እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ እንተሒዙካ ከመይ ትኸውን? ከመይከ ይሕከም?
ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ክረኣይ ጀሚሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሕማም ድሮ ዓለማዊ ለበዳ ኮይኑ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተዘርጊሑ'ሎ።
ንቡዙሓት ሰባት እቲ ሕማም ቀሊል እዩ፡ ንገለ ሰባት ግን ይቐትል።
እዚ ቫይረስ ብኸመይ እዩ ንሰብነትና ዘጥቅዕ? ንምንታይ እዮም ገለ ሰባት በዚ ሕማም ዝሞቱ? ብኸመይከ ይሕከም?
መጫጭሒ እዋን?
ቫይረሳት፡ ናብ ዋህዮታትና ብምእታውን ንዓኣቶም ብምጭዋይን እዮም ዝሰርሑ።
ኮሮናቫይረስ ድማ፡ በቲ ሕማም ዝተትሓዘ ሰብ ኣብ ጥቓና ኮይኑ እንትስዕል ወይ እንተሀንጥስ፡ ነቲ ቫይረስ ብምስትንፋስ ናብ ውሽጥና ክነእትዎ እንከለና፡ ወይ ከኣ ዝተበከለ ዝኾነ ነገር ተንኪፍና መሊስና ገጽና ክንትንክፍ እንከለና እዩ ናብ ሰብነትና ዝኣቱ።
ፈለማ ኣብ ጎሮሮና፣ ቱቦታት ኣየርን ኣብ ሳንቡእናን ንዘለዉ ዋህዮታት የጥቀዖም እሞ ናብ "መጫጭሒ ኮሮና ቫይረስ" ይቕይሮም። ካብኡ ድማ፡ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ሓደሽቲ ቫይረሳት እናተፈልፈሉ ነቲ ካልእ ዋህዮታት የጥቅዑ።
ኣብዚ ፈላማይ ደረጃ፡ ሕማም ኣይስመዓካን፡ ገለ ሰባት ድማ ምልክታት እውን ኣየርእዩን።
ፈለማ ካብ ዝተለኸፍካሉ ክሳብ እቲ ምልክታት እተርእየሉ ዘሎ ግዜ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ብማእከላይ ግን 5 መዓልቲ ይወስድ።
ቀሊል
ንመብዛሕተኦም ሰባት እቲ ሕማም ብቐሊሉ እዩ ዝሓልፈሎም።
ካብቶም ብሕማም ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ዝልከፉ 10 ሰባት፡ እቶም 8 ብቐሊሉ ዝሓልፍዎ ረኽሲ እዩ። ቀንዲ ምልክታቱ ድማ ረስኒን ሰዓልን እዩ።
ቁርጥማት፣ ስምዒት ሕርኽርኽ ኣብ ጎሮሮ፣ ከምኡ ድማ ሕማም ርእሲ ከጋጥም ይኽእል፡ ግድን ግን ኣይኮነን።
እቲ ረስኒን ሓፈሻዊ ስምዒት ቀጨውጨውታን፡ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ናይ ሰብነትና ነቲ ረኽሲ ብዝህቦ ምላሽ ዝፍጠር እዩ። ነቲ ቫይረስ ከም ባዕዲ ዘለለዮ ስርዓት ምክልኻል ሕማም፡ ገለ ጸገም ተፈጢሩ ከምዘሎ ንኻልእ ክፋል ሰብነትና ምልክት ንምሃብ 'ሳይቶካይን' ዝበሃሉ ኬሚካላት ይፍኑ።
እዚ ድማ ንሰብነትና ቃንዛን ረስኒን ይፈጥር።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ፈለማ ደረቕ ሰዓል እዩ ዘስዕብ (ኣፍንጫ ዘረብረብ ኣይብልን)። ገለ ሰባት ግን ኣብ ከይዲ ክስዕሉ እንከለዉ ዓኽታ ይህልዎም። እዚ ዓኽታ ድማ ሓፊስ ኮይኑ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ዋህዮታት ጎሮሮ ዝሓዘ እዩ።
እዞም ምልክታት ዕረፍቲ ብምግባር፣ ብዙሕ ፈሳሲ ብምውሳድን ብፓራሴታሞልን ምሕካም ይከኣል።
