ትግራይ፡ ማእኸል ኣረጋውያን ህፃናትን ፍሬሚናጦስ

ካብ ውሽጢ ከተማ መቐለ፡ ንኣንፈት ምብራቕ፡ ፊት ሆቴል ሂልቶፕ፡ ማእከል ሓልዮትን ምርድዳእን ዝኾነ ስፍራ ይርከብ።

ማእከል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ህፃናትን ሕሙማን ኣእምሮን ፍሬምናጦስ፡ ምእንተ ኻልኦት ኢልካ ናብ ትነብረሉን ጫፍ ሰብኣውነት ናብ ዝንፀባረቐሉን ዓለም ዝወስድ እዩ።

እዚ ማእከል፡ ብ7 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም ኣባ ገብረመድህን በርሀን ኣባ ሳሙኤል ኣስገዶምን ብዝተብሃሉ ክልተ ገበርቲ ሰናይ ኣቦታት'ዩ ተጣይሹ።

ክልቲኦም ኣቦታት ንዝሓለፉ 26 ዓመታት 'ዝወደቐ ሰብ' ንምሕጋዝ፡ ብዘይ-ስሩዕ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ይንገር።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝዕዘብዎ፡ ንዝወደቐ ሰብ ርኢኻ ከም ዘይራእኻ ምሕላፍ ንኸብቅዕ፡ ዝደረሱዎም መፅሕፍቲ ብምሻጥን ንካልኦት ግዱሳት ወገናት ብምትሕብባርን ነዚ ማእከል ንከጣይሹ ከም ዘንቀዱ መስራትን ኣካያዲ ስራሕን እቲ ማእከል ኣባ ገብረመድሀን በርሀ ይዛረቡ።

እዚ ማእከል፡ ንዝተፀገሙ ኣረጋውያን፣ ኣብ ጎደናታት ዝነበሩ ሕሙማት ኣእምሮን ዝተደርበዩ ህፃናትን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልልን ኢትዮጵያን ብምልዓል ንብዙሓት ፅላል ኮይንዎም'ዩ።

እዚ ሓደ ዓመት ዝገበረ ማእከል፡ 26 ኣረጋውያን፣ 12 ሕሙማት ኣእሙሮን 26 ድማ ናባዪ ዝሰኣኑ ህፃናትን፡ ብሓፈሻ 64 ተሓገዝቲ ሒዙ'ዩ ኣገልግሎት ጀሚሩ። ቀትርን ለይትን ሓገዝ ዝገብሩ 30 ሓብሐብቲ እንትህለዉዎ፡ ካብዚኦም እቶም 26 ወለንተኛታት እዮም።

"ንክሸ' ዘልዕለኒ ኣይነበረን"

ኣብ ክፍሊ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ፍሬምናጦስ፡ ካብ 60-105 ዕድሚኦም ኣረጋውያን እንትህልው፡ እቲ ክፍሊ ናይ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፀገም ወዲቖም ዝነበሩን ዝናብዮም ወገን ኮነ ውላድ ዘይብሎም፡ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰብ ፀጋ ዕድመ ድማ ይሕብሐብሉ።

ኣቦይ ገብረእግዚኣብሄር ፃድቕ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ፀግዒ ቤተክርስትያን እንዳ ጋብር ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት፡ ኣብ ጎደና ይነብሩ ነይሮም።

"ቅድሚ ሕዚ ሓሚመ፡ ንክሸይን'ኳ ዘልዕለኒ ኣይነበረን፡ ኩሉ ነገር ኣብ ዝተቐመጥኩሉ እየ ዝሸን ነይረ። ናብዚ ምስ ኣምፅኡኒ ግና፡ ዝጎደለኒ ነገር የለይ፡ ዓዊሩ ዝነበረ ዓይነይ ተሓኪመ ሒሹኒ፤ ኩሉ ነገር ሙሉእ እዩ" ብምባል ነቲ ማእከል ክምርቑ ይውዕሉ።

