ብዛዕባ'ቲ ኣብ ምፍዋስ ኮሮናቫይረስ ከገልግል ፍቓድ ዝረኸበ መድሃኒት ረምደሲቪር እንታይ ንፈልጥ?

በዓልመዚ ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ኤፍዲኤ፡ ሕማም ኢቦላ ንምፍዋስ ከገልግል ዝጸንሐ ረምደሲቪር ዝተብሃለ መድሃኒት ኣብ ህጹጽ እዋን ንሕሙማት ኮቪድ-19 ክወሃብ ኣፍቂዱ ኣሎ።

በዚ መሰረት እዚ ጸረ-ቫይረስ ዝኾነ መድሃኒት ብኮሮናቫይረስ ብጽኑዕ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕሙማን ንምሕካም ከገልግል እዩ።

ብዛዕባ ረምደሲቪር እንታይ ንፈልጥ?

ኮምሽነር ኤፍዲኤ ስቲፈን ሃን "እዚ፡ ኮሮናቫይረስ ንምሕካም ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ፈላሚ መድሃኒት እዩ" ኢሉ።

እቲ መድሃኒት ዝተውሃቦም፡ ብኮሮናቫይረስ ብጽኑዕ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሱ ሰባት፡ ጥዕንኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘድልይ ግዜ ከሕጽሮ ከም ዝተርኣየ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተገብረ ፈተነታት የርእይ።

እንተኾነ ግን መጠን ሞት ኣብ ምቕናስ ብዙሕ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።

እቲ ነቲ መድሃኒት ኣብ ህጹጽ እዋን ንምጥቃም በቲ ትካል ዝተወሃበ ፍቓድ ምሉእ ፍቓድ ከም ዘይኮነ ክግለጽ ከሎ፤ ንቡር ፍቓድ ንምርካብ ዝለዓለ መርመራ ከድልይ እዩ።

እቲ መድሃኒት ንዓቕሚ ምርባህ ናይቲ ቫይረስ ዘዳኽም እዩ።

ሰብ ሞያ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ኢቦላ ንምፍዋስ ዝተሰርሐ መድሃኒት፡ ንኮሮናቫይረስ ዝፍውስ ተኣምራዊ መፍትሒ ጌርካ ክውሰድ ኣይግባእን።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ መድሃኒት ኢቦላ ረምደሲቪር፡ ኮሮናቫይረስ ንምፍዋስ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ክጸቕጠሉ ጸኒሑ እዩ።

ረምደሲቪር፡ እቲ ን15 መዓልትታት ዝዘልቕ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ናብ 11 መዓልትታት ክጎድል ከም ዝገበረ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጅን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኣሜሪካ ይገልጽ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ጥልያን፡ ብሪጣንያ፡ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ዝርከብዎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሆስፒታላት ኣብ 1,063 ተሓከምቲ እዩ ተኻይዱ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኢንስቲትዩት: ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ: እቲ መድሃኒት "ኩነታት ጥዕና እቶም ተሓከምቲ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ቅልጡፍ ውጽኢት" ከም ዘርኣየ ተዛሪቡ።

ረምደሲቪር፡ ጥዕና እቶም ተሓከምቲ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ካብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል፡ ኣይሲዩ፡ ክወጹን ሓጋዚ እኳ እንተኾነ ብኮሮናቫይረስ ዝስዕብ ሞት ይከላኸል እንተኾይኑ ግና እቲ መጽናዕቲ ኣየነጸረን።

ዛጊት ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት'ኳ እንተሎ፡ እቲ ነቲ መድሃኒት ዘፍርይ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ኩባንያ ጊልኣድ ነቶም ናይ መተንፈሲ ሓገዝ ዝግበረሎም ተሓከምቲ ን10 መዓልትታት ነቶም ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዘይብሎም ድማ ን5 መዓልታት ረምደሲቪር ክወሃቡ ይመክር።