እዚ ደረጃ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ኮይኑ፡ መብዛሕተኦም ሰባት ኣብዚ ደረጃ እንከለዉ እዮም ዝሓውዩ። ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ሰብነቶም ስለዝከላኸለሎም።
እንተኾነ፡ ገለ ሰባት ግን ከቢድ ዓይነት ሕማም ኮቪድ-19 የማዕብሉ።
ከቢድ
እቲ ሕማም እናገገደ እንተኸይዱ፡ መንቀሊኡ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ናይ ሰብነትና ነቲ ቫይረስ ዝህቦ ግብረ መልሲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክኸውን ከሎ እዩ።
ነቲ ካልእ ክፋል ሰብነትና ምልክት ንምሃብ ዝፍኖ ኬሚካል ነድሪ ይፈጥር እዩ። ብዙሕ ነድሪ ክፍጠር እንከሎ ከኣ ጸገም ስለዝፈጥር፡ ሚዛኑ ክሕሉ እዩ ዘለዎ።
ነድሪ ሳምቡእ ኒሞንያ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ።
ዘስተንፈስናዮ ኦክሲጂን ናብ ደም ዝኸደሎምን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ድማ ዝወጸሎምን ከረጺታት ኣየር ኣብ ሳምቡእ ኣለዉ። ኣብ እዋን ኒሞንያ ግን፡ እዞም ከረጺታት ብማይ ስለዝምልኡ ሕጽረት ኣየርን ጸገም ምስትንፋስን ይፍጠር።
በዚ ምኽንያት ከኣገለ ሰባት፡ ከስተንፍሱ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና የድልዮም።
ብመሰረት ካብ ቻይና ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ 14% በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት በዚ ደረጃ ይሓልፉ።
ኣስጋኢ
ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ እቶም 6% ናብ ኣስጋኢ ደረጃ ይበጽሑ።
ኣብዚ ብርኪ እዚ ሰብነት እናደረኸመ ዝኼእድ ኮይኑ፡ ሞት'ውን ከጋጥም ይኽእል።
እቲ ጸገም ድማ፡ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ናይ ሰብነትና ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ኣብ መላእ ሰብነትና ጉድኣት ስለዘብጽሕ እዩ።
ጸቕጢ ደም ናብ ኣዝዩ ዝተሓተ ሓደገኛ ብርኪ ክበጽሕን ገለ ውሽጣዊ ናይ ሰብነት ኣካላት እውን ኣገልግሎት ደው ከብሉን ክገብሮም ይኽእል።
ብሰንኪ ኣብ ሳምቡእ ዝፍጠር ሓያል ነድሪ፡ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ምስትንፋስ ስለዝፍጠር ድማ፡ ሰብነትና ህላውኡ ንከቐጽል ዘድልዮ እኹል መጠን ኦክሲጅን ከይረክብ ይገብሮ።
ኩሊት ደም ናይ ምጽራይ ስርሐን ደው ከብላን ኣብ መዓንጣ'ውን ጉድኣት ክበጽሕን ይገብር።
ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ክቆጻጸሮ እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ናብ መላእ ኣካላትና ተዘርጊሑ ተወሳኹ ጉድኣታት የብጽሕ።
ኣብዚ ደረጃ እንተተበጺሑ፡ ከም ECMO ብዝበለ ከቢድ መሳርሒ ዝተሓገዘ ሕክምና ይጠልብ።
እዚ መሳርሒ፡ ከም ሰብ ሰርሖ ሳምቡእ ኮይኑ፡ ደም ካብ ሰብነት እናወሰደ ኦክሲጅን እናሐወሰ መሊሱ ናብ ሰብነት ዘእቱ መሳርሒ እዩ።
እንተኾነ፤ እቲ ሕማም ዝፈጥሮ መጉዳእቲ ናብ ሞት ከሳጥሕ ይኽእል።