ጅግና ሲኤንኤን ፍረወይኒ መብራህቱ፡ "ወርሓዊ ጽግያት ክብሪ ረኺቡ"

ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ሲኤንኤን፡ ንኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና እዚ ዓመት ኢሉ ሸሊሙ።

እቲ ትካል፡ ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝሓረዮም 10 ብሉጻት ጀጋኑ እዚ ዓመት ነፍሲ ወከፎም 10 ሽሕ ዶላር ድሕሪ ከምሽላም፡ ካብኦም ንሓንቲ ወይ ሓደ ንምሕራይ፡ ብኢንተርነት ዝውሃብ ድምጺ ክእክብ ጸኒሑ።

ካብቶም 10 ሕጹያት፡ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ነይረን።

ኣብ ሽልማት ጅግና ሲኤንኤን 2019 ተረኺባ ሓጺር ዘረባ ዘስምዐት ተዓዋቲት ፍረወይኒ መብራህቱ፡ "እንታይ ክብል ከም ዘለኒ'ኳ እንተዘይፈለጥኩ ኣዝየ ግን ሕጉስቲ'የ" ኢላ።

"ተሓጒሰ'የ፤ ሲኤንኤን ነዚ ኽብሪ ስለ ዝሃበኒ ድማ የመስግኖ። እዚ ሽልማት ንዓይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝውክል'ዩ። ወርሓዊ ጽግያት ድማ ክብሪ ረኺቡ" ኢላ።

ሲኤንኤን ጅግና ኢሉ ንዝሓረያ ኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ ተወሳኺ 100 ሽሕ ዶላር እንተበርክት፡ እቶም 10 ናብ መዛዘሚ ዝበጽሑ ሕጹያት ሓዊሱ ናጻ ስልጠን መሪሕነት ክረኽቡ'ዮም።

ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ወርሓዊ ጽግያት ክብሪ'ዩ ብምባል ዝሕጸብ መንዲል ንጽህና [ሞዴስ] ብምፍራይ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣማራጺ እተቕርበሉ ፋብሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ከፊታ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

ፋብሪካ ዝሕጸብ መንዲል ንጽህና ማርያም ሰባ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ዝበጽሕ መንዲል እንተፍሪ፡ ኣብ ገጠራት ትግራይ፣ ዓፋርን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ተመሃሮን የቕርብ።

ፍረወይኒ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ መቐለ ምስ ዝመጽአ ዶክተር ልዊስ ፖል ብምትሕብባር ኣብ 2014፡ 'ዲግኒቲ ፔሬድ' ዝብል ፕሮጀክት ከፊቶም ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

ጉዳይ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ መድረኽ ሲኤንኤን ዘልዓለት ፍረወይኒ፡ "ወርሓዊ ጽግያት ንነዊሕ እዋን ዓው ኢልና ተዛሪብናሉ ኣይንፈልጥን። ሕጂ ሲኤንኤን ድምጺ ኩላትና ብምኻኑ ኣዝየ የመስግኖ" ብምባል ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ክብሪ ይግብአን ኢላ።

ከም ሓበሬታ ዩኒሴፍ፡ 75 ሚኢታዊት ዝጽግዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ እኹል መንዲል ንጽህና ኣይረኽባን፤ ከባቢ 50 ሚኢታዊት ድማ በዚ ምክንያት ካብ ትምህርተን ይተርፋ።