እዮም ንሞት ዝቃልዑ።

“ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝተምሃርናዮ ነገር እንተሎ፡ በዓል ብዙሕ መልክዕ ምኻኑ እዩ። እቲ ሕማም ዝተፈላለዩ ናይ ሰብነት ኣካላት ከም ዘጥቅዕ ኢና ርኢና፤ ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣብ ሳንቡኦም ብዝበጽሕ ጉድኣት ጥራሕ ዘይኮኑ ዝሞቱ፡ ናይ ኩሊት ጸገም፣ ምርጋእ ደም፣ ናይ ጸላም ከብዲ ምጥቃዕን ስነ ሓንጎል ጸገማትን ኣጋጢሙዎም እዮም ዝሞቱ” ይብል ፕሮፌሰር ስቴቨንስ።

ምልክታት ሓንጎል

ተመራመርቲ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓንጎል ዘስዕቦ መጉዳእቲ፡ ኣብ ሓንጎል ብዘጋጥም ዋሕዲ ኦክስጅን ወይ’ውን ብነዳሪ ግብረ መልሲ ሰብነት ዘጋጥም ቀጥታዊ ዘይኮነ ሳዕቤን እዩ ይብሉ።

ፎሪን ሄልምስን፡ እዚ ኣብ ሓንጎል ዝረኣይ ጸገም፡ ዋህዮታት ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ብዝህብዎ ግብረመልሲ ዝመጽእ እዩ ኢለን ይኣምና።

ካልኦት ድማ፡ ገና ርጉጽ እኳ እንተዘይኮነ፤ እቲ ቫይረስ ንሓንጎል ከጥቅዕ ይኽእል እዩ ኣብ ዝብል መረዳእታታት ይእክቡ ኣለዉ።

“ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኮሮናቫይረስ ንሓላዊ ደም ሓንጎል ፈንጺሑ ክሓልፍ ዝኽእል ምዃኑ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይነበረን፤ ሕጂ ግን ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመላኽቱ መረዳእታታት ኣለው” ይብል ስቴቨንስ።

ኣብ ጃፖን ተመራመርቲ፡ ውጽኢት መርመራ ሓደ ውንኡ ስሒቱ ኣብ ዝባን እቲ ዘምለሶ ወዲቑ ናይ ዝተረኽበ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ወግዓዊ ገይሮም ነይሮም።

ናብ ሆስፒታል ክውሰድ እንከሎ፡ ሓያል ምልክት ምንፍርፋር የርኢ ነይሩ።

ናይ ኤምኣርኣይ ውጽኢት ሓንጎሉ፡ ኣንቅጺ [ካብ ነድሪ ሽፋን ሓንጎልን ዕትብቲ ዓንዲ ሑቐን ዝመጽእ ሕማም] ከምኡ’ውን፡ ኣብ ፈሳሲ ሓንጎል ዓንዲሑቐ ብሳዕ ምልክት ሳርስ-ኮቪ-2 ዘርኢ ነይሩ።

ተመራመርቲ ቻይና’ውን፡ ብሕማም ረኽሲ ሓንጎል ተጠቒዓ ኣብ ዝነበረት ጓል 56 ዓመት ሰበይቲ፡ ኣብ ፈሳሲ ሓንጎል ዓንዲሑቐ ነዚ ቫይረስ ረኺቦምዎ’ዮም።

ጥልያናውያን ኣብ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብዘካየዱዎ ምርምር ድማ፡ ንኡስ ኣካላት ናይዚ ቫይረስ ኣብ ዋህዮታት ደም ሓንጎል ኣትዮም ረኺቦም እዮም።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ገለ ተመራመርቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ሕጽረት ምስትንፋስን፡ ኣብ ሳንቡእ ብዘብጽሖ ጉድኣት ዘይኮነ፡ እቲ ቫይረስ ንሱር ሓንጎል [ሃለዋት ስርዓት ምትንፋስ ደቂ ሰባት ንዝቆጻጸር ክፍሊ ሓንጎል] የጥቅዕ ስለ ዘሎ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ሓንጎል ክፍሊ ብተመሓላለፍቲ ሕማማት ንከይጥቃዕ፡ ‘ብለድ-ብረይን-ባርየር’ ብዝተባህለ ሓላዊ መሸፈኒ ዝተሸፈነ እዩ።

እንተድኣ ሳርስ-ኮቪ-2 ነዚ መከላኸሊ ሰይሩ ሓሊፉ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ማእከላይ ስርዓት መትኒ ሓንጎል ዘሊቑ ይኣቱ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብኡ ክተርፍ ይኽእል እዩ ማለት እዩ።

ስለዚ፡ እዚ ቫይረስ ናይ ሓንጎልና ስርዓት ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሳምቡእ ካብ ዘብጽሖ ሓደጋ ንላዕሊ ሓደገኛን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ክኸውን ይኽእል እዩ።