ካልእ በዓል ፀጋ ዕድመ ኣይተ ከድር ኣማን ድማ፡ ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ንነዊሕ እዋን ኢዶምን እግሮምን ደንዚዞም ኣብ ልዕሊ እርጋኖም ካልእ ቓንዛ ተወሲኽዎ፡ ክሳቐዩ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ብኣባ ገብረመድህንን ኣባ ሳሙኤልን እዮም ናብዚ ማእከል መፂኦም።

"ኣነ ኣስላማይ እየ፤ ዓመት በዓል ከከም እምነትና ብፅቡቕ የሕልፉልና። ጅምዓት ክኾን ከሎ እውን ፀርየ፡ ክዳነይ ቀይረ እየ ዝውዕል"።

ኣደን ጓልን ዝተራኸባሉ

ኣብ ካልኣይ ክፍሊ መሐብቢ ኣረጋውያን ደቂኣንስትዮ፡ 9 ሰብፀጋ ዕድመ ኣለዋ። ጓል 80 ዓመት ወይዘሮ እምባየ ገብረመድህን፡ ብርሃን ዓይነን ዝሰኣና እንትኾና፡ ናብዚ ማእኸል ምስ በዓልገዝአን እየን መጺአን።

ክልቲኦም፡ ንውላድ ኣይተዓደሉን፤ ሕማምን እርጋንን እንተተደራራቦም እውን፡ ናብዚ ማእኸል ምስ ኣተዉ እውን ብቃልኪዳኖም ይነብሩ ኣለው።

"ዓይንና ምስ ዓወርና፡ ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም ተደራሪቡ ኣብ ገዛ ኢና ተዓፂና ንውዕል ነይርና፤ ናብዚ ምስ ኣምጽኡና ግን ፅቡቕ ይድግፉና ኣለዉ፤" ብምባል ንሓብሓበተን ይንእዳ።

ጓል 45 ዓመት ወይዘሮ መድህን ገብረሚካኤል፡ ብዘለዋ ጉድኣት ኣካል ክትንቀሳቐስ እኳ እንተዘይከኣለት፡ ኣብ ዓራታ ኮፍ ኢላ ግን ስራሕቲ ኢደጥበብ ክትሰርሕ ትውዕል።

ንሕና፡ ንምንፃፍ ዓራት ዝከውን ኢደ-ጥበብ እናሰርሐት ረኺብናያ። ኣብዚ ቀፅሪ ዘለዉ ኩሎም ተሓብሐብቲ፡ ብዝደለይዎ ዘፈር ስልጠና ዝተፈላለዩ ሞያ ከም ዝወሃቦም ድማ ተዓዚብና።

ብምኽንያት ምዕፃው ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ምስ ውላደን ተፈላልየን ዝነበራ ኣደ እውን ኣብዚ ይነብራ ነይረን። ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ደሃይ ወላዲታ ጠፊኡዋ ክትደልይ ዝፀንሐትን ኣብ ባፅዕ ትነብር ዝነበረትን ጓለን፡ ድሕሪ ምኽፋት እቲ ዶብ መፅያ ወሲዳተን እያ።

"ኣብ ክልተ ሰሙን ዝተደርበዩ ህፃናት "

ነዚ ማእኸል እዚ ስያመ ምኽንያት ዝኾነ ህፃን ፍሬምናጦስ፡ ካብቶም ገና ኣብ ናይ መዓልታት ዕድሚኦም፡ ተደርብዮም ዝተረኸቡ ዕሸላት ሓደ እዩ።

ኣብዚ ማእኸል እዩ ዓብዩ፤ ኣብዚ ክፍሊ ዝርከባ ወለንተኛታት ድማ፡ ተስፋ ፅባሕ ንዝኾኑ ህፃናት ኣደ ኮይነን ፍቕሪ ለጊሰን ይሕብሕበኦም። ወይዘሪት ዮርዳኖስ ተስፋይ፡ ሓንቲ ካብተን ወለንተኛታት ኣደታት እያ።

