ኮሮናቫይረስ፡ ማሕበራዊ ምፍንታትን ርእስኻ ምግላልን እንታይ እዩ?

ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ መንግስታት ንህዝቦም ካብ ዘየድሊ ምትንኽፋትን ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ክርሕቑ ሰፊሕ ጐስጓሳት የካይዱ ኣለዉ።

ንኣብነት ካብቶም ዝግበሩ ጎስጓሳት ካብ ክልተ ሜትሮ ንላዕሊ ምርሕሓቕ፣ ቤት ሻሂን መስተን፣ ሆቴላትን ለይታዊ ትልሂታትን፣ ከምኡ'ውን ኣባይቲ ትያትር፡ ሲነማን፡ መዘናግዒታትን ክዕጸዉ ዝብሉ እዮም።

እዚ ኸኣ ብዘየድሊ ምትንኻፋት ክመጽእ ካብ ዝኽእል ሓደጋ ናይዚ ሕማም ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።

ምልክታት ሰዓል፤ ከም ልዑል ረስኒ፡ ደረቅ ሰዓልን ዘለዎም ሰባት ከኣ ንኻልኦት ከይልክሙ መታን፡ ርእሰ-ምግላል ከካይዱ ከም ዘለዎም የተሓሳስቡ።

ካብ ገዛ ወጺአ ክንቀሳስ ይኽእል'ዶ?

ሓካይም ከምዝብልዎ፡ ካብ ሓድሕድ ካብ ክልተ ሜትሮ ንላዕሊ ርሕቀት ክሳብ ዝሓለና፡ ብእግርና ክንጓዓዝ ከም እንኽእልን፡ ንኣካላዊ ምውስዋስ ካብ ገዛ ክንወጽእ ከም እንኽእልን ይሕብሩ።

ኮይኑ ግን ኣብ እኩብ ህዝቢ ዘለዎ መናፈሻታትን፡ ዝተፈላለየ ስፖርት ኣብ ዝካየደሉ ቦታታትን ርሕቀትካ ምሕላዉ ኣጸገሚ እዩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ መንግስታት ዝምልከተን ኣካላትን ንመዘናግዒታትን፡ መናፈሻታትን፡ ካልኦት ጠንቂ ምትእኽኻባትን ክዓጽዉ ይግደዱ ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርስት ኦክስፎርድ ተመራማራይ ዝኾነ፡ ዶክተር ሮቢን ቶምፕሰን "እቲ መሰረታዊ ነገር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ እንገብረሉ እዋን ምትንኻፋት ምጉዳል እዩ" ይብል።

ኣገዳስነት ማሕበራዊ ምፍንታትን እንታይ እዩ?

ማሕበራዊ ምፍንታት ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ፡ ሰባት ኣብ ዝተኣከበሉ እንተስዒሉን ካብ ጥፍጣፉ ናብቶም ጥዑያት እንተ ኣንጢብሎምን፡ ኣብ ምስፍሕፋሕ ናይዚ ሓደገኛ ለበዳ ቫይረስ፡ ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል።

እዚ ከኣ ብቀጥታ ናብቶም ጥዑያት ብምስዓል፤ ወይ ከኣ እቲ ቫይረስ ዝዓለበሉ ቦታ እንተተንኪፍና፡ ኣዒንትናን፡ ኣፍንጫናን፡ ኣፍናን ብምሓዝ ግዳያት ናይዚ ሕማም ክንከውን ንኽእል። ምትእኽኻብ ብዘጉደልናሉ መጠን ከኣ፡ ለበዳ ናይዚ ሕማም ነጉድል።

ማሕበራዊ ምፍንታት ንኹሉ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ግን ኣብ ክሊ ዕድመ ልዕሊ 70 ዘለዉን፡ ነብሰ ጾራትን፡ ብሰዓል ብቐሊሉ ዝጥቅዑን ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም።

ነዚ ቫይረስ ሒዘ ናብ ካልኦት ከየመሓላልፍ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

  • ኣእዳውና ቀጻሊ ብሳምናን ማይን ወይ ከኣ ብናይ ካልኦት ናይ ንጽህና መሳርሒታት ደጋጊምና ምሕጻብ።
  • ኣብ እንስዕለሉን እንህንጥሰሉን እዋን ኣፍናን ኣፍንጫናን ሓንሳብ ተጠቒምና ክንድርብዮ ብእንኽእል መንዲል መሳሊ ምሽፋን።
  • ንዝተጠቐምናሎም መናዲል ወይ ከኣ ፈኲስ ወረቓቕቲ ብግቡእ ምጉሓፍን፡ ደሓር ከኣ ኣእዳውና ብግቡእ ምሕጻብን።
  • ብረሳሕ ኣእዳውና የዕይንትናን፡ ኣፍንጫናን፡ ኣፍናን ካብ ምሓዝ ምጥንቃቕ።
  • ምስ ዝሓመሙ ሰባት ዝግበር ምትንኻፋት ምውጋድ።

ማሕበራዊ ምርሕሓ ብኸመይ ንገብሮ?

