እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቬትናም፡ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሃደነት ዓመት-1968
እቲ ሰብኣይ ቅመም ጸብሒ [ሶያ ሶስ] ንምዕዳግ ናብ ሓደ ሹቕ መጽአ። ነርስን ሰራሕተኛ መዋልዳንን ትራን ታይ ናጊ፡ ኣብቲ ንሱ ዝመጽአሉ መዓልቲ [ንጉሆ ነይሩ]፡ ኣብ ደቡብ ቬትናም ዝርከብ ሹቕ ስድርኣ ትሕሉ ነይራ።
እዋኑ፡ ክረምቲ 1967 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኮይኑ ሓይልታት ደቡብ ቬትናም ምስ ኣሜሪካን መሻርኽታን ብሓባር፡ ኮሚኒስት ሰሜን ቬትናም ንምጥፋእ ሓይሎም ዘስፋሕፍሕሉ እዋን ነይሩ።
እዚ ሰብ ኣብ ዕጥቁ ቦንቧን ጠመንጃን ተዓጢቑ መጺኡ ኣብቲ ሹቕ ምስ ኣተወ፡ ገንዘብ ኣውጽአ።
ትራን ነቲ ዝዘርግሖ ገንዘብ ክትቕበል ምስ እትብል፡ ብኢዳ ጸኒሑ ድማ ብጸጉራ ጎቲቱ ናብ ጓዳ እቲ ሹቕ ኣእተዋ። ኣብኡ ድማ ዓሚጹዋ።
"ህይወተይ ዘብቅዐት መሲሉ ተሰሚዑኒ" ትብል ትራን። ድሕሪ እቲ ካብ ትጽቢታ ወጻእ ዝነበረ ኣጋጣሚ ክትገብሮ እትኽእል ነገር፡ ሓይላ ኣኻኺባ ጠንኪራ ምስራሕ ነበረ።
ከብዳ እናተነፍሐ ክብደታ ድማ እናወሰኸ ምስ ከደ ግን፡ ነፍሰ-ጹር ምዃና ፈሊጣ።
ካብ ሓዳር ወጻኢ ምውላድ ነውሪ ስለ ዝነበረ፡ ስድርኣ በዚ ሰንቢዶም ንነብሶም ኣብ ጉድጓድ ክሓብእዋ ተመነዩ።
ማሕበራዊ ልምዲ ህዝቢ እታ ሃገር ብፍልስፍና ኮንፉሽየስ ዝተጸለወ ስለ ዝነበረ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ክሳብ ዝምርዐዋ ደናግል ክኾና ትጽቢት ይግበረለን።
"ወለደይ በዚ ሓሪቖም 'ካብ ሓዳር ወጻእ ዝጠነሰት' ኢሎምኒ፤ ክሳብ ዝህሰ ሃሪሞምኒ። ሽዑ ክነብር ኣይደለኹን፡ ኣይተርኣየንን'ውን። ብውሽጠይ ዝሞትኩ እዩ መሲሉ ዝስምዐኒ ዝነበረ" ትብል ትራን።
ብዙሕ ግዘ፡ ንነብሳ ክትቐትል ፈቲና ኣይኮነላን። በዚ ምኽንያት፡ "እቲ ጥንሲ ንዓይ ዝቃለሰለይ ዘሎ ይመስለኒ ነይሩ" ትብል።
ወለዳ፡ ንሓደ ዓመት ሙሉእ ቀጥቂጦምዋ፤ ብለካቲት 1968 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ቖልዓ ወሊዳ ምስተገላገለት ግን፡ ንዓኣ ምህራም ደው ኣቢሎም።
ጽብቕቲ ቖልዓ ወሊዳ ምስ ሰዓመት ዝተሰምዓ ታሕጓስ ብዙሕ ሓቢሩዋ ኣይዘለቐን፤ ብጭንቀት ክትቕንዞ ጀሚራ።
"ጓለይ ከመይ ኢላ'ያ ክትዓቢ ዝብል የጨንቐኒ ነይሩ፤ ገንዘብ ካበይ ይረክብ፣ ናብ ስራሕ'ከ ከመይ ኢለ ይምለስ ዝብሉ ነገራት የጨንቑኒ ነይሮም"።
ኦናህ፡ ንጓላ ዘውጽኣትላ ሽም እዩ፤ ኪም ድማ ሽም ኣቦ ናይቲ ዝዓመጻ ወተሃደር።
እቲ ዝዓመጻ ወተሃደር ኣሜሪካዊ ወይ ቬትናማዊ ኣይኮነን፤ ደቡብ ኮርያዊ'ዩ ነይሩ። ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ["ሮክ ታይገርስ"] ኣብ ዞባ ኲ ንሆን ደቡብ ቬትናም ይዋግኡ ነይሮም።
