እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ቦልቶን ሰጒጉ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ቦልቶን ካብ ሓላፍነቱ ኣባሪሩ።
ትራምፕ ምስ ዝበዝሕ ብኣማኻሪኡ ዝቐርበሉ ምኽረ-ሓሳባት ክስማማዕ ከምዘይከኣለ ይገልጽ።
"ትማሊ ለይቲ፡ 'ድሕሪ ሕዚ ንዋይት ሃውስ ኣገልግሎትካ ኣየድልዮን''ዩ ኢለ ነጊረዮ እየ" ድማ ኢሉ።
"ንመብዛሕትኡ ምኽረ-ሓሳባቱ ኣይተቐበልኩዎን" አሉ ብምጽሓፍ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ሓድሽ ኣማኻሪ ከምዝሸይም ተዛሪቡ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ቦልቶን፡ 'መራሒ ጣሊባን ናብ ኣመሪካ ተጸዊዑ ክእንገድ' ሓሳብ መሰቕረበ እዩ ብትራምፕ ተሰጒጉ። ብሰንኪ እቲ ሓሳብ ከኣ ኣብ ኣባላት እቲ ካቢነ ዘይምርድዳእ ከም ዝተፈጥረ ጸብጻባት ይሕብሩ።