ትራምፕ፡ 'ቱርኪ ንሓይልታት ኩርዲ እንተ ኣጥቂዓ ቁጠባኣ ክድምስሶ'የ'

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ሃገሩ ሃንደበት ካብ ሰሜናዊ ሶርያ ክወጹ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ንቱርኪ ኣጠንቂቑ።

ሓይልታት ኣሜሪካ ንጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ ንምድምሳስ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ሓይልታት ኩርዲ ተላፊኑ'ዩ ወታሃደራዊ ስርሒታቱን መጥቃዕትታቱን ከካይድ ጸኒሑ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ሃንደበታዊ ምስሓብ ናይቲ ሰራዊት ንዕጡቓት ኩርዲ ደንጺይዎም ከም ዘሎን፡ ዓቢ ጥልመት ክብሉ ተቓዊሞሞ ኣለዉ።

ዕጡቓት ኩርዲ ኣብ ሶርያ፡ ኢራንን ቱርክን ዝርከቡ ኮይኖም፡ መሰላቶም ክኽበር ንነዊሕ ዓመታት ክቃለሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብፍላይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቱርኪ፡ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ነዊሕ እዋን ዝገበረ ግጭት ከካይዱ ጸኒሐም'ዮም። መንግስቲ ቱርኪ ድማ ከም ዓቢ ስግኣት ብምጥማት "ኣሸበርቲ" ጉጅለ'ዮም ክብል ይጥቅኖም።

ምስሓብ ሰራዊት ኣሜሪካ ድማ፡ በቲ ሓደ ነቲ ካብ ቱርኪ ዝመጽእ ሓደጋ፡ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ካብቶም ዝሰዓርዎም ጉጅለ ዳዕሽ፡ ክምኡ'ውን ካብ መንግስቲ ሶርያን መሓዝኡ ዝኾነት ሩስያን ዝስዕብ ቀታሊ ሓደጋታት ኣቃሊዕዎም ይርከብ።

እቲ ሃንደበታዊ ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብሓያሎ ሰበስልጣን ጸጥታ ኣሜሪካን፡ ኣባላት ኮንግረስን ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ'ሎ። እቲ ስጉምቲ፡ ድሕሪ ሕጂ ንኣሜሪካ ኣሚኑ ኣብ ከምኡ ዝበለ ኲናት ክተሓበበር ዝደሊ ወገን ከም ዘይህሉ ዝገብር ሓደገኛ ወሳኑ'ዩ ይብሉ እቶም ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ።

ኣብ ሶርያ ስርሒታት ከካይዱ ዝጸንሑ ወታሃደራት ኣሜሪካ፡ ኣስታት 1000 ከም ዝበጽሑን፡ ዛጊት ክልተ ደርዘን ካብኦም ጥራይ ወጺኦም ከም ዘለዉ ሓደ በዓል ስልጣን ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

መርገጺ ትራምፕ እንታይ'ዩ?

ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብዚ መወዳእታ ዘይብሉ ትርጉም-ኣልቦ ኲናት ክንወጽእ ኢና"ድሕሪ ምባል፡ "ቱርኪ፡ ኣውሮጳ፡ ኢራን፡ ዒራቕ፡ ሩስያን ኩርዳውያንን ሕጂ ነቲ ኩነታት ክፈትሕዎ ገዲፍናሎም ኣለና" ኢሉ።

ንሱ፡ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ራጀፕ ታይፕ ኦርዶሃን፡ ብተሌፎን ድሕሪ ምዝርራቡ'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ "ቱርኪ፡ ነቲ ኣቐዲማ ካብ ኒዊሕ እዋን መዲባቶ ዝነበረት ስርሒት ንምፍጻም ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ክትንቀሳቐስ ምዃና" ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተሰማምዓ የብርህ።

እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ "ሓይልታት ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ኣይክህልዉን'ዮም" ይብል እቲ ናይ ዋይት ሃውስ መግለጺ።

ዕጡቓት ኩርዲ፡ "ብድሕሪት ምውጋእ'ዩ" ክብሉ ነቲ ውሳነ ድሕሪ ምንቃፎምን፡ ሓያል ነቐፌታ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ምስ ተሰምዐን፡ ትራምፕ ተወሳኺ መግለጺ ብትዊተር ሂቡ።

"ቅድሚ ሕጂ ኢለዮ'የ፡ ንምድጋሙ ዝኣክል፡ ቱርኪ፡ ነቲ ኣነ፡ በቲ ዓብዪን መወዳድርቲ ዘይብሉን ልቦናይ፡ ዘቐመጥክዎ ደረት እንተሓሊፋ፡ ንቁጠባ ቱርኪ ምሉእ ብምሉእ ከዕንዎ'የ (ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ገይረ'የ!..." ብምባል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቱርክን ዝነበረ ዝምድና እናሓሽከረ ደሕሪ ምምጽኡ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ቁጠባዊ እገዳ ምንባራ ይዝከር።

ትራምፕ፡ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ቱርኪ "ነቶም ናትና እንብሎም ወገናት ከተጥቅዖም የብላን" ኢሉ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ፔንታጎን፡ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ክፍሊ ምክልኻል ይኹን ፕረዚደንት፡ ናይ ቱርኪ ስርሒታት ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ከም ዘይንድግፍ ንቱርኪ ኣነጺርና ነጊርናያ ኢና" ይብል።

ይኹን እምበር፡ መራሕቲ ኮንግረስ ኣሜሪካን፡ ላዕለዎት ሰብስልጣን ምምሕዳር ትራምፕን ከይተረፉ ነቲ ስጉምቲ ብትሪ ነቒፎሞ ኣለዉ።

ቱርኪ ኣብ ሶርያ እንታይ'ያ ክትገብር ትደሊ?

ፕረዚደንት ኤርዶሃን ኣብ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ነቲ ሃገሩ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ክትቆጻጸሮ እትደሊ "ውሑስ ዞባ" ኣብ ካርታ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ዞባ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ካብቶም ልዕሊ 3.6 ሚልዮን ኣብ ቱርኪ ዘለዉ ሶርያውያን ስደተኛታት ከዕቁብ ይኽእል'ዩ ትብል ቱርኪ።

ሰኑይ፡ ሚኒስትሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነቲ ስርሒት ንምፍጻም ኩሉ ምድላዋት ተወዲኡ ኣሎ" ኢሉ። ምምስራት ናይቲ ናይ ጸጥታ ዞባ፡ ንሶርያውያንን ሰላም ናይቲ ዞባን "ኣገዳሲ" ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

እንተኾነ ግን፡ ቱርኪ፡ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝንቀሳቐሱ ተዋጋእቲ ኩርዳውያንን ከተጥቅዖም ምዃና ብቐጻሊ ከተፈራርሕ ጸኒሓ'ያ።

ቱርኪ፡ እቲ ነቶም ቀንዲ ኣባላት ናይቲ ደሞክራሲያውያን ሓይልታት ሶርያ (SDF) ዝፍለጥ፡ ንዳዕሽ ንምጥፋእ፡ ምስ ኣሜሪካ ክተሓገገዝ ዝጸንሐ ሓይሊ ዝኾኑ ብYPG ዝፍለጡ ሚሊሻ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ቱርኪ ርእሰ-ምምሕዳር ክወሃቦ ን30 ዓመት ዝተቓለሰ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን እዮም ኢላ ትኸስስ።

ኢራን ብወገና፡ ንዝኾነ ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ሶርያ ዘካይዶ ስርሒት ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ'ላ።