እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ብዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ መን'ዩ ዝሕተት?
'ዳናይት'፡ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተሓትመ መጽሓፍ እያ። ዛንታ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ገዛ ተዓጽያ ብወላዲ ኣቦኣ ዝተዓመጸት ጓል 10 ዓመት ህጻን ድማ ተዘንቱ።
እቲ ኣቦ፡ በዓል ሞያ ጥዕና ኮይኑ ኣብ ደሙ ረኽሲ ቫይረስ ኤችኣይቪ ከም ዘለዎ እናፈለጠ'ዩ፡ ጌና ብህጻንነተን ወላዲት ኣዲአን ንዝስኣና ደቁ ተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ዘብጽሐለን ነይሩ።
ዳናይትን ሓፍታን ግዳይ፡ ብወላዲ ኣቡአን ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክኾና እንከለዋ፡ ዳናይት በቲ ቫይረስ ተለኺፋ፡ ግዳይ ኣካለዊ፣ ጥዕናውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸገማት ኮይና።
ወይኒ ኣብርሃ ማንጁስ፡ ንታሪኽ እዛ ብወላዲ ኣቡኣ ዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ ብመጽሓፍ ዝሰነደት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሑ ጾታዊ ዓመጻትን በደላትን ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ትነጥፍ።
"ዳናይት፡ ኣብ ገዛ ተዓጽያ፤ ወላዲኣ ንሰብ ከይትዛረብ ብካራ እናፈራርሐ ኣብ ገዛ ዓጽዩ ጾታዊ በደል ኣብ ልዕሊኣ ይፍጽም ነይሩ። ኣብዚ ግዜ፡ ዳናይት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከደትን፤ ክትከይድ ፈቲና'ውን ኽዳና ብደም ስለ ዝበላሾ፣ ዓቕሚ'ውን ስለ እትስእን ክትመሃር ኣይከኣለትን። እዚ ክኸውን እንከሎ፡ ጎረባብቲ ነይሮም'ዮም፤ እዛ ቖልዓ ናበይ ከይዳ ኢሎም ክሓቱ ምኸኣሉ፤ ግን ድማ ኣይነበረን" ክትብል ንሕሉፍ ታሪኽ እዛ መንእሰይ ትዝክሮ።
ማሕበራዊ ኣነባብራ ሕብረሰተብ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝቢ ትግራይ፡ ዝተቐራረበን ዳርጋ ምትእኽኻብ ዝበዝሖን ስለ ዝኾነ፡ ሃንደበት ጎረቤት ወይ ኣብ ሓደ ካንሼሎ ሓቢሩዎ ዝነብር ሰብ ብዘይፈለጠ ምኽንያት ክስወር እንከሎ፡ 'ናበይ ኣተወ?' ኢሉ ምሕታት ንቡር እዩ።
ዳናይት፡ ዳርጋ ንሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ ገዛ ክትዕጾ እንከላ፣ ካብ ቤት ትምህርቲ ክትቦኩር እንከላ፣ ካብ ዓይኖም ክትኽወል እንከላ፡ ጎረባብቲ ናበይ ኣበለት ዘይምባሎም፡ ንጸሓፊት ዛንታ እዛ ውልቀሰብ ክሳብ ሕጂ ዘሕዝና ተጓንፎ'ዩ።
መበገሲ እቲ ሕጂ ተካይዶ ዘላ ንጥፈት ማሕበረሰባዊ ንቕሓት እዚ'ዩ።
"ኣነ፡ ከም መንእሰይ፡ ንመሰለይ ደው ክብል ዝኽእል ክኸውን ይኽእልን ግን ናይ ሓንቲ መንእሰይ ሙሉእ ቑልዕነት ተመንጢሉ ክትሰምዕ ከቢድ እዩ። ድሕሪ እዚ ኣነ ንበይነይ መሰለይ ምፍላጠይን ንመሰለይ ደው ምባለይን እኹል ዘይምዃኑ ተረዲኡኒ፤ ኩልና ደቂ ኣንስትዮ ውሑሳት እንተዘይኮይንና'ዩ ከም ማሕበረሰብ ንድሕን" ትብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ብወላዲ ኣቦን ናይ ቐረባ ዘመድን ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ክውግዓሉ ክጅምር እንከሎ፡ ኣዝዩ ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ይዓቢ ከም ዘሎ ይንገር።
ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ'ውን፡ ኣካል እቶም ዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጻት እናኾኑ ምምጽኦም፡ ድማ ካልእ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ 159 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ በጺሑና ኢለን፡ ኣብ መቐለ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዝርከብ 'ዋን ስቶፕ' ዝተባህለ፡ ናይ ሕክምናን ሕግን ሓገዛት ዝህብ ማእከል መጺአን።
እዞም፡ ኣብ ልዕሊ እዘን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሑ መጥቃዕታት ብዙሓት ዓይነት ኮይኖም፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሚዛን ድፍእ ኣቢሉ ንረኽቦ ዝበለት ዓቃቢት ሕጊ ሓዳስ ኣስጨናቂ፡ ምስ ኣካላዊ ጉድኣት [መውቃዕቲ] ዝተኣሳሰር ዝበጽሕ መጥቃዕቲ'ውን ስዒቡ ንረኽቦ ትብል።
ዋላ'ኳ እዚ ማእከል ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዝኽፈት ንነጀው ኣብ ዘለዋ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ከምዚ ዝበሉ ጥርዓናት ይቕረበሉ ድኣምበር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተሓቢኦም ዝተርፉ ተመሳሰልቲ ዘቤታውን ጾታውን መጥቃዕታት ከም ዘለው ይእመን።
ኣብዚ፡ ካብ 2 ዓመትን ትሸዓተ ወርሕን ህጻን ጀሚሩ ክሳብ 75 ዓመት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ሰባት ክህልዋ እንከለዋ፡ እተን ዝበዝሓ ትሕቲ 15 ዓመት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ብ28 ሚያዚያ 2020 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሑ ዘቤታውን ጾታውን መጥቃዕታት ከም ዝወሰኹ ይጠቅስ።
ብፍላይ፡ እቲ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብዙሓት ሃገራት ወሲደንኦ ዝጸንሓን ኣብ መብዛሕቲአን ዳርጋ ሕጂ'ውን ኣብ መስርሕ ዘሎን ኣዋጅ ዕጽዋ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ወርሒ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ 31 ሚልዮን ሓደሽቲ ዘቤታዊ ዓመጻት ክጋጥሙ ከም ዝኸእሉ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ'ውን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝበዝሐ ምንቅስቓሳት ተገዲቡ ስለ ዘሎ፡ መብዛሕቲኡ ሰብ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ገዛ ብሓባር ናይ ምውዓል ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ "እዚ ኩነታት፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ መጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ክኾና ገይሩ እዩ ኢልና ንኣምን ትብል" ዓቃቢት ሕጊ ሓዳስ።
"ገሊአን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዴታተን ናብራ ንምድፋእ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝኸዳሉ፡ ምስ ወላዲ ኣቡአን ወይ ናይ ቐረባ ዘመድ ዝኾነ ሰብ ክጸንሓ ገይረንአን ዝኸዳ፡ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ ናብዚ ማእከል ክትሕገዝ ዝኸደት፡ ጓል ኣንስተይቲ ወለዳ ካብ ሓዳሮም ስለ ዝተፋትሑ፡ ወላዲ ኣቡኣ ምስኡ ክትነብር ብቤት ፍርዲ ተወሲኑለይ እዩ ኢሉ ኣገዲዱ ብምውሳድ ንኸባቢ ኽልተ ዓመት ኣገዲዱ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ዝተገበረት ጓል ኣንስተይቲ'ውን መጺኣትና እያ" ኢላ።
