'ብዘይ ርሕሚ ከምዝተወለድኩ ዝፈለጥኩላ መዓልቲ'

ኬንያዊት ጁልያን ፒተር፡ ሕዚ ጓል 29 ዓመት እያ። ሓደ መዓልቲ ሓኪማ ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያታ ዘቕረበላ ሕቶ፡ ርሕሚ (ብልዕቲ)፣ ማህጸን ኮነ ክሳድ ማህጸን (ሰርቪክስ) ከምዘይብላ ክትፈልጥ ገይርዋ።

ኤምኣርኬኤች ዝበሃል ሕማም ሒዘ እየ ተወሊደ። በዚ ኩነታት እትውለድ ሰብ፡ ማህጸን ኮነ ርሕሚ ኣይህልዋን፡ ኩሊታ እውን ሓንቲ ጥራይ ክትከውን ትኽእል።

ወርሓዊ ጽግያት እውን ኣይትርእይን።

ዕሸል ዝዓብየሉ ክፋል ማህጸን (ዩትረስ) ስለዘይብለይ፡ ወርሓዊ ጽግያት መጺኡኒ ኣይፈልጥን። እዚ ንዓይ ልሙድ ስለዝኾነ፡ ሕማቕ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን።

ሰባት ግን ብዛዕባይ ብዙሕ እዮም ዝብሉ።

'ድላዮም ይበሉ'

ሓደ ሰብ 'ጸሎት ክግበረለይ' ናብ ሓደ ቦታ ክኸይድ ከምዘለኒ ነጊሩኒ ይፈልጥ።

ካልእ ሰብ ድማ፡ ዓደይ ኡካምባኒ ዝበሃል ቦታ ስለዝኾነ፡ እታ ዓዲ ድማ 'ዓዲ ጥንቆላ' ከምዝኾነት ብቤላቤሎ ስለዝውረ፡ ዓባየይ ገለ ገይራ ክትከውን ከምትኽእል ተዛሪቡኒ ነይሩ።

ንሶም ድላዮም ይበሉ፡ እቲ ዘገድስ ኣነ ብኸመይ ተቐቢለዮ ዝብል እዩ። እንተሰሚዐዮም ክሃስየኒ ክጅምር እዩ፡ እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ሓቂ'ውን ክመስለኒ ይኽእል።

እቲ ኩነታት ከምዘለኒ ዝፈለጥኩ ጓል 17 ዓመት ተምሃሪት እንከለኹ እዩ።

እግረይ ሓቢጡ ናብ ሕክምና ምስከድኩ፤ እቲ ሓኪም ዝሓተተኒ ፈለማይ ሕቶ "ንመወዳእታ እዋን ወርሓዊ ጽግያት መዓዝ መጺኡኪ?" ዝብል ነይሩ።

'ወርሓዊ ጽግያት ርእየ ኣይፈልጥን'- በልክዎ።

ብመሳርሒ ርእዮምኒ። እቲ ናይ መጀመርያ ምስሊ፡ መራብሒ ኣካላተይ ብደገ ዕጹው ምዃኑ ዘርእይ ነይሩ።

ንዕኡ ንምኽፋት መጥባሕቲ ተገይሩለይ፡ ዕውት ኣይነበረን።

ካልኣይ ምስተርኣኹ፡ ማህጸን ኮነ ርሕሚ ከምዘይብለይ ተፈሊጡ። ኩነታተይ 'ኤምኣርኬኤች' ምዃኑ ፈሊጠ።

ኣብቲ ፈላማይ መዓልቲ፣ ካልኣይ መዓልቲ፣ ሳልሳይ መዓልቲ እበክይ ነይረ። ድሕሪኡ ግን ገዲፈዮ። ገና ጓል 17 ዓመት ቆልዓ ስለዝነበርኩ፡ ዘገድሰኒ ዝነበረ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላስ እዩ።

ኣብ ሕክምና ምስ ኣደይ እየ ነይረ። ኣደይ በይና እያ እተዕብየኒ። በቲ ኩነታት ኣዝያ እያ ሰንቢዳ።

'መጥባሕቲ ኣይደልን'

ስነህይወት ይመሃር ስለዝነበርኩ፡ እታ ሓኪም ዝበለቶ ካብ መጀመርያኡ ተረዲኡኒ እዩ።

ትምህርተይ ክውድእ ስለዝደሊ ኣብቲ እዋን መጥባሕቲ ክገብር ከምዘይደሊ ነጊረያ። ድሕሪ 10 ዓመት፡ ናብ ሕክምና ተመሊሰ ከይደ፡ ዕውት መጥባሕቲ ተገይሩለይ።