ትራን ምስ ወለደት ብዙሕ እንከይጸንሐት፡ ኪም ንዓኣ ደልዩ መጺኡ ረኸበቶ።
"ዋላ ሓንቲ ቃል ብጭው ኣይበለን፤ ንሓደ ወይ ክልተ ደቒቕ ደው ኢሉ ጸኒሑ፡ ከይዱ" ትብል።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ፡ ካልእ ደቡብ ኮርያዊ ወተሃደር መጽአ። እዚ ወተሃደር፡ ትራንን ጓላን ኪም ናብ ዘለሉ መበል 28 ኣሃዱ ክወስዶም ተላኢኹ እዩ መጺኡ።
እቲ ኣቦ ጓላ ዝርከበሉ መዓስከር ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ድማ፡ ካብታ እትነብረላ ከተማ ኣዝዩ ርሑቕ ነበረ።
እዛ ብሕንከት ንርእሳ ዘግለለት ጓል ኣንስተይቲ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበራን፤ በታ ክትወስዳ ዝመጽአት መኪና ተሳፊራ ከይዳ፡ ክልተ ዓመት ሙሉእ ምስቲ ዝዓመጻ ሰብኣይ ክትነብር ተገደደት።
እዚ ኹሉ እዋን፡ ብፍርሒ ተሸሚማ እያ ኣሕሊፋቶ፤ ንህይወታን ህይወት ውላዳን ትፈርሕ ነይራ።
"ኣብቲ ቦታ ፍቕሪ ዘይኮነ፡ ሓይልን ዓመጽን ጥራይ'ዩ ነይሩ" ትብል።
ኪም ካብቲ ዝነበሮ ወተሃደራዊ መዓስከር ናብ ካልእ ቦታ ቅድሚ ምዝውዋሩን ዳግም ቅድሚ ምግፍዓን ትራን፡ ካብ ኪም ካልእ ቖልዓ ወለደት።
ኪም ዳግም ብጻዩ ክሳብ ዝልእኸላ ደቃ ንክተዕቢ ወለዳ ናብ ዝነብርሉ ፒሁ ሂፕ ናብ ዝተብሃለ ከባቢ ተመሊሳ፡ ክንዲ ዝኸኣለቶ ክትሰርሕ ላዕልን ታሕትን ምባል ናብርኣ ኮነ።
እዚ ሕጂ ክወስዳ ዝመጽአ ፓርክ ኢላ እትጽውዖ ወተሃደር ግን ተሓጋጋዛይ ይመስል።
"ኣነ ስራሕ ክሕዝ እንከለኹ፡ ንሱ ደቀይ ይሓቑፎም፣ ይምግቦም ነይሩ"።
ሓደ መዓልቲ ግን ፓርክ'ውን ተጋሰሳ። ድቂ ቛጸረት፤ ወዲ ተባዕታይ ድማ ኮነ።
በዚ ምኽንያት፡ ሓደ ኣብ ርእሲ እቲ ሓደ እናተደረበ ምስ መጽአ፡ ማሕበራዊ ክብሪ ስድራቤታ ዶዃዕዃዕ በለ።
"ኣብቲ ከባቢ ምንባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮነ፤ ጎረባብቲ ኣግሊሎምኒ፣ ንቬትናማውያን ክቐትሉ ካብ ዝመጽኡ ኮርያውያን ሰብኣይ ሒዛ ኢሎም ኣጸለሙኒ" ትብል።
ስድርኣ፡ ካብቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ ወጺኦም ናብ ካልእ ዞባ እታ ሃገር ከዱ፤ እንተኾነ ትራን ጽላሎት እቲ ዝተቐንጠጠ ክብራ ይስዕባ ነበረ።
"ሰባት ክላለዮም ከለኹ 'ናጊ' እበሃል እንተይለዮም፡ ኦ! ወይዘሪት ናጊ! ጽብቕቲ ግን ድማ ሰብኣይ ዘይብላ እዮም ዝብሉኒ"።
ዘዝጠነሰቶም ስለ ምንታይ ዘየውረድክዮም ኢሎም ይሓቱዋ። ከም በዓልቲ ሞያ መዋልዳን ግን እዚ ጉዳይ ከም ዘይትቕበሎ ትነግሮም።
