እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ስለምንታይ'ዩ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ን ክታበት ኮሮናቫይረስ ከይተጠቐማሉ መዓልቱ ዝሓልፍ ዘሎ?
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እኹል ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ኣብ ዝጽገማሉ ዘለዋ እዚ እዋን ገለ ሃገራት ግን ብኣሽሓት ዝቑጸር ብልቃጥ ክታበት ከይተጠቐማሉ መዓልቲ ይሓልፎ ኣሎ።
ኣየኖት ሃገራት’የን ኣብ ረብሓ ዘይወዓለ ክታበት ዘለወን?
ማላዊ ኣስታት 16,000 ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኔካ ክተርፋ ከሎ፤ ኣብ ደቡብ ሱዳን’ውን 59,000 ኣብ ረብሓ ኣይወዓለን። ኩሎም ድማ ብ13 ሚያዝያ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ መዓልቲ ሓሊፍዎም ኣሎ።
እተን ሃገራት እቲ ክታበት ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ዝተለገሰለን ኮይኑ፤ ውሑስ ብዝኾነ መገዲ ናይ ኣገልግሎት እዋኑ ምንዋሕ ዝከኣል እንተኾይኑ ምርመራ ክሳብ ዝግበር ንኽዕቅብኦ ካብ ትካል ጥዕና ዓለም ንዝቐረበለን ሓሳብ ብምንጻግ’የን ከዕንውኦ ዝወሰና።
ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ’ውን ፍትሓዊ ክፍፍል ክታበት ንኽህሉ ብዝተወደበ መስርሕ ኮቫክስ ኣቢሉ ንዝቐረበላ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኔካ ከምዘይትጥቀመሉ ወግዓዊ ገይራ’ላ።
ካብቲ ዝቐረበላ ሓገዝ ክታበት ድማ ነቲ 1,000 ጥራሕ ኣብ ረብሓ ከምዘውዓለቶ ተፈሊጡ።
ዝበዝሕ ካብቲ ዘይተጠቐምትሉ ክታበት ኣብ 24 ሰነ ናይ ኣገልግሎት እዋኑ ስለዘብቅዕ ናብ ሃገራት ቶጎን ጋናን ክለኣኽ ተወሲኑ’ሎ።
ንምንታይ ዘይተጠቐማሉ?
ብኦክስፎርድ-ኣስትራዜኔካ ዝፈሪ ክታበት ካብቲ ዝፈረየሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝቕጽሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ መጠነኛ ዛሕሊ ኣብ ዘለዎ ቦታ ክዕቀብ ይኽእል’ዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ክታበታት ዘከፋፈለ ኮይኑ፤ መዓልቲ ኣገልግሎቶም ከኣ ብ13 ሚያዝያ የብቅዕ ነይሩ።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዓይነት ቫይረስ እኹል ምክልኻል ክገብር ከምዘይክእል ስግኣቱ ብምግላጽ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ምውሳኑ ይፍለጥ።
ኣብ መዛዘሚ ወርሒ መጋቢት’ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዕደል ሓደ ሚልዮን ክታበት ንሕብረት ኣፍሪቃ ተሸይጡሉ ነይሩ።
ከም ሱዳን ዝበላ ሃገራት ግን ብዛዕባ ግዜ ኣገልግሎቱ ዘብቕዓሉ መዓልቲ ሓበሬታ ኣይተወሃበናን ክብላ ኣፍሊጠን’የን።
ናይጀርያ’ውን ቅድሚ እቲ ናይ ኣገልግሎት እዋኑ ዝኣኽለሉ መዓልቲ ንኹሉ እቲ ክታበት ተጠቒማ ክትውድኦ ከምዘይትኽእል’ያ ገሊጻ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ናብ ጎረባብቲ ዝኾነ ሃገራት ቶጎን ጋናን ክውሰዱ ዝተወሰነ ኮይኑ ገሊኦም ክታበታት ከኣ ናብ ጀማይካ ተላኢኾም’ዮም።
ትካል ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ፡ ቶጎን ጋምቢያን ጥራይ መዓልቲ ቅድሚ ምእኻሉ ንኹሉ እቲ ክታበት ተጠቒመናሉ ኣለዋ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ግን ዝቐረበ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ምጥቃም እቲ ክታበት ንምንታይ ምድንጓይ ኣጋጢሙ?
ኣባል መሪሕነት ትካል ጥዕና ዓለም ፊዮና ኣቱሄብወ ከምእትብሎ፤ መብዛሕቲኤን ሃገራት ነቲ ክታበት ቅድሚ ምቕባለን እኹል ምድላው ኣይገበራን ጸኒሔን።
“ቅልጡፍ ዘይኮነ ወፍሪ ክታበት ክንርእይ ካብ ዘይከኣልናሎም ምኽንያት ሓደ እዚ እዩ” ኢላ።
ገለ ሃገራት ከኣ ፋይናንሳዊ ብድሆታት ኣለወን።
ሓላፊ ማእኸላት ቁጽጽር ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ኬንጋሶንግ ከምዝብሎ፡ ሃገራት ብዝሒ ሰብሞያ ጥዕና ንኽውስኻን ቀረባት ናውቲ ሕክምና ከማልኣን ሓገዝ ክረኽባ ኣለወን።
መዓልቱ ኽሓልፍ ዝቐረበ ወይ ዝሓለፎ ክታበታት ዘለወን ሃገራት ድማ ንትካል ጥዕና ዓለም ወይ ማእኸል ቁጽጽር ሕማማት ኣፍሪቃ ክሕብራ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ድኹም ስርዓት ጥዕና ምህላዉ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ምኽንያት፤ እቲ ጸገም ክታበት ናብ ኣጸገምቲ ቦታታት ንምብጻሕ ዘኽእል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣዝዩ ዝደኸመ ምዃኑ እዩ።
ስግኣት ክታበት!
ገለ ሰብሞያን ፖለቲከኛታትን ነቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፍጠር ዘሎ ምድንጓይ ወፍሪ ክታበት ምስቶም ኣብ ውሕስናን ውጽኢታውነትን ክታበታት ዝለዓሉ ስግኣታት የተሓሓዝዎ።
“ንሰባት ክተእምን ጊዜ ዝወስድ’ዩ” ይብል ሚንስተር ጥዕና ሰራልዮን ኣውስቲን ደምቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
ሙሁር ስነ-ቫይረስ ማላዊ፡ ጋማ ባንዳዌ ብወገኑ ኣብቲ ክታበት እምነት ዘይምሕዳር ኩሉ እቲ ዝቐረበ ክታበት ኣብ ረብሓ ከይውዕል ምኽንያት ኮይኑ’ሎ ክብል ነቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኩነታት የረድእ።
ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ንክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኔካ ምስ ስግኣት ምርጋእ ደም ብዝተሓሓዝ ደው ክተብሎ ኣብ ውሳነ ምብጽሓ ምስቶም ዝግለጹ ስግኣታት ዝጥቀስ’ዩ።
ኣብ ክታበት ኮቪድ-19 ዘሎ ግንዛበ ንምግምጋም ኣብ 15 ሃገራት ዝተኻየ ሓደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ዘይነዓቕ ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ውሕስና እቲ ክታበት ስክፍታ ኣለዎም።
ብማእኸላይ ገምጋም 20 ሚኢታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ነቲ ክታበት ከምዘይወስዱ ገሊጾም። ብርግጽ እቲ ብዝሒ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝተፈላለየ እዩ፤ ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኒጀርን ቱኒዝያን 10 ሚኢታዊት ካብ ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ እዮም ነዚ ዝበሉ። ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ድማ 41 ሚኢታዊት።