እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ኣብ ቻይና ሕሳብ ባንኪ ከምዘለዎ ተቓሊዑ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቻይና ናይ ባንኪ ሕሳብ ከም ዘለዎን፡ ኣብ’ታ ሃገር እውን ዕድል ንግዳዊ ስራሕ እናኣለሸ ንዓመታት ከም ዝጸንሐን ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ጽሒፉ።
እቲ ኣብ ቻይና ዘሎ ሕሳብ ባንኪ፡ ‘ምምሕዳር ዓለምለኻዊ ሆቴላት ትራምፕ’ ዝቆጻጸሮ ኮይኑ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ግብሪ ክኽፈለሉ ዝጸንሐ እዩ።
ውሃቢ ቃል ትራምፕ፡ እቲ ሕሳብ “ኣብ ኤስያ ናይ ሆቴል ዕድላት ንግዲ ንምንዳይ” ዝተኸፍተ ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ምስ ምስ ቻይና ንዝሰርሑ ኣመሪካውያን ነጋዶ ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ናይ ንግዲ ኩናት ክውላዕ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ነዚ ሓበሬታ ዘቃለዐ፡ ብዛዕባ ናይ ትራምፕ ትካላት ግብሪን ካልእ ፋይናንሳዊ ዝርዝርን ዝምልከቱ ሰነዳት ናብ ኢዱ ምስ ኣእተወ እዩ።
እቲ ጋዜጣ ቅድም ክብል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ትራምፕ ፕረዚደንት ክኸውን ከሎ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ማለት’ውን 2016 ከምኡ’ውን 2017፡ ንመንግስቲ ፌደራል ዝኸፈሎ ግብሪ 750 ዶላር ጥራይ እዩ።
እቲ ናይ ቻይና ሕሳቡ ግን 188,561 ግብሪ ከፊልሉ እዩ።
ትራምፕ ንመነሓንሕቱ ጆ ባይደን፡ ቻይና ብዝምልከት ብዘለዎ ፖሊሲ እዩ ክነቕፎ ዝስማዕ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ዝኾነ መረዳእታ እንከየቕረበ፡ ወዱ ን ጆ ባይደን ምስ ቻይና ንግዳዊ ርክብ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ጆ ባይደን ምስ ቻይና ዝራኸብ ዝኾነ ንግዳዊ ርክብ ከም ዘይብሉ ሰነዳት ግብሪ የመላኽቱ።
ውሃቢ ቃል ፕረዚደንት ትራምፕ ከም ዝበሎ፡ እቲ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ ዋላ’ኳ ሕጂ’ውን ክፉት እንተኾነ፡ ካብ 2015 ንደሓር ኣየገልገለን ኢሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ኾነ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ትካላት ኣለውዎ።
ኣብ ስኮትላንድን ኣየርላንድን፡ መጻወቲ ‘ጎልፍ’ ሜዳታትን በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴላትን ይውንን።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝብሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቻይና፡ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ናይ ባንኪ ሕሳባት ኣለዎ።
ኣብ ነሓሰ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካውያን ትካላት ፋብሪካታቶም ካብ ቻይና ንኸውጽኡ ከም ዘተባብዕን፡ ነቶም ኣብ ቻይና ምስራሕ ዝቕጽሉ ድማ ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ስራሕ ከም ዘይረኽቡን ገሊጹ እዩ።