"ሞያይ ኣደታት ክወልዳ ምሕጋዝ'ዩ፤ እቶም ዝተወለዱ ቖልዑት ምሕብሓብ፣ ምሕቛፍ፣ ዕትብቶም ቖሪጽካ ምሕጻብ እዩ ስርሐይ። ስለዚ፡ ከመይ ኣቢለ ናይ ባዕለይ ቖልዑት ምጥፋእ ክሓስብ ይኽእል?" ትብል ብሓዘን ድምጻ ሕንቕንቕ ዝብል ዝነበረ ትራን።
እቲ ዝጠፍአ ህይወት
ትራን ቦኽሪ ጓላ ኣብ ዝወለደትሉ ተመሳሰሊ ወርሒ፡ ህይወት ጓል 11 ዓመት ኑግየን ታይ ታንህን'ውን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ተቐይሩ።
ንጉሆ 25 ለካቲት 1968 ዓ.ም፡ ንሳ ካብ እትነብረላ ገጠር ከባቢ 'ሃ ማይ' ቑሩብ ርሕቕ ኢሉ ካብ ዘሎ ከባቢ ኣውያት ትሰምዕ።
እዚ ቦታ ካብታ ሕጂ ናይ በጻሕቲ ዓዲ ከተማ ኮይና ዘላ ሆይ ኣን ዝርሕቕ ኣይኮነን፤ ሰማይ ዝኸድን ሃልሃልታ'ውን ትርኢ።
እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ዝብል ክትርኢ ምስ ከደት፡ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ሽጉጥ ኣነጻጺሮም ደው ኣበሉዋ።
ሃዲማ ናብ ገዝኣ ተመሊሳ እቲ ከባቢ ብወተሃደራት ተኸቢቡ ምህላው ንኣዲኣ ሊ ታይ ቶ ተዛሪባታ።
"እዚኣ ኢለ ውድእ ከብል፡ ማዕጾ ሰይሮም ናብ ገዛና ኣትዮም" ትብል።
ድሓር ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ እቶም ወተሃደራት 'ዲቪዥን ብሉ ድራጎን' ዝተብሃለ ፍሉጥ ናይ ደቡብ ኮርያ ሓይሊ ባሕሪ ኣባላት ከም ዝነበሩ ይሕብሩ።
ኣብቲ ገዛ ንዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ምስ ውላዳ፣ መሓዛ ምንኣስ ሓዋ ሓዊሱ ሙሉእ ስድራ ኣብ ቐጽሪ ገዝኦም ናብ ዝርከብ መሕብኢ ትሕቲ ምድሪ ክኣትው ኣዚዞምዎም።
ወዲ ሓትንኣን፣ ሓትንኣን ሓዊሱ ንኡሽቶ ቦንቧ ደርብዮም ድማ ቐተሉዎም።
ኣዲኣ፡ ንሓዋን ንዓኣን ንምድሓን ትጽዕር ከም ዝነበረት ትዝክር፤ "ኣደይ፡ ጓለይ ተወዲእና እናበለት ትበኪ ነይራ። መላእ ሰብነተይ ክነድድ ጸኒሑ፡ ደሓር ደንዚዙ። ናይ ካልኦት ሰባት ደም ኣብ ዝባነይ ክውሕዝ ይርእይ ነይረ" ትብል ኑግየን።
ወዲ ሸሞንተ ዓመት ሓዋ ሓንቲ እግሩ ስኢኑ፤ ኣብ ሕክምና ረድኤት ክረክብ ጸኒሑ፡ ግን ሞይቱ።
ኑግየንን ሓትንኣን ጥራሕ ከቢድ መጉዳእቲ በጺሑወን ካብቲ መዓት ብህይወት ክተርፋ ዕድል ረኸባ።
እቶም ወተሃደራት፡ መንበሪ ገዛ ኑግየን'ውን ኣንዲዶምዎ እዮም ከይዶም።
"ጠራዕራዕ ዝብል ድምጺ እቲ ዝነድድ ዝነበረ ሸምብቆ ይሰምዕ . . . ትኪ'ውን ይሸተኒ ነይሩ"።
ኣብታ ዕለት ልዕሊ 135 ነበርቲ ሃ ማይ ተቐቲሎም፤ 10 ዝኾኑ ሰባት ጥራሕ ግን፡ ብህይወት ክተርፉ ክኢሎም ትብል።
ቅድሚኡ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ፡ ኣባላት ቬትኮንግ [ኣብ ደቡብ ቬትናምን ካምቦዲያን ዝነበረ ዓብዪ ፖለቲካዊ ውዳበ ብሄራዊ ግንባር ሓርነት] ደልዮም ናብታ ዓዲ ይመጽኡ'ኳ እንተነበሩ፡ 25 ለካቲት 1968 ግን፡ ስለ ምንታይ ዝተፈለየት መዓልቲ ኮይና?
