እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ፈላማይ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ሰሙን ክጅመር እዩ
ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን ፈላማይ ፈተነ ክታበት ክተካይድ እያ።
እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ዝኾነ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ዝካየድ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ዩንቨርሲቲ ዊትስ እዩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛጊድ ብውሕዱ 80 000 ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ልዕሊ 1,674 ሞይቶም እዮም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ፡ ጽኑዕ ዕጽዋ ኣንቢሩ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ኣፍሪቃ በቲ ሕማም ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ኾይና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘጋጠመ መልከፍታት እቲ 30 ሚኢታዊት፡ ካብቲ ዘጋጠመ ሞት ድማ 23 ሚኢታዊት ትወስዶ።
ነዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ፈተነ ክታበት ዩንቨርሲቲ ዊትስ ምስ ዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምትሕብባር እዩ ከካይዶ።
“እዚ ንደቡብ ኣፍሪቃን ንኣፍሪቃን ኣገዳሲ ህሞት እዩ። ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፡ ሕዚ እዩ ክታበት ናይ ኮቪድ-19 ዘድልየና” ኢሉ ፕሮፌሰር ክታበታት ኣብ ዩንቨርሲቲ ዊትስ ሻቢር ማድሂ።
ኣብዚ ፈተነ ክታበት ንዝሳተፉ ሰባት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣለልዮም ከም ዝወድኡን ኣብ’ዚ ሰሙን ከም ዝኽተቡን ገሊጹ።
እቲ ክታበት ኣብ ብሪጣንያ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝሳተፍሉ ይፍተን ዘሎ እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ክታበት ንምስታፍ 4000 ሰባት ተመዝጊቦም እዮም።
ካብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ብተወሳኺ፡ ተመሳሰልቲ መጽናዕትታት ኣብ ብራዚል’ውን ጀሚሩ’ሎ።
ኣብ ኣመሪካ ድማ፡ ክሳብ 30,000 ሰባት ዝሳተፍሉ ናይዚ ክታበት መጽናዕቲ ክግበር መደብ ኣሎ።
ውጽኢታውነትን ውሑስነትን ናይዚ ክታበት መታን ብጭቡጥ ክፍለጥ፡ ንኣፍሪቃ’ውን ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ክፋል ናይ ዓለምና ክፍተን ከምዘለዎ ድማ ፕሮፌሰር ሄለን ሪስ ትዛረብ።
ሰብሞያ፡ ነቲ ክታበት ChAdOx1 nCoV-19 ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዓለምና፡ ንኮቪድ-19 ክታበት ንምርካብ ልዕሊ 100 መጽናዕትታት ይግበሩ እዮም ዘለዉ።