እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 5 ሚልዮን በጺሑ
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ውሽጢ 19 ኣዋርሕ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ዩኒቨርሰቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣፍሊጡ፡፡
ዋላ'ኳ ክታበታት መጠን ሞት ክቕንስ እንተገበሩ፡ ገለ ሰብሞያ ጥዕና ግና እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ካብዚ ክዛይድ ከም ዝኽእል እዮም ዝገልጹ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ገለ ካባቢታት ድሕሪ ኣዋርሕ ቁጽሪ መልከፍቲ ይውስኽ ከም ዘሎ ሰብሞያ የጠንቅቑ፡፡
ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቀኛ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት፡ ናይቲ ዛጊድ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ፡፡
ልዕሊ 745 ሽሕን 800 ሞት ዝተመዝገበላ ኣመሪካ፡ ካብ ዓለም ዝለዓለ ምስ ኮቪድ ዝተኣሳሰር ብዝሒ ሞት ዝተመዝገበላ ሃገር እያ፡፡
ልዕሊ 607 ሽሕ ሰባት ዝሞቱዋ ብራዚልን ልዕሊ 458 ሽሕ ሰባት ዝሰኣነት ህንድን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ፡፡
ኮይኑ ግና እዚ ኣሃዝ፡ ቁጽሪ ኣብ ገዝኦም ዝሞቱን ኣብ ገጠራት ዝሞቱን ሰባት ስለ ዘይሓውስ ካብቲ ሓቀኛ ቑጽሪ ዝተሓተ ከም ዝኾነ ሰብሞያ ጥዕና ይዛረቡ፡፡
ነቲ ናይ መወዳእታ ሓደ ሚልዮን ሞት ክምዝገብ ዝወሰደ ግዝ እንትረአ ካብቲ ቅድሚኡ ዝተመዝገበ ክልተ ሚልዮን ሞት ዝነውሐ ግዘ እዩ ወሲዱ፡፡
ቁጽሪ ሞት ካብ 4 ሚልዮን ናብ 5 ሚልዮን ክድይብ 110 መዓልቲታት ወሲዱሉ፤ ካብ 3 ሚልዮን ናብ 4 ሚልዮን ክበጽሕ ግና 90 መዓልቲታት እዩ ወሲዱ፡፡
ዋላ'ኳ ክታበታት ቁጽሪ ሞት ይንክዩ እንተሃለዉ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግና እቲ ለበዳ ‘‘ገና ደው ኣይበለን’’ ይብል፡፡
ዳይሬክተር ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ውሑድ ክታበት ይህባ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ይውስኽ ከም ዘሎ ተዛሪቡ፡፡
ሩስያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ኣመዝጊባ ኣላ፡፡ ካብቶም ኣብ ቀረባ ዝሞቱ ሓደ ሚልዮን ሰባት እቶም 10 ሚኢታዊት ሩስያውያን እዮም፡፡
ዝለዓለ መጠን ሞት ካብ ዝተመዝገበለን ሃገራት ዝኾና ቡልጋርያን ሮማንያን እውን ሆስፒታላተን ብሕሙማት ተጻቢቡ እዩ ዘሎ፡፡
እዚአን፡ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝወሓደ መጠን ክታበት ዝሃባ ሃገራት እውን እየን፡፡
ዛጊድ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 7 ቢልየን ክታበት ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ግና ገፊሕ እዩ፡፡
ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ከም ዝሕብሮ፡ ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት 3.6 ሚኢታዊት ጥራሕ እዮም ክታበት ኮቪድ -19 ረኺቦም፡፡
ክታበት ብፍትሓዊ መገዲ ተኸፋፊሉ እንተዝኸውን "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር 40 ሚኢታዊት ንምኽታብ ዝሓዝናዮ ትልሚ ዛጊድ ተዓዊቱ ምሃለወ’’ ይብል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡፡
ክታበት ብዙሓት ሃገራት በረን ክኸፍታን እገዳታት ከላሕልሓን ሓጊዙ እዩ፡፡
ኣውስትራልያ እኳ ድሕሪ 19 ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በራ ክፉት ገይራ ኣላ፡