እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ከስዕብ ይኽእልዶ?
ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ናይ ምርኣይ ዓቕሙ ጸቕጢ ከም ዝፈጠረሉ ይገልጽ።
"ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት መነጽር ክገብር ተገዲደ ኣለኹ" ይብል።
ክፍሊ ሕክምና ዓይኒ ኮለጅ ሮያል ብተመሳሳሊ፡ እቲ ቫይረስ ዘተረኸቦም ሰባት ኣብ ዓይኖም ምልክታት ከምዝተረኣዩዎም ምግላጾም ሓቢሩ።
ኮሮናቫይረስ፡ ልክዕ ከም ጉንፋዕን ሰዓልን ዝኣመሰሉ ረኽሲታት ኣካላት ስርዓት ምትንፋስ፡ ንዓይንና ኣብ ዝኸድን ረቂቕ ሽፋን ቀጭቀጭታ ክፈጥር ይኽእል እዩ።
እዚ ነድሪ ድማ ጻዕዳ ዓይንና ቀይሕ ደም ዝቛጸረ ክመስል ይገብሮ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነዚ ናይ ዓይኒ ጸገም ምስቶም ከም ሰዓል፥ ረስኒ፥ ናይ ጣዕሚ ወይ ጨና ተኽእሎ ምስኣንን ዝኣመሰሉ ምልክታት ኮሮናቫይረስ መዝጊብዎ ኣሎ።
ዓባይ ብሪጣንያ ግን ምስ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ኣይመደበቶን።
መብዛሕትኡ ነድሪ፡ ምንባዕ ዓይኒ ወይ ናይ ዘይምምቻው ስምዒት እምበር ቃንዛ ዘለዎ ኣይኮነን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ክኢላ ዓይኒ ዝኾነ ፕሮፌሰር ሮበርት ማክላረን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ኮሮናቫይረስ ዝተበገሰላ ከተማ ዉሃን ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ከም ምሕባጥን ምዕንቋልን ዓይኒ ዝበሉ ጸገማት ብብዝሒ ተራእዮም ምንባሮም ይገልጽ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ድማ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ከስዕቡ ስለዝኽእሉ፡ ዝተጠቕዑ ሰባት መኪና እንተሽከርክሩ ክጥንቀቑ ከምዝግባእ ይሕብር።
ብኣንጻሩ ወሃቢ ቃል ሆስፒታል ዓይኒ ምክርፊልድስ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ምልክታት ኣብ ውሑዳት ከምዝረኣዩን፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዙ ምዃኖም ንምርግጋጽ ተወሳኺ መረዳእታ ከምዘደሊን ይገልጽ።
ብቫይረስን ባክተርያን፡ ነድሪታት አዐርዮም ተላገብቲ እዮም፡፡
ኮሮናቫይረስ ካብ ኣፍን ኣፍንጫን በተወሳኺ ብዓይንና ኣቢሉ ክኣቱ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና አዒንትና ምኽንያት ምትሕልላፍ ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ግና ኣይተረጋገጸን።
ኣብ ጣልያን ዝተረኸበት ጓል 65 ዓመት ፈላሚት ተጠቃዒት ኮሮናቫይረስ፡ ምልክታት ነድሪ ዓይኒ (Conjunctivitis) ተራእዩዋ ምንባሩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ንብዓታ ዝተወሰደ ናሙና ድማ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦ ተሓቢሩ እዩ።