"ምስቶም ህፃውንቲ ኾይንና ቓንዝኦም ንካፈለሎም፤ ነቶም ካብ ዓራት ዘይወርዱ ድማ ዳይፐር ብምቕያር ኮነ ምግቢ ብምብላዕ ንሕብሕቦም። ኣብ ክልተ ሰሙን ዝተደርበዩ ህፀናት ኣለዉ፡ ካብ ጎኖም ከይተፈለና፡ ናይ ኣደ ሙቐት እናሃብና ኢና ነዕብዮም" ብምባል በዚ ስራሓ ዕግበት ሕልና ከም ትረክብ ትገልፅ።

ሰገናት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝነብርሉ ካልእ ክፍሊ ድማ፡ ብዘይካ ግዳያት ኦቲዝምን ክንቀሳቐሱ ዘይኽእሉ ሰለስተ ቖልዑን፡ እቶም ዝተረፉ 15 ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ እዮም። ካብ ትምህርቲ ምስ ተመለሱ ድማ፡ ንከጽንዑ ዝከታተሉዎምን ዘሕግዙዎምን ሰባት ኣለው።

ኣብ ክረምቲ ድማ፡ ናይ ሞያን ጥበብን ስልጠናታት ይወሃቦም። ቢንያም ገብረእግዚኣብሄር 24 ሰዓትታት ኣብዚ ማእከል ነዚ ዕማም ካብ ሞንጎ ዝፍፅሙ ወለንተኛ እዩ።

"ተጸጊሙ ዝፀንሐ ሰብ ናብ ፅቡቕ ክመፅአ ከሎን ለውጢ ክትርእይ ከለኻን፡ ትዓግብ፤ ናይ ሕልና ዕግበት ኣለዎ" ይብል።

ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ ሻምናይ ክፍሊ ኣብርሃም፡ ወላዲ ኣቡኡ ብህይወት የለን፤ ወላዲቱ እውን ርኽብቲ ኣይኮነትን።

ኣብርሃም፡ ኣብ ማእከል ፍሬምናጦስ ናባዪ ዝረኸበ ንፉዕ ተምሃራይ'ዩ። ኣብ ትርፊ ሰዓቱ ድማ ስእሊ ከም ዝስእልን ሸምበቆን ክራርን ከም ዝፃወትን ኣውጊዑና።

"ቅድሚ ሕዚ ፅቡቕ ህይወት ኣይነበረንን፤ ኣብዚ ግን ዝጎደለኒ የለን። ካብ ክፍሊ ሻድሻይ እየ ወጺአ፡ ንከፅንዕ እውን ይሕግዙኒ እዮም። ተማሂረ ኢንጂነር ክኸውን እየ ዝደሊ፤ ከም ኣሕዋተይ ኣብዚ ማእኸል እውን ክሰርሕ ድልየተይ እዩ"።

"ሕሙማት ኣእሙሮ እንተቐሪብኻዮም ፍቕሪ ይህቡኻ"

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ጎደናታት እምኒ ክድርብዩ፣ ኣብ ማሕበረሰብ ፀገም እንተብፅሑ ይረኣዩ ዝነበሩን፡ ብተለምዶ ሰባት "ዕቡዳት" ኢሎም ዝፅውዕዎምን ወገናት፡ ፍቕርን ሓልዮትን እንተድኣ ተለጊስሎም፡ ሓውዮም ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱ ከም ዝኽእሉ፡ 12 ሕሙማት ኣእሙሮ ዝሕብሐብሉ፡ መሐብሐቢ ሕሙማት ኣእሙሮ ፍሬምናጦስ ምስክር እዩ።