ብኣሕዋተንን ካልእ ናይ ቀረባ ዘመድ ዝኾነ ሰብን ዝተጠቕዓ እውን ኣለዋ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ሕብረተሰባዊ ጥዕናዊ ጸገም ኮይኑ ቀጺሉ፤ ናብ ደቂ ተባዕትዮ ህጻናት'ውን ተሰጋጊሩ ኣሎ።
እዚ ኣብ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ዘለዎ ተግባር፡ ብምኽንያት እዚ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳያት ዝበጽሕ ማሕበራዊ ተነጽሎ ብዙሓት ነቲ ዝበጽሐን በደል ደፊረን ንክዛረብኦ ይፈርሓ።
እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቱ ዝርኢ ባህሊ ኣብ ዘለወን ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ክጸንሓ ኣለወን ዝብል ሕብረተሰብ ልሙድ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ነዚ ገበን ዝፍጽሙ ሰባት ካብ ተሓታትነት ክሕብኡ ከም ዝገብር ይግለጽ።
እቲ ጸገም ዝነበረን እናተሸፋፈነ ዝጸንሐን'ዩ እትብል ወይኒ ኣብርሃ፡ ከምዚ ዓይነት በደላት ብቓልዕ ምዝራብ ክብሪ እቲ ሕብረሰተብ ይጎድእ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝእመን፡ ኣብ ገዛ ተዓቢጡ ዝተርፍ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ ኢላ ትኣምን።
"እዚ ከኣ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ፤ ልዕሊ ፍርቂ ማሕበረሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ እናበጽሐን፣ ኣሲድ እናተደፍአን፣ እቲ ማሕበረሰብ ክብሩ ከይትንከፍ ስቕ በሉ ይብሃል ነይሩ። ጸገምካ ምሕባእ ግን ናብ ዝኸፍአ ጸገም እዩ ዝወስድ። ውሑዳት ዝሰርሑዎ ጀግንነት ንሕበነሉ እንተኾይንና፡ ውሑዳት ሰባት ዝሰርሑዎ ገበን ድማ፡ ከም ተጋሩ ክንኹንኖ፡ ብሕጊ ንክንሓቶም ፍትሒ ክርከብ ክንጽዕር ይግባእ። እምበር ውሑዳት ጀጋኑ ዝሰርሑዎ ታሪኽ፡ ታሪኽና ኩላትና፡ ውሑዳት ዝሰርሑዎ ሕማቕ በደል ኸዓ ንዓና ኣይውክለናን ኢልና ክንሓድጎ ልክዕ ኣይመስለንን። ከም ማሕበረሰብ ድሕረታትና ነጺርና፡ ንዕኦም ኣብ ምውጋድ ክንሰርሕ ኣለና" ትብል።
'ሕብረሰተብ እንታይ ይብለኒ? ፍትሒኸ ከመይ ይዳንየኒ?'
ቢሮ ፍትሒ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምምጻእን፡ በብወረድኡ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ይስርሕ እዩ።
ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ድማ፡ እዚ ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት ጥዕናን ፍትሕን ዝረኽባሉ 'ዋን ስቶፕ' ዝተባህለ ማእከል ከፊቱ ኣሎ።
እንተኾነ፡ እቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝወሃብ ፍትሒ ካብ ምጽራይ ስለ ዝጅምር፡ ካብ ፖሊስ፣ ዓቃቢ ሕጊ፣ ድሕሪኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝኽየድ ነዊሕ መገዲ ምህላው፡ ዕግበት ከም ዘይፈጥር እታ ዓቃቢት ሕጊ ትዛረብ።
