እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ስለምንታይ ንምዕራባውያን ብምቅዋም ንቻይና ይድግፋ?
ቻይና ብኣተሓሕዛ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዚንጅያን ዝርከቡ፡ ኣስላም ማሕበረሰብ ዊገር ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ሓያል ተቓውሞ ኣብ ዝገጥማ ዘሎ እዋን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሕ ድምጸን ከስምዓ ኣይረኣያን።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቻይና ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ገለ ኣፍሪቃውያን ዲፕሎማት፡ ቻይና ኣብቲ ዞባ ንእትኽተሎ ፖሊሲ ንኢዶም።
ብውሕዱ ሓደ ሚልዮን ተወለድቲ ዊገር ኣብ መርበብ መዳጎኒ መዓስከራት ዚንጅያን ክቕየዱ እንከለው፤ ቻይና ክስታት ብግዱድ ዕዮ፡ ግዱድ ምምካን፡ ስቅያትን ምጽናት ዓሌትን ይቐርበላ። መንግስቲ ቻይና ግና ነቲ ክስታት ይነጽጎ።
መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ እቶም መዳጎኒ መዓስከራት ክምልስ ከሎ፡ ግብረሽበራን ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ንምቅላስ ዝተተኽሉ፡ ሞያዊ ስልጠና ዝወሃበሎም ናይ "ዳግመ-ምህሮ ማእከላት" ምዃኖም ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣምባሳደር ቡርኪናፋሶ፡ ኣዳማ ካምፓኦረ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ገለ ነቲ ናይ ዚንጅያንግ ጉዳይ ዘዋዓውዑ ሓይልታት ምዕራብ፡ ውልቃዊ ረብሓታቶም ንምሕላው ኣብ ልዕሊ ቻይና ተዅታዂ ዝኾነ መጥቃዕቲ ጀሚሮም ኣለው" ክብል እዩ ተሰሚዑ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ወኪል ኮንጎ ብራዛቪል፡ ዳንየል ኦዋሳ ብወገኑ፡ ነቲ ቻይና ኣብቲ ግዝኣት ኣንጻር-ግብረሽበራ ትወስዶ ስጉምቲ ከም እትድግፍ ክገልጽ ከሎ፡ "ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዚንጅያን ዓቢይ ምዕባለታት" ከም ዘመዝገበት ተዛሪቡ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ምትእኽኻብ፡ መርኣያ ናይቲ ኣፍሪቃ ኣገደስቲ ግሎባዊ ጉዳያት እተርእዮ ሱቕታ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ጥብቅና ኣፍሪቃ ካሪን ካኔዛ "ልሙድ ተርእዮ ዲፕሎማሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግና መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ብቤጂን ንዝፍጸሙ ምጭፍላቕ ሰብኣዊ መሰላት መሪጾምዎ ዘለው ስቕታ፡ ሳዕቤናት ኣለዎ" ኢላ።
ናይ ወለዶ ለውጢ?
