ስዑዲ ዓረብ፡ ንንግደት ሓጅ ኣመንቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ከይኣትውዋ ከልኪላ

ስዑዲ ዓረብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ክትብል፡ ሎሚ ዓመት ንንግደት ሓጅ ኣመንቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ከይኣትውዋ ከልኪላ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሃይማኖታዊ ፍጻመ ክሳተፉ ዝኽእሉ፡ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘለዉን ውሱናት ሰባት ጥራይን ምዃኖም መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ዝግበር ዓመታዊ ንግደት፡ ኣስታት 2 ሚልዮናት ኣመንቲ እስልምና ክሳተፉሉ እዩ ትጽቢት ነይሩ።

ሓጅ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምሉእ ንምሉእ ክስረዝ ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ’ውን ነይሩ።

ኣብ ስሩዕ እዋናት፡ ነዚ ንግደት ዝፍጽሙ ኣመንቲ እስልምና ካብ ምሉእ ዓለም እዮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝውሕዙ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ዓመት ዜግነቶም ብዘየገድስ ግን ድማ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ኣትዮም ዘለዉ ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ሓጅ ክሳተፉ።

እዚ ውሳነ፡ ሰባት ርሕቀቶም ሓልዮም፡ ውሑስ ብዝኾነ መገዲ ሓጅ ክፍጽሙ ዘኽእል እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ እዮም ሰብመዚ ስዑዲ ገሊጾም።

ስዑዲ ዓረብ፡ ዛጊት 161,005 መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ ኾይኑ፡ ካብዚኦም 1,307 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብ ምሉእ ስዑዲ ዓረብ ተነቢሩ ዝጸንሐ ዕጽዋ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት እዩ ተላዒሉ።

ንግደት ሓጅ እንታይ እዩ?

እተን ሓሙሽተ አዕኑድ እምነት ምስልምና፥

  • ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ከምእትኣምንን ብኽብርታቱ ከምእትግዛእን ምእዋጅ
  • መዓልታዊ ሓሙሽተ ግዜ ጸሎት ምግባርን ምስጋድን
  • ኣብ ጾመ ሮሞዳን ናይ ግድን ምጻም
  • ካብ ዘለካ ትሕዝቶ ንድኻታትን ነዳያንን ምጽዋት ምሃብ
  • ዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን ከኣ ኣብ ዕድመኻ ሓንሳብ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ምብጻሕ ዝብላ እየን።

ስለዝኾነ፡ ንግደት ሓጅ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት እስልምና እያ።