ኮሮናቫይረስ፡ ዓለምለኻዊ ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ዘርኢ ሰሌዳ

ካብ ግዝኣት ቻይና ሁበይ ተበጊሱ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ዘጥቅዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀንዲ ስግኣት ጥዕና ዓለምና ኮይኑ ኣሎ።

ኮቪድ-19 ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ እዚ ለበዳ፡ ኣብ ኩሉን ክፍለዓለማት ብናህሪ ይላባዕ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ነዚ ለበዳ ንምቁጽጻራ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጀን ኣለዋ።

እቲ ቫይረስ ይህልወኩም'ዶ ይኸውን፧ ነዚ ምልክታት ርአዩ

ሽሕ'ኳ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም እንተለዉ፡ ኣቀዲሞም ወጺኦም ኣብ ዝነበሩሉ በዚ ቫይረስ ኣይተለኽፉን ማለት ኣይኮኑን። እቶም ክሳዕ ሕጂ ደገ ኣብ ምውጻእ ዝርከቡ ዘለዉ ከኣ ነቲ ሓደጋ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣዝዮም ዝተቃልዑ እዮም።

ስለዚ እዚ ቫይረስ ከም ዘለኩም ብኸመይ ክትፈልጡ ትኽእሉ፧ ምልክታቱ'ኸ እንታይ እዮም፧ ኮቪድ-19 ካብቲ ካልእ ተራ ፍሉ ብምንታይ ይፍለ?

እቲ ምልክታት ብረስኒ ጀሚሩ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዘኸትል ደረቅ ዝኾነ ሰዓል የስዕበልካ።

ብገምጋም እዚ ምልክታት ክረአ ክሳብ ሓምሽተ መዓልታት ዝወስድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገሊኦም ግን ካብዚ ዝተባህለ መዓልትታት ድሒሩ ክረአ ይኽእል።

ብመሰረት ሓበሬታ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እቲ ምጭጫሕ ናይቲ ቫይረስ ክሳብ 14 መዓልታት ከም ዝወስድ ክንገር እንከሎ፡ ገለ ገለ ተመራመርቲ ግን ክሳብ 24 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።

እዚ ሕማም መጀመርታ መተንፈሲ ኣካላት ዘጥቕዕ ኮይኑ፡ ረስኒ፣ ቐጺሉ ድማ ደረቕ ሰዓል ብምፍጣር ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሕጽረት ምስትንፋስ የስዕብ።