ንደቀንስትዮ ጥራይ ዘጥቅዕ ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ እንታይ'ዩ?

ሕማም ኢንዶሜትርዮሲስ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተሓሓዝ ኣብ መንድቕ ማህጸንን ሻምብቆ ማህጸንን ኣብ ጎሎን ኣብ መናድቕ ርሕምን፡ ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ሳናቡእን የዒንትን ዓንዲ ሕቖን ሓንጎልን ዝምዕብል ረቂቕ ዓለባ ዝመስል ነገር ኢዩ።

ጠንቁን ፈውሱን ድማ ስጋብ ሕጂ ዝይተረኽቦ ንደቀንስትዮ ጥራይ ዘጥቅዕ ዓይነት ሕማም ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ሓካይም፡ እቲ ሕማም ከምዚ ይኸውን ኣናበሉ ብምሕካሞም፡ ነተን ደቀንስትዮ ግዳይ ካልእ ሳዕቤናት ገይርወን ኢዩ።

ኣብ ዓለም ብገምጋም 10 ሚኢታዊት ዝኾና ደቀንስቶዮ ኢንዶሜትሪዮሲስ ዝብሃል ቃንዛ ዝመልኦ ዘማስን ሕማም ይሳቐያ። እዚ ሕማም ብስርዓት ስለዘይተጸንዐ ድማ ክሳዕ ሕጂ ፈውሲ ኣይተረኽበሉን።

እቲ ቃንዛ ዝመልኦ ወርሓዊ ጽግያተይ ጓል 14 ዓመት ከለኹ ኢዩ ጀሚሩኒ። ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ከለኹ ፈውሲ ቃንዛ ይወስድ ነይረ፡ ምሉእ መዓልትካብ ምቕንዛው ክሕግዘኒ ብምትስፋው። ኣብ ገለ መዓልታት ምሉእ መዓልቲ ከይተቐንዘኹ የሕልፎ ነይረ።

ኣብ ገለ እዋናት ግና ኣዝየ ይቕንዞ ስለዝነበርኩ ናብቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ክሊኒክ እኸይድ'ም እታ ተቐባሊት ኣጋይሽ እንታይ ከምትገብረለይ ይሕርብታ ነይሩ። ድሮ፡ ሓካይም እቲ ቃንዛ ፔንቲቺተ መሲልዎም እታ ጥብቆ [ኣፔንዲክስ] ኣልዮማ ኢዮም ነይሮም።

ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ቃንዛ፡ ናይ ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ ናይ ምልላይ መስርሕ ጀሚረ። ዛጊት ነቲ ሽግራተይ ዘቃልል ፈውሲ ኣይረኸብኩን። ኣብቲ ንዓመታት ናብ ሓካይም ኣብዝኸደሉ ዝነበርኩሉ እዋን ዝተዓዘብኩዎ ነገር እንተሎ፡ ሓኻይም ብዛዕባ ኢቲ ሕማም ዘለዎም ኣፍልጦ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝውሃበካ ፍወሳ ንጹር ብዘይምዃኑ ድማ ንምሉእ ሂወትክ ትሽገር።

ኢንዶሜትሪዮሲስ ናይ ማህጸን ሕማም ኮይኑ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተሓሓዝ ኢዩ። እቲ ኣብ መንደቕ ማህጸን ዝርከብ ረቂቕ ዓለባ ዝመስል ነገር፡ ካብ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣካላት ደቀንስትዮ፡ ከም ኣብ ሻምብቆ ማህጸን [ፋሎፒያን ቲዩብ]፡ ጎሎ [ፐልቪስ]፡ ኣብ ጥቓ ባጡቕ ዝርከብ መዓንጣ [ባውል]፡ ርሕሚን ካልእ ክፍል መዓናጡ ምስዝርከብ ኢዩ ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ ዝኽሰት።

ሳሕቲ ድማ ኣብ ሳናቡእን፡ የዒንትን፡ ዓንዲ ሕቖን ሓንጎልን'ውን ይርአ ኢዩ። እቲ እንኮ እዚ ሕማም ጨሪሱ ዘይተራእየሉ ክፍሊ ኣካላት ድማ ላሊሽ [ስፕሊን] ኢዩ። ምልክታት ናይዚ ሕማም ድማ - ለሽ ዘብል ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ ጎሎን ብርቱዕ ጽግያትን ኢዩ።

ኣብዚ ዓለም፡ ብዙሓት ጌና ዘይተፈልጡ ሕማማት ኣለው። ካብቶም ንምፍላጦም ኣኹል መጽናዕትን ምወላን ዘይተገብረሎም ሕማማት ኣለው። ካብዚኦም ድማ ኢንዶሜትሪዮሲስ ሓደ ኢዩ። ብዓለም ደረጃ፡ እዚ ሕማም ንእስታት 176 ሚልዮን ህዝቢ ኣጥቂዑ ይርከብ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ከብተን ካልኦት ሃገራት ብዘይፍለ፡ ብግምት ካብተን ውላድ ዝበጽሓ 10 ደቀንስትዮ ሓንቲ በዚ ሕማም ትሳቐ።