ኣብ ግሎባል ጋቨርናንስ ኢንስቲትዩት ብራሰልስ ዝሰርሕ ኤጀቪኦመ ኦቶቦ ግና መራሕቲ ኣፍሪቃን ቻይናን ኣብ ሰለስተ ዋና ጉዳያት ማለት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ረብሓታትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ዘይምእታውን፡ ሓባራዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ይገልጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ጎድኒ ቻይና ደው ናይ ምባል ተርእዮ ነታ ኣህጉር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምዕራብ ዝፈላሊ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ 2020 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሆንግ ኮንግ ዘተግበረቶ ኣዘራራቢ ሕጊ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመልኪቱ ድምጺ ኣብ ዝሃበሉ፡ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ንቻይና ደጊፈን።
ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ኣብ ጥቅምቲ ነቲ ቻይና ኣብ ዚንጅያን፡ ሆንግ ኮንግን ቲበትን ትፍጽሞ ዘላ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝግስጽ ብሃገራት ምዕራብ ዝተደገፈ ሰነድ፡ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣይፈረመትሉን።
መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዋጋ ግሎባዊ ጉዳያት ቁጠባዊ ረብሓታት የቐድሙ ምህላዎም ሂዩማን ራይትስ ዎች ይኸስስ።
ተሓባባሪ መስራቲ ፕሮጀክት ቻይና ኣፍሪቃ ዝኾነ ኤሪክ ኦላንደር ግና፡ ኣፍሪቃውያን ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ምስ ቤይጅን ዘይምጽራሮም፡ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ" ምዃኑ ይገልጽ።
ንሱ ወሲኹ፡ "እዞም ነቐፍቲ ዘይርድእዎ ነገር፡ ከም ድኻን ዘይማዕበላን ሃገራት፡ ብዙሓት ካብ ቤይጂን ብዙሕ ዕዳ ዘለወንን ንዝበዝሕ ንግዲ ኣብ ቻይና ዝምርኮሳን ብምዃነን፤ ካብ ቤይጂን ክመጽእ ንዝኽእል ግብረመልሲ ክጻወራ ኣብ ዝኽእላሉ ደረጃ ኣይኮናን ዘለዋ" ይብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
ካልእ ኣብ 1970 ቻይና ናብ ሕቡራት ሃገራት ዳግም ክትጽምበር ኣሜሪካ ትቃወም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሃገራት ኣፍሪቃ ንቻይና ካብ ምድጋፈን ዝነቅል እዩ።
"ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ዝምድና ክሕይል ከም ዝጸንሐ" ተንታኒ ቻይና-ኣፍሪቃ ክሊፍ ምቦያ ይገልጽ።
ንኣሽቱ ኣፍሪቃውያን ግና ክሳዕ ክንድኡ በዚ ዝምሰጡ ኣይመስልን። ብዛዕባ ኣሜሪካ ዘለዎም እወታዊ ኣረኣእያ ልዑል ምዃኑ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣፍሮባሮሜተር የርእይ።
እቶም ዓበይትን ኣብ መንግስታት ኣብ መሪሕነት ዝርከቡን ግና ዝተፈለየ ርእይቶ እዩ ስለዘለዎም፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብፍላይ ንምወላ ትሕተ ቅርጺ ናብ ቻይና ቁሊሕ ምባሎም ንጽርጊያታት፡ ድልድላት፡ መስመራት ባቡር፡ ወደባትን ናይ ኢንተርነት ትሕተ ቅርጽን ብርኡይ ለዊጥዎ እዩ።
ገለ ካብቲ ፕሮጀክትታት ኣካል ናይቲ ቢልዮናት ዶላራት ዝፈሶ ዘሎ ቻይና ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሽየቲቭ ኮይኑ 46 ሃገራት ኣፍሪቃ ከቲመንኦ ምህላወን ሚስተር ኦቶቦ ይገልጽ።
ሃገራት ምዕራብ ምስ'ዚ ዝዳረግ ዝወሰድኦ ተበግሶ እንተሎ ዝሓትት ሚስተር ኦቶቦ ንምወላ ቻይና ምውድዳር ኣጸጋሚ ምዃኑ የረድእ።
እንተኾነ ግና እቶም ነቶም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ምወላ ንምርካብ ዝግበሩ ውዕላት ግልጽነት ዝጎድሎም ምዃኑ፡ ነታ ኣህጉር ክትከፍሎ ኣብ ዘይትኽእል ዕዳ ናይ ምሽማም ውዲት ኣሎ ንዝብል ጥርጣረታት ዘጋድድ ምዃኑ ሚስተር ኦርላንደር ይሕብር። እንተኾነ ግና እዚ ክልሰሓሳብ "ናይ ዕዳ መጻወድያ" ሓቅነት ዘይብሉ ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ።
ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ዝቃናዕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ፡ መጋባእያ ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪቃ (FOCAC) ምፍኳስ ዕዳን ቀረብ ክታበታት ኮቪድ-19ን ቀንዲ ዛዕባታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ዲፕሎማሲ ክታበት
እቲ ለበዳ ካብ ዝተኸስተሉ እዋን ጀሚሩ፡ ካብ ቻይና ዝተለገሰ ኣገዳሲ ሓገዛት፡ ውልቃዊ ንዋት መከላኸሊን ኣብ ቻይና ዝፈረዩ ክታበታትን ይመጹ ምህላዎም ንምምልካት፡ ባንዴራ ቻይና ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መዕርፎ ነፈርቲ ከንበልብል ተራእዩ'ዩ።
ዲፕሎማሲ ክታበት ቻይና ዛጊት ን13 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበጽሐ ኮይኑ፤ ገሊአን ክዕድግኦ እንከለዋ ገለ ድማ ተለጊሱለን እዩ።
ብመንጽር እዚ፡ ካብ ብሪጣንያ ኮነ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብመገዲ ኮቫክስ እንተዘይኮይኑ፡ ቀጥታዊ ዝኾነ ሓገዝ ኣይተራእየን። እቲ ብቻይና'ውን ዝሕገዝ ተበግሶ ኮቫክስ ኣብ 41 ሃገራት ኣፍሪቃ 18 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበታት ዘርጊሑ ኣሎ።
ሓያላት ሃገራት ንክታበታት ኮቪድ-19 ከም መሳርሒ ብምጥቃም ጽልውአን ኣብ ዙርያ ዓለም ንምሕያል ይፍትና ኣለዋ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ፡ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ክንዲ እቲ ካብ ቻይናን ሩስያን ዝመጽእ ክታበት ነቲ "ወርቃዊ ደረጃ ዘለዎ" ዝበሎ ክታበት ክጽበያ እዩ ተማሕጺኑ።
ሓድሽ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንትምህርቲ ናብ ኣመሪካ ንዝኸዱ ኣፍሪቃውያን ተማሃሮ ኣብ ዘስምዖ ቃል
"ንሕና ንዝኾነ ኣካል ካብ ኣመሪካን ቻይናን ሓዲአን ክመርጽ ንሓትት የሎናን፤ እንተኾነ ግና ነዞም በዳህቲ ሕቶታት ክትሓቱ፡ ኣዕሚቕኩም ክትፍሕሩ፡ ግሉጽነት ክህሉ ክትጠልቡን ብዛዕባ ውልቅኹምን ሃገርኩምን እኹል ሓበሬታ ሒዝኩም ክትውስኑ ኢና ነተባብዓኩም" ኢሉ።
ምዕራባውያን ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ልቓሕን ትሕተ ቅርጽን ምስ ቻይና ክወዳደሩ ከም ዘይኽእሉ ይፈልጡ እዮም። ነቶም ሓገዝ ቻይና ዝቕበሉ ኮነ ምስ ቤይጂን ንዝወገኑ ኪንዮ ደሞክራሲን ካብ ብልሽውና ነጻ ዝኾነ ወፍርን ክገብራ ምጽዋዕ ካልእ ዝተወስደ ዓጸፋ የሎን።
በዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ከምቲ ኣብ 2019 መራሒት ሚያንማር ዝነበረት ኣንሳንሱቺ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ሮሂንግያ ፈጺማቶ ንዝበተባህለ ገበን ኣመልኪቱ ሚኒስተር ፍትሒ ጋምብያ ክሲ ዝመስረትላ፤ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር መራሒ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዊገር ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ ናብ ዓለም ለኻዊ ቤትፍርዲ ዘ ሄግ ክትወስዶ እያ ኢልካ ምሕሳብ ዘይመስል እዩ።
ተበግሶ ሚኒስተር ፍትሒ ጋምብያ ኣቡባካር ታማዶ፡ ደገፍ ናይቲ 57 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ትካል እስላማዊ ምትሕብባር ክረክብ እንከሎ 27 ካብአን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን ነይረን።
እቲ ብሃገራት ምዕራብ ድጋፍ ዝረኸበ ተበግሶ፡ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ፡ ሚያንማር ምጽናት ዓሌት ከይፍጸም ክትከላከል ኣዚዙ።