"ኣብዛ ዕለት እዚኣ ስለ ምንታይ ተጻባእቲ ኮይኖም ዝብል ኣይንፈልጥን፤ ናይ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ወርሒ ቆልዑት ከይተረፈ ይቐትሉ ነይሮም" ትብል።
እዛ ዕለት፡ ኣብ ኲናት ቬትናም መቐይሮ ነጥቢ ዘምጽአት ምዃና ጥራሕ'ዩ እቲ ዝፍለጥ።
ብወርሒ ጥሪ፡ ሰሜን ቬትናምን ቬትኮንግን ብሓባር ኣንጻር ደቡብ ቬትናማውያን፣ ኣሜሪካን መሻርኽታን ከቢድ ደማዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቶም።
ነዚ ዝመጽአ ግብረ መልሲ ግን ከቢድ ነይሩ፤ ኣብ ለካቲት 1968፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ጨፍጫፍ ማይ ሊ፣ ጾታዊ ዓመጽን መቕተልትን ብምፍጻም ሕነ ፈድዮም።
ኑግየን፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ በጹሑዋ ስለ ዝነበረ ኣብ ዳ ናንግ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዳ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ሃ ማይ ዝተፈጸመ ቕትለት ኣይርኣየቶን።
እቶም ወተሃደራት ተመሊሶም መጺኦም ተሪፉ ዝበሉዎ ኩሉ የዕንው ምንባሮም ግን ሰሚዓ እያ።
ኣብቲ ናይ 20 ዓመት ኲናት ቬትናም ብኣሜሪካ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ይቕሬታ ተሓቲቱ ኣይፈልጥን፤ ግን ድማ ገበን ኲናት ከም ዝተፈጸመ ብምእማን ካሕሳ ክወሃብ ተገይሩ'ዩ።
ሕጂ ምስ ቬትናም ጥቡቕ ቑጠባዊ ዝምድና ዘለዎ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ግን፡ ኣብቲ ኲናት ንዝነበሮ ተራ ኣብ ምግምጋም ክተሓባበር ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ደቡብ ኮርያ፡ 320 ሽሕ ወተሃደራት ልኢኻ እያ ተባሂሉ እዩ ዝእመን።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ፡ ናብ ኑግየንን ካልኦት 102 ብህይወት ዝተረፉ ውጻእ መዓትን፡ ደብዳበ ልኢኹ ነይሩ።
እዚ ደብዳበ፡ ወተሃደራቱ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፈጸሙዎ ቕትለት ከም ዘለየለ ብምግላጽ፡ እቲ ግፍዒ ብወተሃደራት ቬትናም ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ሓቂ ከጻርዩ መርመራ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ንክተሳኽዕ ግን ኣጸጋሚ'ዩ።
መልሲ ኣብ ምድላይ