''ብርቱዕ ቃንዛ ምህላው ንኹሉ ንጥፈታት ስርዓተ መትኒ ከምዝቕይሮ እኹል ጭብጥታት ኣሎና። ነቲ ናይ ቃንዛ ምጽዋር ዓቕምኻ ስለዝቕይሮ ድማ ኣብ መጻኢ ንዝጓንፈካ ብርቱዕ ቃንዛ ዝያዳ ተነቃፊ ክትከውን ይገብረካ'' ኢላ ካቲ ቪንሰንት፡ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ናይ ቃንዛ ተመራማሪት።

ብፍላይ ነተን ናይ ቃንዛ ምልክታት ዘለወን ደቀንስትዮ፡ እቲ መባእታዊ ምልክት ናይቲ ሕማም፡ ኣብ ጎልአን [ፐልቪስ] ዝኾነ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከይበጽሐን ኣዝዩ ብርቱዕ ቃንዛ ይስምዐን። እዚ ድማ ነቲ ኩነታት ንምርድኡ የጸግም። እዚ ጸገማት'ዚ ኣብ ደቀንስትዮ ጥራይ ዝርአ ጸገም ኢዩ። ምስ ወርሓዊ ጽግያት ጥራይ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ ንምርድኡ ዝያዳ ሕንቅል-ሕነቅሊተይ ዝገብሮ።

መበገሲኡ እንታይ'ዩ?

ዝኣክል መጽናዕቲ ስለዘይተገብረሉ ድማ፡ ጠንቂ ናይ ኢንዶሜትሪዮሲስ ስጋብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ፈውሲ'ውን ኣይተረኽበሉን። ኣብ ገለ እዋን ነቲ ሕማም ብስርዓት ንምፍላጡ ድማ ስጋብ ዓሰርተ ዓመት ይወስድ። ብስርዓት ንምፍላጡ ድማ ናይ ከስዕ ምጥባሕቲ [ላፓራስኮፒ] ብምግባር ኣብ ውሽጢ ከስዐ ዝርከቡ ነገራት ምምርማር ኢዩ።

ንሰለስተ ኣብ ክሊ ዕድመ 20-30 ዘለዋ ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ ዘለወን ኣዘራሪበየን። ስለስቲኤን ናብ ሓካይም ኣብዝኸዳሉ ጌጋ መርመራ ኢዩ ተኻይዱለን። ''ካብቶም ዝኸድኩዎም ሓካይም ዋላ ሓደ'ውን ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ ኣሎኪ ዝበለኒ ኣይነበረን። ዋላ'ውን ቅኑዕ ሕቶ ዝሓተተኒ ኣይነበረን። ኩሎም ምናልባሽ ከምዚ ዓይነት ሕማም ክኸውን ይኽእል፡ ካልኦት ድማ እቲ ትብልዮ ዘሎኺ ቃንዛ ኣብ ሓንጎልኪ ዝፈጠርኪዮ ኢዩ'' ይብሉኒ ነይሮም ኢላ ጓል 31 ዓመት ኣሊስ ቤንሃም።

እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ነቲ ግኑን ናይተን ደቀንስትዮናይ ኢንዶሜትሪዮሲስ ቃንዛ ኣናኢስካ ናይ ምርኣይ ዝምባለ ኢዩ ዝመልክት። ኩሎም ሓካይም ነተን ደቀንስትዮ እቲ ትብልኦ ዘሎኽን ዓይነት ቃንዛ ኣብ ሓንጎልክን ዝፈጠርክንኦ ኢዩ ይብልወን ነይሮም።

መንግስቲ እንግልዝ ኣብ ልዕሊ 2,600 ኢንዶሜትሪዮሲስ ዘለወን ደቀንስትዮ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እቲ ዘገርም፡ ካብተን 40 ሚኢታዊት ዝኾና ናብ ሓኪም ንሕክምና ልዕሊ ዓሰርተ ግዜ ወይ ድማ ልዕሊኡ ንሕክምና ድሕሪ ምኻደን ኢዮም ናብ ፍሉይ ሓኪም ዝሰደድወን።

