ጉስጢትን ካራቴን ዝሓወሰ ዓይነት ስፖርት ንምርኣይ ዝኣተወ ትራምፕ እንታይ ኣጓነፎ?

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ 'ኣልቲሜት ፋይቲንግ ቻምፒዮንሺፕ' (ዩኤፍሲ) ብዝብል ኣብ ዝዳሎ መድረኽ ውድድር ጉስጢትን ካራቴን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።

ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ውድድር ዝካየደሉ ኣዳራሽ ምስ ክልተ ኣወዳት ደቁን ካልኦት ሰበስልጣንን ክኣትው እንከለው፡ ካብ ተመልከትቲ (ተዓዘብቲ) ብዙሕ ተቓውሞ ተሰሚዑ።

ካብቲ ኣዳራስ ውጽእ ኢሎም ዝተኣኻኸቡ ካልኦት ሰባት'ውን ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ንትራምፕ ተቓዊሞም።

ንሱ፡ ከምዚ ዝበለ ተቓውሞ ከጋጥሞ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ።

ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት'ውን ኣብ ዋሺንግተን ናብ ዝርከብ ጸዋታ ቤዝቦል ዝካየደሉ ሜዳ ክኣትው ከሎ ብተቓውሞ ተዓጂቡ ነይሩ።

ሽዑ 'ናብ ቤት ማእሰርቲ ይእቶ' ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ብዜማ ዝተደገፈ ተቓውሞ ተሰሚዑ።

ትራምፕ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፡ ጎስጓስ መረጻ የካይድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሂላሪ ክሊንተን 'ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣትው ኣለዋ' ዝብሉ ደርፍታት ይስምዑ ነይሮም።

ኣብቲ ናይ ትማሊ መድረኽ ውድድር ጉስጢትን ካራቴን ዝሓወሰ ዓይነት ስፖርት ['ሚክስድ ማርሻል ኣርት'] ዝበዝሕ ተመልካቲ (ተዓዛቢ) ብተቓውሞ'ኳ እንተተቐበሎ፡ ብጣቕዒትን ፋጻን ዓጂቦም ዝተቐበልዎ'ውን ኣይተስኣኑን።

'ትራምፕ ይተኣለ'፤ 'ካብ ስልጣኑ ኣውርዱልና' ዝብል መልእኽቲ ዝሓዙ ፍሑፋት ኣብቲ ኣዳራሽ ተራእዮም'ዮም።

ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዜሌንስኪ ብምምሽጣር፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መጻኢ ምርጫ መወዳድርቱ ሸሪሑ'ዩ ብዝብል ይንቀፍ ዘሎ ትርምፕ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ካብ ስልጣኑ ክስጎጕ ይኽእል'ዩ።