እቲ ሓቂ ፈልፊላ ክተውጽእ ናይ ባዕላ ልኡኽ ዝወሰደት ጓል ኣንስተይቲ፡ ደቡብ ኮርያዊት ኩ ሱ-ጆንግ እያ።
ኣብ 1990ታት ኣብ ዙርያ ታሪኽ ቬትናም ሳልሳይ ዲግሪ ከተጽንዕ እንከላ፡ ካብ ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቬትናም ሓደ ሰነድ ረኺባ።
እዚ መንግስታዊ ሰነድ፡ ብዛዕባ ደቡብ ኮርያውያን ዝፈጸሙዎ ግፍዕን ጨፍጫፍን ዝርዝር መረዳእታ ዝሓዘ እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ቅዳስ ዘይጸደቐ ሰነዳት ካብ ሓላፊ መንግስቲ ቬትናም ብናጻ ረኺባ፤ ን20 ዓመታት ድማ ናብ ዓድታት ቬትናም ብምኻድ ምስቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት እናተራኸበት ኣሕሊፋቶ።
ንሳ፡ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ብዝፈጸሙዎ 80 ዝበጽሕ ጨፍጫፍ፡ ኣስታት ትሸዓተ ሽሕ ደቡብ ቬትናማውያን ሞይቶም'ዮም ኢላ ትኣምን።
ኩ፡ ብዙሓት ሰባት እቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ብቤት-ፍርዲ ክርኣየሎም ከም ዝደልዩን ሓላፍነት ዝወስደሎም ኣካል ዘይተረኽቦም ተወሰኽቲ ሞት ከም ዘለውን ትገልጽ።
"ክሳብ ሕጂ ናብ ዓዶም ከይደ ክሓቶም ዝደልዩ ሰባት ይድውሉለይ'ዮም" ትብል። እዚ ን20 ዓመታት ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ብናይ ባዕላ ወጻኢ እዩ።
ውጽኢት እቲ ዘካየደቶ መጽናዕቲ ኣብ ጋዜጣ ኣርቲክል ደቡብ ኮርያ ብወርሒ ሚያዚያ 1999 ምስ ተሓተመ ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ኣብ 50ታት ዝርከቡ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑ ኣስታት 2 ሽሕ ገዳይም ወተሃደራት፡ ኣብ ፊት ኣብ ሴኡል ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት እቲ ጋዜጣ ተረኺቦም ነይሮም።
እዞም ተቖጢዖም ዝመጽኡ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት-ጽሕፈት ጉድኣት ብምብጻሕ፡ መንበሪ ገዝኣ ከም ዘዕነውዎ ትዛረብ።
በዚ ምኽንያት፡ ንሳን ኣዲኣን ዝሓሸ ድሕነት ናብ ዝረኽባሉ ቦታ ክኸዳ ከም ዝተገደዳ ገሊጻ።
ማሕበር ገዳይም ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ'ውን፡ ብምጥቃንን ብምትልላን ከሲሶምዋ፤ ግን ክልቲኡ ክሲ ውድቂ ኾይኑ።
ኣብ ሃ ማይ ንዝተቐተሉ ስድራ ንጉየን ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ነጺርካ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኮነን።