"እቲ ዕንቅፋት፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ በጺሑወን ፖሊስ ክረኽበን እንከሎ እዩ ዝጅምር። ናብ ፖሊስ ከመልክታ ከለዋ፡ ብገጽ ዘይምቕባል፣ እምነት ዘይምሕዳር፣ እቲ ጉዳይ ግዜ ከም ዘይህብ እናተፈለጠ ከም ስሩዕ መዛግብቲ ቅልጡፍ ምላሽ ዘይምሃብ፡ ቐልጢፈን ኣገልግሎት ሕክምና ንክረኽባ የተዓናቕፈን እዩ" ኢላ።
ኣብዚ ናይ ኮሮና እዋን ክርአ እንከሎ ትብል ዓቃቢት ሕጊ ሓዳስ፡ "መኪና የለን እናተባህለ ጥዕና ጉዳየን እኳ ከይረጋገጽ ብዙሕ ዕንቅፋት ተፈጢሩ እዩ [ብመዳይ ፖሊስ]። ቀልጢፍካ ቃለን ሰሚዕካ ፍትሒ ንከይረኽባ ብዙሕ ማሕለኻ ኣሎ። ገበን ዝፈጸመ ግቡእ ቕጽዓት ንክረክብ ቅልጡፍ ፍትሒ ስለ ዘይትረኽብ ድማ፤ እታ ጓል ኣንስተይቲ እምነት ኣይትረክብን" ትብል።
ኣብዚ ዙርያ ዘለው ሕግታት ንክመሓየሹ ጻዕሪ ይግበር እዩ ዝበለት ሓዳስ፡ ክሳብ ሕዚ ዝወሃቡ ዘለው ቕጽዓታት ግን ብቑዓት'ዮም ኢለ ኣይኣምን ኢላ።
"እቲ ኣብ ኣካለን ዝበጽሕ ጥቕዓት ዘይኮነ፡ ስነ ልቦናዊ ጥቕዓት እዩ እቲ ዘሕምም። እዚ ቖላሕታ ክግበረሉ ኣለዎ፤ ካብቲ ካልእ ገበን ንላዕሊ ዘስካሕክሕ ከም ዝኾነ ሓሲቡ እቲ ሕብረሰተብ ክቃለሰሉ ኣለዎ"።
ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ጓል ኣንስተይቲ ክትሓፍር፣ ክትሽቑረር፣ ክትንቀፍ ንርኢ ዝበለት፡ ካብቶም ነዚ ብኣካልን ስነ ልቦናን ዝበጽሕ ዘሎ በደላት ጠጠው ንምባል ኣብ ዝነጥፍ 'ይኾኖ' ዝተባህለ ጎስጓስ ኣባል ዝኾነት ወይኒ ኣብርሃ፡ ማእለያ ዘይብሎም ማሕበረሰባዊ ድሕረታት ዝወለዱዎ ጸገማት ምዃኖም ትጠቅስ።
"በዳሊ ኣብ ክንዲ ዝንቀፍ፣ ዝሓፍርን ናብ ሕጊ ዝቐርብን፡ ብሱሩ እንታይ'ያ ተኸዲና ነይራ? በይኑ እናሃለወ ድያ ከይዳቶ? ኣይትሓፍርን ድያ? እናበለ፡ ንዓኣ ይነቅፍ፤ በዳሊ ብነጻነት ይግደፍ፤ ተበዳሊት ትሓፍር። ኣብ ሕሉፍ እንታይ ተኸዲና ነይርና ኢልና ነቲ ዝበጽሐ በደል እንተዘይተቕልሎ ነይርና፡ ሎሚ ህጻናት ቖልዑ ኣይምተዓመጻን/ጹን"።
እዚኦም፡ ካብ ኣተዓባብያ ቖልዑ ዝብገሱ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ፡ ማዕርነታዊ ኣተሓሳስባ ዝሰነቐ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ድልየታተን ክውስና ዘፍቅድ፣ ድሕረታትን ዓማጺ ኣተሓሳስባን ዝጽየፍ ወለዶ ኣብ ምፍጣር ከነተኩር ይግባእ ትብል።
ግዳያት፡ ፍትሒ ክረኽባ ዝጽዕሩ ጠንካራ ናይ ሕጊ ሰባት ከም ዘለው እትዛረብ ሓዳስ ብወገና፡ እቲ ሕብረሰተብ ግን፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ሕጊ ክትኸይድ ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ፡ እቲ ጉዳይ ብሽምግልናን ሕብእብእን ክሕለፍ ከም ዝደፋፍእ ትገልጽ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሕጊ ከይትኸይድ ዝደፋፍእ ሕብረተሰብ እዩ ዘለና ኢለ እየ ዝኣምን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ እቲ በዳሊ ወዲ ሓው ወዲ ሓፍተይ ስለ ዝኾነ እናተባህለ፡ እንድሕር ጥዕና ዳሕና ኮይነ፡ ናብ ሕጊ እንተዘይኸይደ'ውን እንታይ ጸገም ኣለዎ ዝብላ ተበደልቲ ክህልዋ ገይሩ'ዩ" ትብል።
ካብዚ ማሕበረሰባዊ ናይ ጥዕናን ኣተሓሳስባን ጸገም ንምውጻእ፡ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል ርኢይቶ ኣለዋ።
ብኣውርኡ፡ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ድኽነት ክወጽእ፣ ዕድላት ስራሕ ክፍጠረሉ፣ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ካብ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ተናጊፈን ክማሃራን ቑጠባዊ ዓቕመን ከጎልብታን ክግበር ኣለዎ ትብል።