ርሕሚን ማህጸንን ኣይነበረንን፤ ኩሊተይ ከኣ ሓንቲ እያ። ውሽጣዊ ኣካል ርሕሚ ስለዘይነበረኒ ከኣ ክፍጠር ነይርዎ።

እቲ ዘለኒ ኩነታት ንኣግባብ መነባብሮይ ኣይቀየሮን፡ ብስሩዕ እየ ዝነብር። ካልኦት ሰባት ግን ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀት ከጋጥሞም ስለዝኽእል ናብ በዓል ሞያ ክኸዱ ኣለዎም።

ከምዚ ናተይ ዝበለ ኩነታት እንተልዩኩም፡ ቆልዓ ምውላድ ዝብል ሓሳብ ካብ ኣእምሮኹም ኣውጽእዎ።

ኣርባዕተ ሻብ ተራእየ፡ ማህደር እንቋቑሖ (ኦቫሪ) የብለይን። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ዋላ'ውን እንቋቑሖ ናይ ኣደን ዘርኢ ናይ ኣቦን ብምውሳድ ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ገይርካ ድቂ ምፍጣር እውን ኣይከኣልን ማለት እዩ።

ንርእስኺ ክትቅበልያ ግድን እዩ። ግን ከኣ፡ ከም ካልኦት ደቂኣንስትዮ ዘይምዃንኪ ምፍላጥ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡ ሰብ የድልየኪ።

ኣብ ኬንያ ከም ናተይ ዝበለ ኩነታት ምስ ዘለወን ሰባት ተራኺብና ነውግዕ ኢና። ብኣግኡ ነቲ ኩነታተይ ስለዝተቐበልኩዎ፡ ጽቡቕ እየ ዘለኹ።

ንመጻምድካ ምዝራብ

ፍቕራዊ ርክባት ሃልዮምኒ ይፈልጡ እዮም። ግን ከኣ ቀልጢፈ እየ ብዛዕባ ኩነታተይ ዝነግሮም።

ክቅበልዎ እንተደልዮም፡ ይቕበልዎ። ግን ከኣ ከምቲ ትፈልጥዎ፡ ሰባት ሰባት እዮም።

መብዛሕተኦም ካብቶም ዝነገርኩዎም ገዲፎምኒ ከይዶም እዮም። ገሊኦም ከኣ ዝሕሱ ዘለኹ ይመስሎም። ሕዚ ዝኾነ ርክብ የብለይን፤ ግን ከኣ ስራሕ ኣምላኽ እዩ።

ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ብዝምለከት ከኣ፡ ኣብ 2018 ከምብሓድሽ ርሕሚ ክስረሓለይ መጥባሕቲ ተገይሩለይ እዩ፡ እንተኾነ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ገና ኣይተዳለኹን ኣለኹ።

ንመርዓ'ውን ገና እየ። ቆልዓ እንተደሊና፡ ወሲድና ከነዕብይ ንኽእል ኢና።

ዛንታይ ንሰባት ንምንጋር ክውስን 10 ዓመት ወሲዱለይ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኩነታት ዘይፈልጡ ሰባት ስለዘለዉ፡ ግንዛበ ክፈጥር ይደሊ እየ።

ቅድሚ ኩሉ፡ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዘለዎም ህጻናት ዝወለዱ ቤተሰብ፡ እቲ ቆልዓ ህጻን እንከሎ መጥባሕቲ ክግበረሉ ክሰማምዑ ከምዘይብሎም እየ ዝምዕዶም።

ምስ ዓበዩ፡ ነቲ ኩነታት ክርድእዎ ኣብ ዝኽእልሉ ብርኪ ምስበጽሑ፡ መጥባሕቲ ክግበረሎም እዩ ዝሓይሽ። ምኽንያቱ ከኣ፡ እቲ ሕክምና ዝተሓላለኸን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ስለዝኾነ።

ማዕዳ ንወለዲ

ኣዝዩ እዩ ዘሻቕል፡ ቆልዑ ከኣ ነቲ ኩነታት ዘይክርድእዎ ይኽእሉ።

ከም ወለዲ ናትኩም መጽናዕትታት ክትገብሩ እዩ ዝግበኣኩም። ውላድኩም ብዛዕባ እቲ ዘለዋ ኩነታት ምስፈለጠት ከኣ፡ ነቲ ዘጋጥማ ጸገማት ተረዲአኩም ክትሕግዝዋ የኽእለኩም።

ከም ናተይ ዝበለ ኩነታት ምስዘለዎም ሰባት እናተራኸብና ነውግዕ ኢና። ኣብኡ ብዙሕ ዓይነት ብድሆታት ከምዘሎ እየ ዝሰምዕ።

ሓዳር ዝገበራ ኣለዋ፡ ስድራ ሰብኡተን ከኣ 'ውለዲ እንዶ' እናበሉ ይጭቕጭቑወን። ብስድራ ሰብኣያ 'ሰብኣይ ኢኺ' ዝተብሃለት ጓል እፈልጥ።

እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ነንሳትና ነምትሕግጋዝ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጉዕዞ በዳሂ ስለዝኾነ።