ርዩ ጂን-ሳንግ ዝተብሃለ ወተሃደር ነበር ግን፡ ኣብ ሃ ማይ ቅድሚ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ንዝተፈጸመ ተመሳሳሊ ግፍዒ፡ ንሱ ዝነበረሉ ክፍለ ሰራዊት ሓላፍነት ከም ዝወስድ ተዛሪቡ።
ካብ ሃ ማይ ቁሩብ ኪሎሜትር ርሒቕ ኢለን ካብ ዝነበራ ፖንግ ንሂን ፖንግ ንሃትን ዝተብሃለ ክልተ ዓድታት ጥይት ክትኮስ እንከሎ፡ ርዩ ኣብ ወተሃደራዊት መኪና እዩ ነይሩ።
እቲ ንሱ ዝነበረሉ ኩባኒያ ድማ፡ ሰለስተ ኣሃዱታት ብምልኣኽ ኣብ ልዕሊ እተን ዓድታት ሕነ ዝፈዲ መጥቃዕቲ ብሰለስተ ኣንፈት ክፍጸም ገበረ።
ሓደ ዘይተዓጠቐ ብጻዩ ብጥይት ተሃሪሙ ምስ ሞተ ርዩ ዝነበራ ኣሃዱ ካብቲ መጥቃዕቲ ክትወጽእ ተገዲዳ።
ኣብቲ ዕለት፡ ብጾቱ ቖልዑትን ሓንቲ ሰበይትን ከም ዝቐተሉ ክዛረቡ ሰሚዑ፤ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ድማ ሬሳ እቶም ግዳያት ኣብ ማእኸል ጽርጊያ ተሰጢሑ ርኣዮ።
"ኣብቲ ቦታ ክንበጽሕ እንከለና ብዙሕ እኩብ ሰብ ነይሩ፤ ንዓና ምስ ርኣዩ ኣብ ርእሴና ኣእውዮም። ኣዒንቶም ናባይ ክጥምታ ምስ ረኣኹወን፡ ዝቐትሉኒ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ። ክሃድም በራሚል ይጥቀም ነይረ። ሬሳታት ርእየ፣ ዝሓዘኑ ስድራቤታት'ውን ርእየ። ክሳብ ሕጂ ካብ ሕሊና ኣይጠፍእን" ኢሉ።
ኣብ ዓድታት ቬትናም ዝኾና ፖንግ ንሂን ፖንግ ንሃትን ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ዝክሕዱ ሰባት ድማ፡ ሓበሬታ የብሎምን ወይ ድማ እቲ ሓቂ ንክቕበሉ ድሉዋት ኣይኮኑን ይብሎም።
ቢቢሲ፡ ጓል 63 ዓመት ኑጉየንን ርዩን፡ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝርከብ ሓደ ሬስቶራንት ክራኸቡ ገይሩ'ዩ።
ክልቲኦም፡ ርዩ፡ ኣብ ፖንግ ንሂን ፖንግ ንሃትን ጥይት ተተኲሱዎም ብዝሞተ ብጻዩ፣ ንጉየን ድማ ብንኡሽቶ ሓዋ ብዝርኣዩዎ ጨፍጫፍ ብዙሓት ቬትናማውያን በዚ ኲናት ከም ዝሰንበዱን፡ መልኣከ ሞት ይሃድኖም ዘሎ ከም ዝመስሎምን ይገልጹ።
ቁሩብ ኣብቲ ኲናት ብዛዕባ ዝነበሩ ታሪኻት ምስ ኣውግዑ፡ ርዩ ኣቐድም ኣቢሉ ኣዳሊዩዋ ዝነበረት ሓንቲ ሓረግ ኣንበበላ፤ "ይቕረታ" ኢሉዋ።
ንጉየን፡ ሕራይ ንምባል ርእሳ ጥራሕ እያ ነቕኒቓትሉ። ካብቲ ሬስቶራንት ምስ ወጽአት፡ ቁሩብ ሩፍታ ከም ዝተሰምዓ እንተገለጸት'ውን፡ ደበብ ኮርያ ግን ወግዓዊ ይቕረታ ክትሓትት ትጽበ።
ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህብ ብቢቢሲ ዝተሓተተ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ፡ ክልቲኤን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ካብ ዝጀመራሉ 1992 ጀሚሩ፡ "ክልትኣዊ ምሕዝነተን ንመጻኢ ዘተኮረ ንክኸውን ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸሙ ሕማቓት ትዝታታት ንድሕሪት ብምግዳፍ፡ ንቕድሚት ንክጓዓዛ ብዘኽእለን መገዲ ቃንየን፡ ክልትኣዊ ምሕዝነተን ንምዕባይ ቀጻሊ ጻዕሪ ይገብራ እየን ዘለዋ" ዝብል ናይ ጽሑፍ መልሲ ሂቡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ቬትናም ዝዓበየ መዋእለ ንዋይ እተውፍር ሃገር እያ።
ከም ሳምሰንግን ኤልጂን ዝበሉ ሃፋትም ኩባኒያታት ደቡብ ኮርያ ኣብ ቬትናም ብቢሊዮን ዶላር ዝግመት ኢንቨስትመንት ኣለዎም።
ንፈለማ እዋን ኣካታዒ መጽናዕታዊ መረዳእታ ኩ ሱ-ጆዮንግ ዘሐተመ ደቡብ ኮርያዊ ጋዜጠኛ ኮህ ክያንግ-ታኢ፡ ኣረሜናዊ ተግባር ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ፡ እታ ሃገር ግዳይ ምዃን ምስ ዝብል ዘለዋ ኣመለኻኽታ ዝሳነ ኣይኮነን ይብል።
"ንሕና ኮርያውያን ታሪኽ 5 ሽሕ ዓመት ዘለና ኢና ንብል፤ ኩል ግዘ ድማ ግዳያት ኢና ነይርና። ብጃፓን፣ ቻይና፣ ሞንጎሊያ . . . ተገዚእና ኢና፤ ተጻዊርናዮ ኽኣ። ኣባና ዘሎ ኣተሓሳስባ ግን በዘን ሃገራት ምግዛእ ሓበን ኮይኑ ከም ዝስምዓና ኢና ተሰቢኽና"።
ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ጃፓን ኣማኢት ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ኮርያ ብጊልያነት ጾታዊ ርክብ ከገልግላ ብምግባራ፡ ጃፓን ይቕረታ ንክትሓታ ንዓሰርታት ዓመታት ክትምሕጸን ጸኒሓ እያ።
ሓደ እዝና ጸሚማ ዘላ ኑግየን ድማ፡ መላእ ኣካላታ ዝቖሳሰለ ስለ ዝኾነ ኣዝያ ትፈርሖ፤ ሃገራ [ቬትናም] እዚ ጉዳይ ዕሽሽ ብምባላ ድማ ትሓዝንን ትነቕፋን።
መንግስቲ ቬትናም፡ ቢቢሲ ሰነዳዊ ምድላው ንክስእል ዝሓተቶ ፍቓድ ኣይተቐበሎን።
"ቬትናም ምስ ደቡብ ኮርያ ዘለዋ ክልትኣዊ ርክብ ከይበላሸዋ ስለ እትሰግእ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ነገር መብርሂ ክህቡ ኣይደልዩን" ኢላ ኑግየን።
ናብታ መጀመርታ እዚ ዛንታ ዝኾነት ትራን ታሂ ናጊ ንመለስ። ሕጂ ጓል 79 ዓመት ኮይና፡ ሕጂ'ውን ብዛዕባ እቲ ኲናት እናሓሰበት ግዝኣ ተሕልፎ።
ደቃ፡ ዕድሚኤን ሙሉእ ካብ ቬትናምን ኮርያን ንዝተወለዱ ቖልዑ ብዝበጽሕ ዓመጽን ኣድልዎን እናበጽሐን ከም ዘሕለፍኦ ትዛረብ።
ኣቡኣ፡ ካብ ደቡብ ኮርያ ክትወልድ ፈቒዱ ብዝብል ኣብ 1977 ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር እናሃለወ ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ ማህረምቲ ይወርዶ ስለ ዝነበረ፡ ሞይቱ።
