እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንደቂ ኣንስትዮ ተኸልኪሉ ናብ ዝጸንሐ፡ ቅዱስ ጎቦ ህንዲ ንፈለማ እዋን ዝደየበት ጓል-ኣንስተይቲ
ኣብ ህንዲ ብምኽንያት እምነት ደቂ ኣንስትዮ ከይድይብኦ ተኸልኪሉ ዝጸንሐ ጎቦ፡ ንፈለማ ግዜ ጓል-ኣንስተይቲ ከም ዝደየበቶ ተፈሊጡ።
እዛ ዳንያ ሳነል ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ካራላ ዝርከብ ጎቦ ክትድይብ ዝኸኣለትሉ፡ በቲ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ወሳነ ቤት-ፍርዲ ኢዩ።
ደቂ እቲ ከባቢ ንምስሊ ሂንዱ ምስ ንጽህና ሰለዘተሓሓዝዎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንኸይድይባ ይኽልክሉ ነይሮም።
እንተኾነ ግን፡ እዛ ጓል 38 ዓመት ጓለንስተይቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብደቂ እቲ ከባብን ብካልኦት ንምድያብ ደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ቅዱስ ቦታ ዝኽልክሉ ተቓወምትን ከም ዘይተዓግተት ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2018፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝቐረበ ቅሬታ፡ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ከራላ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ 1868 ሜትሮ ዝቁመቱ ጎቦ ክድይባ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።
እዚ ጎቦ ካብቶም ዝበረኹ ከባቢታት ካራላ ኮይኑ ብዙሕ ሂወታውያን ዝነብሩሉ ሕዛእቲ ኢዩ።
እቲ ጎቦ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ኮይኑ፡ ኣብ ቅርቅርቲ'ቲ (ጫፍ) ጎቦ ንክትበጸሕ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ከም ዝወስድ'ውን ይሕብሩ።
ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ከም ዝገለጽዎ ልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ንኽድይባ ተመዝጊበን ከም ዘለዋ ሓቢሮም።
እምነት ህንዲዊዝም ኣብ ጸግያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይንጹሓት ተገይሩ ስለ ዝወስድ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ስርዓተ ኣምልኾ ከይሳተፋ ይኽልክል።
መብዛሕትኡ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ሂንዱ ቤተ-መቅደስ እንተኣትየን፡ ብዙሕ ተቃውሞን መጥቃዕታትን ከም ዘወረደን ይሕበር።