ላዕለዋይ ዳኛ፡ ትራምፕ ናይ ሸሞንተ ዓመት ግብሪ ክኸፍል በይኑ

ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ፡ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ውህሉል ግብሪ መንግስቲ ክኸፍል ወሲኑ።

ጠበቓ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ ስልጣን እዋኑ ክሲ ከይምስረቶን ናጻ ክጸንሕን ንዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ በቲ ዳኛ ተነጺጉ።

እዚ ቤት ፍርዲ፡ ጉዳይ ምስ ትራምፕ ርክብ ነይሩና ኢለን ናይ ዝተዛረባ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተውሃበን ኣፍ መዕበሲ ገንዘብ'ውን ርእዩ ነይሩ።

ኣኽባሪ ሕጊ፡ ካብ እዋን ጂሚ ካርተር ጀሚሮም ዝነበሩ ፕረዚደንታት፡ ብወለንተኦም ኣብ መዝነት እንከለዉ፡ ግቡእ ግብሪ መንግስቲ ይኸፍሉን፡ ንህዝቢ የፍልጡን ምንባሮም ጠቒሱ።

እዚ 75 ገጻት ዝሓዘ ብይን፡ ዳኛ ቪክቶር ማረሮ፡ ብመስርሕ ሕጊ፡ ፕረዚደንት ኣብ ሰልጣን እንከሎ ካብ ክሲ ናጻ ክጸንሕ ዝብል ገደብ ከም ዘየለ ብምሕባር "ክሲ ተወንዚፉ ይጽናሕ ምባል ንክብርታት ቅዋም፣ ሃገራዊ መንግስትን ቅርጽን ምንሻው'ዩ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ ብትዊተር፡ "ዲሞክራትስ፡ ብመገዲ ቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ከረኻኽቡለይ ዝገበርዎ'ዩ" ኢሉ።

ድሕሪ እዚ ውሳነ፡ ጠበቓ ፕረዚደንት ትራምፕ ይግባይ ብምባሉ፡ ካልኣይ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንይግባይ ጠበቓ ዶናልድ ትራምፕ ተቐቢሉ፡ ንግዝኡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ደው ክብል ሓቢሩ።

እቲ ብቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ተበይኑ ዘሎ ውሳነ እንተዘይተቐይሩ ግን፡ ኣኽባሪ ሕጊ ኒውዩርክ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ 2011 ክሳብ 2018 ናይ ዝነበረ እዋን ውህሉል ግብሪ መንግስቲ ክኸፍል ከገድድ'ዩ።

ድሕረ ባይታ እቲ ክሲ እንታይ'ዩ?

ተዋሳኢት ስቶርሚ ዳንኤልን፡ ኣብ ወሲባዊ ፊልምታት ትሰርሕ ዝነበረት ካረን ማክዶጋልን፡ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ርክብ ነይሩና ብምባለን ብመንገዲ ጠበቓ ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ሚካኤል ኮሀን መዕበሲ ኣፍ ገንዘብ ተዋሂበን ካብ ዝብል እዩ ዝጅምር።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ዝበልኦ ርክብ ነጺግዎ'ዩ።

እቲ ነዘን ተዋሳእቲ ተዋሂቡ ዝተብሃለ ገንዘብ፡ ዋላ'ኳ ቅደሚ ዶናልድ ትራምፕ ጎስጓስ ምርጫ ምስ ጀመረ ዝተፈጸመ እንተኾነ፡ ኣብቲ እዋን ንኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣይተሓበረን ነይሩ።

እቲ ነዘን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተዋሂቡ ዝብሃል ዘሎ ሰልዲ፡ 'ስም ናይቲ ምረጹኒ ዝብል ዝነበረ ፕረዚደንት ትራምፕ ንከይብለል ዝተውሃበ ድዩ'? ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሉ እዩ።

ሕጊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ፡ ዝኾነ ኣብ ስም ተወዳዳራይ ጽልዋ ከምጽእ ዝኽእል ናይ ምኽፋል መስርሕ [ገንዘብ]፡ ነቲ ኮምሽን ምርጫ ክሕበር ከም ዘለዎ እዩ ዘገድድ።