እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ንክወሃብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ
ጽጌሬዳ፡ ወርሓዊ ጽግያት ምርኣይ ካብ ዝጀመረትሉ ዕድመ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ወርሓዊ ከቢድ ቓንዛ ከም ዝስምዓ ትዛረብ።
ተመሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ኣብ እትርእየሉ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይትኸይድን።
እቲ ቓንዛ'ውን ቅድሚ 10 መዓልቲ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ደም ዝፈሰሉ መዓልቲ ግን ፈጺማ ካብ ገዛ ክትወጽእ ኣይትኽእልን።
"ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እቲ ሕማም ይብርትዕ፤ ወይ እግረይ ይሓብጥ፣ ከቢድ ረስኒ ይስምዓኒ . . . ወርሓዊ ዝስምዑኒ ምልክታት ዝተፈላለዩ'ዮም። ተመሃሪት እናሃለኹ ጽባሕ ከም ዝመጽእ እንተፈሊጠ ትምህርቲ የብኩር። ናብ ቤት ትምህርቲ እንተኸይደ'ውን ኣሞንጕየ'የ ዝምለስ" ብምባል ትዝክር።
ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ምስ ተጸንበረት'ውን እንተኾነ ወርሓዊ ጽግያታ ኣብ እትርእየሉ መዓልቲ ናብ ስራሕ ኣይትኸይድን።
ግዜ ዘይህብ ስራሕ እንተገጢሙዋ መዐገሲ መድሃኒት ብዕጽፊ እንተዘይወሲዳ ጠጠው ክትብል ኮነ ክትንቀሳቐስ ዘጸግመላ ሕማም ይስምዓ።
ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም እንታይ'ዩ? ኢሎም ይሓቱ። ነዚ ንክርድኡ'ውን ይሓቱ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ቁርጸት ከብዲ፣ ከቢድ ሕማም ርእሲ፣ ረስኒ ሰብነት ምውሳኽ፣ ስምዒታት ጽዕንዕንታን ጭንቀትን ከምኡ'ውን ድዃም ይስመዐን።
ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናድባውንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ካብ ልዕሊ 43 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝኣከቦ መረዳእታ 85 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ቑርጸት ከብዲ የጋጥመን ይብል።
ከምኡ'ውን 77 ሚኢታዊት ስምዒታተን ክርበሽ እንከሎ 71 ሚኢታዊት ድማ ድኻም ይስምዐን።
ካብ 6.5 ቢሊየን ሰባት ዓለም፡ ኣስታት 3.9 ቢሊየን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዛይድ ሓበሬታ ማእከላዊ ስታትስቲክስ የረድእ።
ባንኪ ዓለም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ሰራሕተኛ ሓይሊ ሰብ 46.5 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይጠቅስ።
ሓላፊት ምንቅስቓስ ሴታዊት ህይወት ኣበበ ሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ ክብሃል ይኽእል ክትብል እንከላ፡ ብፍላይ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ብምድንጋግ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ዝገበረ'ዩ ትብል።
ይኹን'ምበር ኣብዚ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ዘጋጥመን ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተተሓሓዘ ሕማም ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ ዕረፍቲ ንክወሃብ ንከፍቅድ ጎስጓስ ከም ዝጀመራ ትዛረብ።
ሴታዊት፡ ሙሉእ ንሙሉእ ክብሃል ብዝኽእል ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ትካል ኮይኑ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ምሃብ ከም ዝጀመረ ገሊጻ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ስራሕ ዝተፈጥረ ጸቕጢ ወይ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘይምህላዩ ሓቢራ።
"ናይ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ'ዩ። ንሕና ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝብል ዕረፍቲ ኢና ተግባራዊ ገይርና። ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝደለየት'ውን ክትወስድ ትኽእል፤ ኣብ ስራሕ ክትርከብ እንተኽኢላ'ውን ትርከብ" ብምባል ኣብሪሃ።
ብደረጃ ዓለም ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ምህላው ዝቃወሙ ገለ ኣካላት፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕማም ከይተሰምዐን እውን እቲ ዕረፍቲ ብዘይኣግባብ ክጥቀማሉ ይኽእላ'የን ክብሉ ይካትዑ፤ ነቶም ዝቖጽሩወን ትካላት'ውን ከኽስሮም'ዩ ይብሉ።