ጓል 24 ዓመት፡ ካይትሊን ኮነየርስ፡ ማይ ኢንዶሜትሪዮሲስ ዲያሪ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ዘለዋ፡ ባዕላ ብዘካየደቶ መጽናዕቲ ኢንዶሜትሪዮሲስ ከምዘለው ንድሕሪ ምግማት ናብ ሓኪማ ትኸይድ እሞ ኢንዶሜትሪዮሲስ ከምዘለዋ ትሕብሮ። እንተኾነ እቲ ዶክተር ''ብጭራሽ ከምኡ ኣይኮነን'' ኢሉ ኣቕቢጹኒ ኢላ ካይትሊን። ''ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያተይ ኣዝዩ ብርቱዕ ቃን ከምዝነበረንን፡ ብፍላይ ኣብ ከብደይ [ኣብዶመን] ብርቱዕ ቃንዛ ነይሩኒ ኢለዮ ከብቅዕ፡ ኣይፋል ኢንዶሜትሪዮሲስ ኣይኮነን'' ኢሉኒ ኢላ ካይትሊን።

ሰባት ብዛዕባ ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ ዘለዎም ኣፍልጦ ንምዕባይ ብዓለም ደረጅ ናይ ሰባት ኣፍልጦ ከምዝዓብን ጻዕርታተን ድማ ፍረ ይረክብ ኣሎ።

ቅልጡፍ ፍታሕ የብሉን

ድሕሪ ኩሉ መርመራታት ምክያድን ምልላይ እቲ ሕማምን ቅልጡ ፍታሕ ኣይተረኽበሉን።

ገለ ሓካይም፡ ንሕሙማቶም ጥንሲ ከም ውጽኢታዊ ፈውሲ ነቲ ሕማም ከምዝኾነ ይሕብርወን። ሓንቲ ዶክተር፡ ኢንዶሜትሪዮሲስ ክህልወኒ ከምዝኽእል ዘለዋ ጥርጣረ ሓቢራትኒ። ''እንተኾነ ዋላ ሓደ ክንገብረልኪ ኣይንኻልንን ኢና፡ ክጥጠንሲ ኢና ንምዕደኪ'' ኢላትኒ። እዚ ናይቶም ዶክተራት ኣብ ልዕሊ ሕሙማቶም ዝኾነ ርህራሄ ከምዘይብሎምን እቲ ዝህቡኻ ማዕዳ ድማ ቅኑዕ ከምዘይኮነን ኢዩ ዘርኢ። ምኽንያቱ ድሕሪ ጥንሲ እቲ ሕማም ስለዝምለስ።

ሌና ዱንሃም ዝተባህለት ጽሓፊት ብዛዕባ ማህጸን ጓልንስተይቲ ብመጥባሕቲ ምልጋስ [ሃይስትሮክቶማይ] ምክያድ ክመ ፍታሕ ንሕማም ኢነዶሜትሪዮሲስ ኣቕሪባ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ እዚ ሕማም ኣብ ማህጸን ጥራይ ዘይኮነ ብጀካ ኣብ ላልሽ ኣብ ኩሉ ክፍሊ ኣካላት ደቀንስትዮ ስለዝርአ፡ ምልጋስ ማህጸን ብመጥባሕቲ ፍታሕ ኣይኮነን፡ ድሕሪ'ቲ መጥባሕቲ'ውን እቲ ሕማም ዳግማይ ስለዝኽሰት።

ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ ብናይ ጓልንስተይቲ ጾታዊ መዛርዕ ዘማዕብል ኢስትሮጂን ዝብሃል ናይ ሆርሞን ፍወሳ ጥራይ ኢዩ ምቁጽጻሩ ዝክኣል። እዚ ዓይነት ፍወሳ ንምቁጽጻሩ ይሕግዝ እምበር ኣይፍውሶን ኢዩ። እዚ ፍወስ'ውን ናይ ገዛ ርእሱ ሳዕቤናት'ውን ኣለው። ኣብ 2016 ኣብ ብዴኒማርክ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እተን ነዚ ዓይነት ፍወሳ ዝከታተላ ዝነበራ ናይ ጭንቀት ጸገማት ኣማዕቢለን።

ካልእ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል ዓይነት ፍወሳ ድማ ብሕክምና ጽግያት ደው ምባል [ሜዲካ ሜናፖዝ] [ክትመ-ጻግነ ካብ 45 ዕእመት ንላዕሊ ዝርአ ብተፈጥሮ ጽግያት ደው ናይ ምባል መስርሕ ኢዩ] ኢዩ። እዚ'ውን ንይ ሓዋሩ ፍታሕ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ናይ የዕጽምቲ ክብደት ስለዝሃሲ።

ስለዚ፡ እዚ ስጋብ ሕጂ ጠንቁን ክፍውሶ ዝኽእል ፈውሲ ዝየተረኽበሉ ሕማም ንምፍዋስን ካልእ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝቕረቡ ዓይነት ፍወሳ ዝተፈልየ ኣማራጺ ንምንዳይ እቲ መጽናዕትን ምርምርን ቀጻሊ ኢዩ ዘሎ።