ሓቢሮም ኩዕሶ፣ ዳማ ክፃወቱን ከዕልሉን ረኺብናዮም። ወለንተኛ ኣይተ የማነ፡ ቅድሚ ሕዚ ይሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ብምግዳፍ ነዞም ሕሙማት ኣእሙሮ ይሕብሕብ ኣሎ።

"መብዛሕትኡ ግዘ፡ ሰባት 'ዕቡዳት' ኢሎም እዮም ዝፅውዕዎም፣ ከም ኣራዊት ይርእይዎም፡ ግን ቀሪብካ ፍቕሪ እንተሂብካዮምን እንተሓብሒብካዮምን፡ ክድሕኑ ይኽእሉ እዮም። ንሶም እውን እንተቐሪብኻዮም ፍቕሪ ይህቡኻ፤ ድሒኖም ናብ ላዕለዋይ ማእኸል ዝኸዱ ተሓብሐብቲ ኣለዉ። እዚ እንትትርእይ ደስ ይብለካ" ክብል ኣውጊዑና።

ንእስቲ መብራህተን፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ጎደናታት ዝነበሩ ሕሙማት ኣእሙሮ ሓንቲ እያ ነይራ። ናብዚ ማእኸል ምስ መፅአት ጥዕንኣ ተመሊሱ።

ጥዕና ተመሊሱ ግን ክኸይድ ኣይበለትን፤ የግዳስ ህይወታ ብተስፋ ተመሊኡ፡ ንካልኦት ተስፋ ክትልግስ፡ ኣብ ክፍሊ ምግቢ ፍሬምናጦስ እንጀራ ክትስንክትን ክተፀራርን ረኺብናያ።

እንዳ ፅባቐ፣ ሰብሞያ ሓኻይም፣ ላባራቶሪን ኣፋውስን ዘለዎ ሕክምና፣ መሰልጠኒ ስፌትን ማእለማን፣ ምርባሕ እንስሳትን ውፅኢት ፀባን፣ ማእኸል እንዳ ፅሬትን፡ ኣብ ማእኸል ፍሬምናጦስ ካብ ዝጠጥዑ፡ ተወሰኽቲ ንኡሳት ማእኸላት እዮም።

ካልእ ተወሳኺ ግርማ እዚ ማእኸል ምዕሩግ መዘናግዒ ኣዳራሽ ኣለዎ። ነዚ ብዝተፈላለዩ መመላኽዕታት ዝወቀበ ኣዳራሽ፡ ውልቀሰባት ተኻርዮም ልደት፣ ምረቓ፣ መርዓ በዓላትን ዝተፈላለዩ ምድላዋትን የሕልፍሉ።

መንእሰይ ሰለሞን ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ደቂተባዕትዮ መስተኻኸሊ ፀጉሪ ኣለዎ፤ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ድማ፡ ናብ ክፍሊ እንዳ ፅባቐ ፍሬምናጦስ ብምምፃእ ንስድራ ፍሬምናጦስ ናፃ ኣገልግሎት ይህብ።

ሰለሞን፡ "ደስ ኢሉኒ እየ ዝሰርሕ፤ እዚ ትካል ገባሪ ፅቡቕ እዩ፡ ክንስዕቦ ይግበአና። ካብ ከተማና ሓሊፉ ንኢትዮጵያውያን ዝሕብሕብ ማእኸል እዩ። ውልቀ ሰባትን ዓበይቲ ትካላትን ከከም ዓቕሞም ኢሉ እውን ብሞይኦም፡ ነዚ ትካል ክሕግዙ ኣለዎም" ይብል።

ካብ ከተማ ደብረብርሃን ዝመፅኡ በዓል ፀጋ ዕድመ ኣይተ ደጀኔ ከምሴ፡ ኣብዚ ክፍሊ ፀጉሮም ክስተኻኸሉ ረኺብናዮም። ኣይተ ደጀኔ ኣብዚ ማእኸል ካብ ሞንጎ ዝሕብሐቡ ሰብ ፀጋ ዕድመ ሓደ እዮም።