  • ብዝተኻእለ መጠን ካብ ገዛ ክትሰርሕ ምኽኣል
  • ዘየድሊ መገሻታት ምውጋድ
  • ካብ እኩብ ህዝቢ ምርሓቅ
  • ብዝተኻእለ መጠን ምስ የዕሩኽትን ቤተሰብን ምትሕውዋስ ምውጋድ

ኣብ ማሕበራዊ ምርሕሓ ክገብሮ ዝፍቀደኒ

  • ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ጥራሕ ንየዕሩኽትን ቤተሰብን ምብጻሕ
  • ካብ ምልክታት ናይቲ ሕማም ነጸ እንተኾንካ ንብዕድመ ዝደፍኡን ጎረባብትን ክትሕግዝ ትኽእል
  • ምስ እንስሳታትካ ክትንቀሳቐስ ትኽእል
  • መግቢ ንምዕዳግ ከኣ ናብ ድንኳናት ክትከይድ ትኽእል

ብሓንሳብ እናነበርና ብኸመይ ክንረሓሓ ንኽእል

  • በእዳውካን ብምትሕቁቛፍን ዝግበር ሰላምታ ምውጋድ
  • ናብ ቤት መግብታትን፡ ባራትን፡ ቤት መስተን ካልእ መዘናግዒ ቦታታትን ዘይምኻድ
  • ኣብ መጎዓዝያታት ካብ ክልተ ሜተር ንላዕሊ ኣብ ዘለዎ ርሕቀት ምዃን
  • ንግዜኡ ህጻናት ናብ ኣበሓጎታቶምን ኣደዓባዮምን ምኻድ ከወግዱ ኣለዎም
  • ብስልክን ኮምፑዩተራትን ምርኻብ
  • ኣብ እትሓሙሉ ግዜ ከኣ ንስድራኻን ንገዛእ ርእስኻን ምግላል።

ርእሰ ግለላ እንታይ እዩ?

ኣብ ግዜ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ገዛኻ ንደገ ዘይምውጻእ እዩ። ኣብዚ ሰዓት እዚ፡ ናብ ስራሕ፡ ቤት ትምህርትን፡ እኩብ ሰብ ናብ ዘለዎ ቦታን ካብ ምኻድ ምቁጣብ እዩ ርእሰ ግለላ ማለት።

ቀረብ ኣብ ዝወዳእካሉ ገግዜ፡ ካብ ገዛ ክትወጽእ እንከለኻ ድማ ዝኾነ ማሕበራዊ ምትንኻፋት ኣወግድ።

ርእሰ-ግለላ ክገብር ዝግብኦ መን እዩ?

  • ዝኾነ ምልክታት ናይ ኮሮናቫይረስ ማለት ልዕሊ 37.8C ረስኒ ዘለዎን፡ ቀጻሊ ዘስዕሎ ወይ ከኣ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዘለዎ፡ ዝኾነ ምስ ከምዚ ዓይነት ምልክታት ዘለዎ ሰብ ዝነብርን ርእሰ ግለላ ክገብሩ ይግባእ።
  • ኣብ ናይ በይንኻ ገዛ ትነብር እንተኾንካ፡ እቲ ምልክታት ካብ ዝረኣኻሉ ግዜ ጀሚርካ ንሸውዓተ መዓልትታት ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ኣለካ።
  • ንስኻ ወይ ምሳኻ ዝነብር ከምዚ ዓይነት ምልክታት እንተኣርኣዩ፡ ንምልክታት ኮቪድ- 19 ንምክትታል፡ ብምሉኦም ተቐመጥቲ ናይታ ገዛ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ከግልሉ ክኽእሉ ኣለዎም።
  • ኣብዚ ግዜ እዚ ካብቶም ብሓደ ዝነብሩ ሓደ እንተሓሚሙ፡ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ርእሰ ግለላ ሽዑ ይጅምር። ካብ ሳልሳይ መዓልቲ ክሳብ ዓስረይቲ መዓልቲ ከኣ እቲ ርእሰ ምግላል ናይቲ ሰብ ይውዳእ። ካልእ ኣባል ናይታ ገዛ ምስ ዝሓምም፡ እቲ ርእሰ ግለላ ከም ሓድሽ ክጅምር የብሉን።
  • ሓደ ካብቶም ብሓባር ዝነብሩ ኣብ መበል 13 መዓልቲ ምግላሎም ምስ ዝሓምም ግን፡ እቲ ርእሰ ግለላ ሽዑ ይጅምር። እዚ ከኣ ንሕማሞም ንምክንኻን እምበር ንምልክታቶም ንምክትታል ኣይኮነን፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ ንጠቅላላ 20 መዓልታት ካብ ገዛ ክወጹ የብሎምን።

ካብ ስድራኻ ሓደ እንተሓሚሙ እንታይ የጋጥም?