ወሲኾም፡ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ሓዊሱ ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዘለወን ሓላፍነት ኣብቲ ናይ ሰራሕተኛ ሓይሊ ዘለወን ተደላይነት ንክንኪ ተወሳኺ ምኽንያት ክኸውን'ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።
ህይወት ግን "እዚ ናይ ጾታ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሰብኣውነት ጉዳይ'ዩ፤ ከምዚ ዓይነት ክትዓት ኢ-ሰብኣዊ'ዮም። ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ስቓይ እናሕለፋ ስራሕ ይስርሓ ማለት ጭካነ'ዩ" ትብል።
ጽጌሬዳ፡ ኣብ ከባቢ ወርሒ ጉንበት ሓያል ጸሓይ ስለ እትህሉ ወትሩ ምቹእነት ዝኸልኣ ዝነበራ ምዃኑ ትዝክር።
"ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓያል ዋዒ ኣሎ፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ እናሃለኹ መንዲል ንጽህናይ ንምቕያር ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይጽበ። ኣብቲ ግዜ ክዳነይ ከይበላሾ'ውን ስለ ዝጭነቕ ብውሽጢ ስረ ይድርብ፤ እዚ ኸኣ ካልእ ሙቐት ይውስኸለይ ነይሩ" ኢላ።
ሴታዊት እዚ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክትወስድኦ ዲኽን ክንብል ንህይወት ሓቲትናያ።
ኣብ ዙርያ ወርሓዊ ጽግያት ዝሰርሑ ብዙሓት ትካላት ከም ዘለው ብምግላጽ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብቐሊሉ መንዲል ንጽህና ንክርከብን ግንዛበ ተመሃሮ ንክውስኽን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሑ ከም ዘለው ተዛሪባ።
ብደረጃ ሃገር ግን ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ እቲ ቓንዛ ክሕይለን እንከሎ ፍቓድ ንክረኽባ ዝተጀመረ ጻዕሪ የለን።
ኣብ ኢትዮጵያ ወርሓዊ ጽግያት ከም ነውሪ ምቑጻር ብፍላይ ኣብ ከተማታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለወጠ ዝመጽእ ዘሎ'ኳ እንተኾነ ሕጂ'ውን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝገጥመን ጸገማት ኣሎ'ዩ።
ጽገሬዳ ወርሓዊ ጽግያት ፈሪሑ ዝሃድም ኣባል ስድራ ከም ዘለዋ ብኣብነት ተልዕል።
"ደም የፍርሐኒ'ዩ ይብል ነይሩ፤ ድሕሪ ብዙሕ ዝርርባት ሕጂ ሞዴስ ወይ ወርሓዊ ጽግያት ክሰምዕ እንከሎ ካብ ወንበር ተላዒልካ ምኻድ ገዲፉዎ'ዩ" ኢላ።
እንተኾነ ምስኢ ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ሕማማት ዝምልከት ብዙሓት ዝምቡዓት ኣረኣእያታት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም ኣብ ዘይብርትዐን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ምህላው ገሊጻ።
"ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ስራሕ ቦታ 'ኣጋኒንኽዮ ወይ ሓሲኺ ኢኺ' ዝብሉ ርኢይቶታት ይገጥሙኒ'ዮም" ዝበለት ጽጌሬዳ ሒሙዋ ክትድቅስ እንከላ 'ምስ መጻምድኺ ተጻሊእኺ እንተኾይንኪ ተዛረቢ፤ ወርሓዊ ጽግያት ከምዚ ከሕምም ኣይኽእልን' እውን ከም እትብሃል ትዛረብ።
ዕድለኛ ኮይና፡ ኣብ ዙርያ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝሰርሕ ኖብል ካፕ እያ ናይ መጀመርታ ስርሓ ጀሚራ።
ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ስራሕ ከም ዘይትመጽእን እቲ ትካል'ውን ከም ዝርድኣላን ሓቢራ።
እንተኾነ እዚ ኩሎም ትካላት ዝርድኡዎ ኣይኮነን።
ብመሰረት ሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ኢትዮጵያ'ውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ዝርኣዩዋ ሕማማት ዝምልከት ናይ ሓኪም መረዳእታ እንተዘይሒዛ ዕረፍቲ ኣይትረክብን።
ዝተፈላለያ ሃገራት ግን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ከተኣታትዋ እንከለዋ፡ ዛምቢያ ሓንቲ ካብኣተን እያ።
ኣብ ዛምቢያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወርሒ ሓንቲ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ትወሃበን።
ጃፓን፡ ኣብዚ ዙርያ ኣብነታዊት እትብሃል ኮይና ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ምሃብ ካብ እትጅምር 71 ዓመታት ኮይኑዋ ኣሎ።
ደቡብ ኮርያ'ውን ልዕሊ 60 ዓመታት ገይራ ኣላ።
ኣብዛ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ወርሒ ክልተ መዓልቲ ፍቓድ ክትህበን እንከላ፡ እዚ ፍቓድ እንተዘይተጠቒመናሉ ድማ ብገንዘብ ተሓሲቡ ክኽፈለን ትገብር።
ታይዋን ብወገና ሰለስተ ናይ ወርሓዊ ጽግያት መዓልታት ዕረፍቲ ትህብ።
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንምትእትታው ከም ሴታዊት፣ ኖብል ካፕን ኣዲስ ፓወር ሃውስን ዝበሉ ትካላት ይንቀሳቐሱ ኣለው።