እዚ ማእኸል፡ ሓገዝ ካልኦት ሰባት ጥራሕ ክፅበይ ኣይመረፀን፤ እኳድኣስ ባኒ ብምስንካት ንተሓብሐበቲ እኹል ቀለብ ምግቢ ብምቕራብ ምንጪ እቶት እዚ ማእኸል ዝኸውን፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 9 ክሳብ 15 ሽሕ ባኒ ሰንኪቱ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ የቕርብ።

"ባህሪ ምጭኽኻን ኣይሃለወና"

እዚ ብውልቀ ተበግሶ እዞም ክልተ ኣቦታት፡ ካብ ሓንቲ ገባሪት ሰናይ ኣብ ዝተረኸበ መሬት ዝዓረፈ እዚ ማእኸል "ዝወደቐ ሰብ ምልዓል፡ ናይ ሰናይ ሰብ ተግባር እዩ" ብዝብል መሪሕ፡ ህይወት እቶም ኣብ ዘሕዝንን ዘደንግፅን ኩነታት ዝነበሩ ብዙሓት ወገናት ይቕይር ኣሎ።

"ዓለም መን እዩ እሞ ተቐሚጥዋ? እቶም ዝሓለፉ ትውልዲ ኣብ መቓብር እዮም ዘለዉ፤ ንሕና እውን ፅባሕ ሰዓብቶም ኢና። ስለዚ ከይሞትካ ሰናይ ሰሪሕካ ምሕላፍ ካብዚ ዝዓቢ ነገር የለን" ኢሎም ኣባ ገብረመድህን።

"ብሰንኪ ፅበት ቦታን ምንኣስ ዓቕሚን፡ በብመዓልቱ ዝመፅኡ ኣረጋውያን፣ ህፃናት፣ ሕሙማት ኣእሙሮን፡ ንምልሶም ኢና። ግና ናብታ ዝወደቑላ ኣስፋልቲ ኢና ንምልሶም ዘለና። እዚ እናሃለወ ከመይ ገይርና ንዓግብ?" ይብሉ።

"እቶም ኣብ ኣስፓልቲ ርኢና ከምዘይራእና ረጊፅናዮም ንሓልፍ ዘይኮኑስ፡ ገዛ ገዛ ዝተሸከሞ ክንደይ ጉድ ኣሎ፤ ነታ ደረቕ ባኒ ስኢኖም ግስም ኢሎም ዝሓድሩ ብዙሓት ኣለዉ። ነዚኦም መን ይብፅሐሎም? ባህሪ ምጭኽኻን ኣይሃልወና" ክብሉ'ውን ወሲኾም።

ንመፃኢ?

ማእኸል ፍሬምናጦስ ሕዚ ካብ ዘለዎ ዝያዳ ጎልቢቱ፡ ፅላል ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንክኸውን፡ መሰረታዊ ፀገማት ከምዘለዎ ይገልፁ ኣባ ገብረመድህን።

ቀረብ ማይ፣ መንበሪ፣ መስርሒን መዘናግዕን፣ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ዘይምህላው፡ ቀንዲ ፀገማት ከምዝኾኑ ዝዛረቡ ኣባ ገብረመድህን፡ ንመፃኢ 1800 ፅጉማት ወገናት ዝሕብሐብሉ ሰለስተ ዓበይቲ መንደራት ኣብ 42 ሽሕ ትርብዒት ካሬ መሬት ንምህናፅ ፕሮጀክት ቀሪፆም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊፆምልና።

መስረትቲ እቲ ማእከል፡ እዚ ንክገሃድ ግን፡ ዝወደቐ ሰብ ዘይረኣየሉ ዓዲ ንምፍጣር ፡ ውልቀ ሰባት፣ ሰብ ሃፍቲን ኣካላት መንግስትን ግደኦም ከበርክቱ ብስም ስድራ ፍሬምናጦስ ይምሕፀኑ።