ትራን ንባዕላ'ውን፡ ካብ 1975 ክሳብ 1978 ኣብ ዘሎ ግዘ፡ ሰለስተ ግዘ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ኣቲያ ተኣሲራ።
"ንዝሓለፍናዮ ኩሉ ይቕረታ ዝብል ነገር ዝክሕሰና'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዙሕ ትርጉም ግን ኣለዎ" ትብል ኑግየን ታሂ ትሃንህ።
ጉጅለ ፍትሒ ቬትናም፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንዝበጽሐን በደል ይቕረታ ክሕተታ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።
ካብዘን ግዳያት ዝተወልዱ ኣስታት 800 ቖልዖት ብህይወት ከም ዘለው ይግመት።
ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ጎስጎስቲ እዚ ጉጅለ ፍትሒ ወዳ ንትራን ታሂ ናጊ ዝኾነ ትራን ቫን ቲ ኮይኑ፡ ደቡብ ኮርያዊ ኣቦ ስለ ዘለዎ ካብ ቤት-ትምህርቲ ክምለስ እንከሎ ተሃሪሙ እዩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣኒያ ዝነበረ ዓለም-ለኻዊ ኣምባሳደር እዚ ጉጅለ ጃክ ስትራው፡ እቲ መስርሕ ይቕረታ "ብዝግባእ እንተተታሒዙ" ከበላሹዎ ዝኽእል ክልትኣዊ ርክብ እዘን ሃገራት የለን ኢሉ ይኣምን።
"ቬትናምን ደቡብ ኮርያን ኣብ ሕሉፍ ዝኾኑ ነገራት ገዲፈን ንቕድሚት ክኸዳ ተሰማሚዐን'የን፤ እዚ ኽኣ ይርድኦ። ግን ኣብ ገለ መስርሓት ንቕድሚት ንክትኸይድ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸሙ ነገራት መዕለቢ ክረኽቡ ክግበር ኣለዎ" ይብል።
እዚ ጉጅለ፡ ክሳብ ሕጂ ብቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃሃገራት ምጽራይ ክካየድ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።
ውጻእ መዓት እቲ ብወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ዝፈጸመ ጨፍጫፍ እውን፡ ኣብዚ ወርሒ [መጋቢት] ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ክሲ ንምምስራት ዘኽእሎም ሕጋዊ ሰነዳት ኣዳልዮም ይርከቡ።
ዳያኑ ቤት ፍርዲ፡ እቲ መስርሕ ኽሲ ክቕጽል ይኽእል እዩ እንተኢሎም፡ ኣብ መጀመርታ እዋናት ክረምቲ እዚ ዓመት መጋብኣያ ክኽፈት እዩ፤ ግን ድማ ነዊሕ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይግመት።
ብታሪኽ ኣደን ወድን ታሂ ናጊን ወዳን ዝተለዓዓለት ኢንግሊዛዊት ቐራጺት ሬቤካ ሃውኪንስ ድማ፡ እዚ ብነሓስ ዝተላዕቆጠ ቅርጺ "ኣደን ወድን" ሰሪሓ።
መወዳእታ ፍትሕን ፍርድን ዝርከበሉ መዓልቲ መዓዝ እዩ ዝብል ግን ብንጹር ኣይፍለጥን።