ህንዲ፡ ኣርባዕተ ጥርጡራት ጾታዊ ዓመጽ ብፖሊስ ተቐቲሎም

ፖሊስ ህንዲ ብጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት ቐቲሉ።

እቶም ጥርጡራት ናብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ምስተወሰዱ፡ ካብቶም ፖሊስ ኣጽዋር መንዚዖም ክሃድሙ ምስፈተኑ እዮም ተቐቲሎም።

ሬሳ እታ ጓል 27 ዓመት ግዳይ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ፖሊስ ስጉምቲ ኣይወስድን ብዝብል ምኽንያት ተቓውሞታት ክገጥሞም ጸኒሑ።

ፖሊስ ኮምሽነር ሳይብራባድ ቪሲ ሳጃናር፡ እቶም ጥርጡራት እቲ ገበን ብኸመይ ከምዝፈጸምዎ ንኽርእዩ ናብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ከባቢ ከምዝተወሰዱ ይዛረብ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ጥርጡራት ካብ ፖሊስ ብረት መንዚዖም ክሃድሙ ከምዝፈተኑን፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ፖሊስ ድማ ጉድኣት ከምዘውረዱን ተገሊጹ።

ሞት እቶም ጥርጡራት ዝሰምዑ ስድራ-ቤትን ጎረባብትን እታ ግዳይ፡ ኣብ ጎደናት ብምውጻእ ሓጎሶም ከም ዝገለጹ ቢቢሲ ተሉጉ ሓቢሩ።

''መግለጺ ቃላት የብለይን፤ ደስ ኢሉኒ፤ ግን ድማ ጓለይ ተመሊሳ ስለዘይትመጽ እሓዝን'' ብምባል ኣዶ እታ ግዳይ ገሊጻ።

ብተወሳኺ፡ ሕጊ ጾታዊ ዓመጽ ክተርር ከምዝግባእ ተዛሪባ።

''ደቂ ተባዕትዮ ናብ ደቂ ኣንስትዮ ምፍጣጥ ክፈርሑ ኣለዎም፡ መቕጻዕቲ ስለዝወርዶም''

በቶም ፖሊስ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ናእድኦም ይገልጹ ኣለው።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2012 ጓላ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝኾነት ሓንቲ ኣዶ ''በቲ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ዝወረደ ስጉምቲ ሕጉስቲ እየ፤ እቶም ፖሊስ ጽቡቕ ገይሮም'' ብምባል ተዛሪባ።

ልዕሊ 2 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት 'ውን ንጎደናታት ብምዕጻው፡ ነቶም ፖሊስ ዝምጉስ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸበት ወኪል ቢቢሲ ቱጉሉ ሓቢራ።

እታ ግዳይ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ካብ ገዝኣ ምስወጸት ከምዝጠፍአትን፡ ድሃያ ስኢኖም ንፖሊስ ዝሐበሩ ስድራ-ቤታ እኹል ምትሕብባር ከምዘይተገበረሎም ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ህንዲ፡ ኣብ 2017 ጥራይ ኣስታት 33,658 ክሲታት ዓመጽ፡ ማለት መዓልታዊ 92 ክሲታት ተመዝጊቦም ከምዝነበሩ መንግስታዊ ጽብጻባት ይሕብሩ።