ከምዚ ዓይነት ምልክታት ዘለዎ ሰብ ኣብ እኹል ንፋስ ዘለዎ ገዛን፡ ኣብ ጥቃ ክኽፈት ዝኽእል መስኮትን ብምዃን ካብቶም ኣብቲ ገዛ ካብ ዝነብሩ ሰባት ክርሕቅ ኣለዎ።

ብጣዕሚ ዘሰክፍ እንተዘይኮይኑ ከኣ ነዚ ምልክታት ንዝምልከቶ ክነግሩ ግድን ኣይኮነን።

ፈጺሙ ንደገ ክኸይድ ዘይብሉ መን'ዩ?

ብርቱዕ ጸገም ናይ ጥዕና ዘለዎም ሰባት፡ ንዝተወሰነ ግዜ ፈጺሞም ካብ ገዛ ክወጹ የብሎምን። እዚ ከኣ ከም መኸወሊ ይሕሰብ።

እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ጉጅለ ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም

  • ሕሙማት ናይ ዝተወሰነ ሕማም ካንሰር
  • ናይ ገለ ክፍሊ ኣካላት ምስግጋር ዝተገብረሎም ሕሙማት
  • ገለ ገለ ተወርሶኣዊ ሕማም ዘለዎም ሰባት
  • ሓደገኛ ዝኾነ ከም በዓል ናይ ፍሕኛ ጸሓጎትን፡ ሕዱር ነድሪ ጒርጉማን ዘስዓቦ ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ዘለዎምን
  • ንስርዓተ ምክልኻል ዘዳኽም ፍሉይ ዓይነት መድሃኒት ዝወስዱ ሰባትን
  • ሕማም ልቢ ዘለወን ነብሰ ጾራትን

ኣድላይነት ኣብ ዘለዎም ግዜ ከኣ መንግስታትን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝሓይሽ ዝበልዎ ኣገልግሎት ናይ ኣፋውስን፡ ምርካብ ኣገደስቲ ነገራትን ምኽርን ዝህቡሉ ኣግባባት ብዕቱብ ይሰርሑሉ ኣለዉ።

ኣብ ግዜ ርእሰ-ግለላ ምሳኻ ዝነብር ተቓላዒ ሰብ እንተልዩ እንታይ ትገብር?

ኣብ ግዜ ርእሰ-ተነጽሎ፡ ካብቲ ተነቃፊ ዝኾነ ሰብ ማለት ካብ ነብሰ-ጾራት፡ ሽማግለታት፡ ወይ ውን ዝኾነ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባትን ካብ 2 ሜትሮ ንላዕሊ ክትርሕቅ ኣለካ።

ብተወሳኺ ኣብ ክሽነን ካልእ ቦታታትን እተሕልፎ ግዜ ብምድራት፡ እቲ እትነብሩሉ ገዛ ብግቡእ ንፋስ ዝኣትዎ ክኸውን ኣለዎ።

እተተኻኢሉ እውን እቶም ተቓላዒ ኩነታት ጥዕና ዘለዎም፡ መግቦም ኣብ መደቀሲኦም ወሲዶም ክምገቡ ይግባእ።

ከምኡ እውን እቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ካብ ናይቶም ካልኦት መናብርቶም ዝተፈልየ ሽጎማኖን ክፍሊ መሕጸብ ሰብነትን ክጥቀሙ ኣለዎም።

እዚ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክፍሊ መሕጸቢ ሰብነቶም ዝተጠቅሙሉ ግዜ፡ ንኹሉ ዝተገብረ ምትንኻፋት ከም መንደቅን ካልኦትን ብግቡእ ክጸርየሎም ኣለዎ።

ኣእዳዎም ብማይን ሳምናን ንኣስታት 20 ካልኢታት ዝኸውን ብግቡእ ክሕጸቡ ኣለዎም።

ንእንጥቀመሎም ናይ ጽሬት ነገራት ከም መንዲል፡ ፈኲስ ወረቀት ከኣ ክሳብ እንድርብዮም ብግቡእ ሸፊንና ክነቀምጦም ኣለና።