እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክዳን ውሽጠን ከውጽኣ ተገዲደን
ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ ክፈለ ሃገር ጉጃራት፡ ኣብ ኣሕዳሪት ኮለጅ ዝነበራ ተምሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ወርሓዊ ጽግያት እንተልዩወን ንምርግጋጽ፡ ሙታንትኣን ኣውጺኣን ንመማህራነን ከርእያ ከምዝተገደዳ ጥርዓን ኣቕሪበን።
እተን 68 ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ፡ ናብ ቤት-ሽንቲ ተወሲደን በብሓደ ክዳን ውሽጠን ብምርኣይ ከምዝተፈተሻ ገሊጸን።
እቲ ቤት-ትምህርቲ ብሃብታማትን ዓቃባውያን ሃይማኖታዊ ጉጅለ ሂንዱ እዩ ዝውነን።
ምኽንያት እቲ ተፍትሽ እተን ተምሃሮ ሕጊ ናይቲ ኰለጅ ኣይክተላን ኣለዋ ስለዝተባህለ እዩ።
ብመሰረት ሕጊ እቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት፡ ኣብ ክሽነ ከምኡ'ውን ኣብ ቤተ-መቕደስ ክኣትዋ ኣይፍቀደለንን እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት፡ ንካልኦት ተምሃሮ ክትንክፋ'ውን ኣይፍቀደለንን እዩ።
ኣብ እዋን መግቢ ድማ፡ ካብ ካልኦት ተማሃሮ ተፈልየን ኮፍ ክብላን ዝበልዕሉ ሽሓኒ ክሓጽባን ይግደዳ። ኣብ ክፍሊ ከኣ ብድሕሪት ኮፍ ክብላ ይሕተታ።
ሓንቲ ተምሃሪት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት፡ እቶም ሓለፍቲ ብቐሊሉ ከለልይወን ኣስማተን ኣብ መዝገብ ከምዝጽሕፉ'ውን ትገልጽ።
እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ፡ ዝኾነት ተምሃሪት ስማ ኣብቲ መዝገብ ኣይጸሓፈትን። እዚ ብሰንኪ እቲ ዘጋጥመን ጸገማት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዝሓለፈ ሰኑይ ድማ፡ ሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንመደቀሲ ክፍሊ እተን ኣስማተን ኣብቲ መዝገብ ዘይጸሓፋ ተማሃሮ ፈቲሾሙዎ። ከምኡ'ውን እተን ተምሃሮ፡ ከምድላየን ኣብ ከሸነን፡ ቤተ-መቕደስን ከይኣትዋን ምስ ካልኦት ተምሃሮ ከየዕልላን ሓቢሮመን።
ንጽባሒቱ፡ እተን ተምሃሮ፡ በቶም ሓለፍቲ መደቀሲ ክፍልን፤ ርእሰ-መምህርን ከምዝተገፍዓን ክዳነን ክውጽኣ ከምዝተገደዳን ይኸሳ።
ነቲ ዘጋጠመን ኩነታት "ኣዝዩ ዘሰቕቕ ተመኩሮ" ክብላ ከምዝገልጽኦን፡ እቲ ተግባር ስንባደን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንብራትን ከምዝገደፈለን ይገልጻ።
ኣቦ ሓንቲ ተምሃሪት ናብቲ ኮለጅ ምስ መጽኣ፡ እተን ተምሃሮ ክበኽያን ኣብ ስንባደ ከም ዝነበራን ተዛሪቡ።
ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ ገለ ካብቶም ተምሃሮ፡ ኣንጻር እቶም ናይ ኮለጅ ሓለፍቲ ስጉምቲ ክውሰድ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ቤት-ምኽሪ እቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ነቲ ዘጋጠመ ኩነት "ክኸውን ዘይነበሮ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ መርመራ ክካየድ ትእዛዝ ከምዝሃበን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበነኛታት ስጉምቲ ከም ዝውሰድን ሓቢሩ።
ገለ ካብተን ተምሃሮ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከይዛረባ ካብ ሓለፍቲ ጸቕጢ ይግበረን ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢረን።
ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ጉጃራት፡ መርመራ ክካየድ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፋን፡ እተን ተምሃሮ ብዘይ ፍርሒ ክዛረባን ኣተሓሳሲበን።
ኣብ ህንዲ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ተምሃሮ ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ዘጋጥመን ጸገም እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ሽንቲ-ቤት ደም ምስ ተረኽበ፡ ኣስታት 70 ዝኾና ተምሃሮ ክዳነን ከውጽኣ ተገዲደን እየን።
ኣብ ህንዲ፡ ወርሓዊ ጽግያት ዘለወን ተምሃሮ ከምዘይንጹሃት ከምዝረኣያን፡ እቲ ወርሓዊ ጽግያት ከም ነውሪን ይረኣ። ኣብ እዋን ማሕበራውን ሃማኖታውን ጽንብላት'ውን ናብ ቤተ-መቕደሰን ከሺነን ከይኣትዋ ይኽልከላ እየን።
ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ዝተማህራ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ነዚ ተግባር ብጋህዲ ኣብ ኣደባባይ ወጺኣን ይቓወምኦ ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፋ ቑሩብ ዓመታት፡ ወርሓዊ ጽግያት ከም ባህርያዊ ተርእዮ ክረኣ ጀሚሩ'ሎ። እቲ ውጽኢት ግን ገና ምዕሩይ ኣይኮነን።