ጥዕና፡ "ብናይ ሓንቲ ምሸት ስሕታን ብኤች-ኣይ-ቪ ቫይረስ ተለኺፈ"

ሓንቲ ብዛዕባ ሓደጋታት ኤች-ኣይ-ቪ እትጉስጉስ ኬንያዊት ናኦሚ ኢረሪ፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ምሸት ስጋዊ ርክብ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈት ትዛረብ።

መንእሰያት ንስጋዊ ርክብ ከይህወኹ እትምዕድ ጓል 41 ዓመት ናኦሚ ንቢቢሲ ቋንቋ ስዋሂሉ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ምስ ንሓደ ሰሙን ጥራይ ዝተፋለጠቶ ሰብ ርክብ ከም ዝፈጸመት ትገልጽ።

ድሕሪ'ታ ርክብ ግን፡ ደዊላ ከማን ክትረኽቦ ኣይካኣለትን። ንጻዊዒታታ ምምላስ ኣብዩ።

ብድሕሪኡ ድማ፡ ካልእ ሰብ ትረክብ። ካብዚ ካልኣይ ሰብ ጥንሲ ሒዛትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ድማ'ያ በቲ ቫይረስ ከም ዝተታሕዘት ዝፈለጠት።

"ናይ ደም መርመራ ክገብር ምስ ከድኩ፡ ውጽኢት መርመራይ ካብቲ ዝተነግረኒ ግዜ ንላዕሊ ወሲዱ። ስለምንታይ ውጽኢት መርመራይ ደንጒዩ ኢለ ኻኣ ክሓትት ጀሚረ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ሓካይም መጺኦም፡ ቅድሚኡ መርመራ ጌራ ትፈልጥ እንተኾይና ሓቲቶማ። ሽዑ ድማ'ዮም ኤች-ኣይ-ቪ ከም ዘለዋ ነጊሮማ።

ናኦሚ ከም ዝበለቶ፡ ፈለማ ብዛዕባ ኣቦ ናይቲ ዘይተወልደ/ት ውላዳ እያ ሓሲባ። ምስኣ ከይዱ ክምርመር ድማ ሓቲታቶ። እተኾነ ግን፡ ውጽኢቱ ኣሉታዊ ('ነጋቲቭ') ኮይኑ ጸኒሑ- እቲ ቫይረስ የብሉን።

"ከመይ ኢሉ ድኣ፡ ኣነ ዘለኒ፡ ንሱ ዘይብሉ ኢለ ድማ ክሓስብ ጀሚረ። ሽዑ፡ ሓንሳብ ጥራይ ምስኡ ስጋዊ ርክብ ዝፈጸምኩ ሰብ ከም ዝነበረ ዘኪረ" ኢላ።

ኣቦ ናይቲ ሽዑ ዘይተወልደ/ት ዝነበረ ውላዶም ኣብ ምዕባይ እቲ/ታ ቆልዓ ክተሓባበራ ምዃኑ ቃል ብምእታዉ፡ ነቲ ዝነበሮም ዝምድና በቲኽዎ፡ ተፈላልዮም።