ትራምፕ፡ "ዓቃብ ሕጊ የብለይን"

ፕሬዚደንት ትራምፕ ዓቃብ ሕጊ ጄፍ ሴሾንስ ካብቲ ናይ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ናይ 2016 ምርጫ ጣልቃ ምትእትታው ዝግበር ዝነበረ መርመራ ብምስሓቡ ዝየተሓጎሰ ትራምፕ ``ዓቃብ ሕጊ የብለይን`` ብምባል ነቲ ዓቃብ ሕጊ ብትሪ ዘሊፍዎ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዓቃብ ሕጊ ጄፍ ሴሾንስ ብትሪ ኣብዝዘለፈሉ እዋን ዓቃብ ሕጊ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ሂል ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ጄፍ ሴሾንስ ስጋብ እቲ ናይ ሩስያ ምትእትታው ኣብ ናይ 2016 ናይ ኣሜሪካ ምርጫ ዝውዳእ ካብ ሓልፍነቱ ኣልጊሱ ክጸንሕ ንዝወሰዶ ውሳነ ነቒፍዎ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ በቲ ጄፍ ሴሾንስ ንጉዳይ ኢሜግሬሽን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ`ውን ሕጉስ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

እቲ ዓቃብ ሕጊ ብሕጂ ንናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ርእይቶ መልሲ ክህበሉ ኢዩ ይብሃል።

ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕሬዚደንት ነቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ዓቃብ ሕጊ ክዘልፍን ክነቅፍን ንቡር ኣይኮነን።

እዚ ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ሕጋዊ ስርዓት ጣልቃ ንምእታው ይፍትን ከምዘሎ ኢዩ ዘርእየና ኢሎም ገለ ሃየስቲ።

ዝሓለፈ ወርሒ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንጄፍ ሴሾንስ ምስነቐፎ፡ ክልተ ኣገደስቲ ኣባላት ሴኔት ሰልፊ ሪፓብሊካን ፕሬዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ናይ ሕዳር ምርጫ ንጄፍ ሴሾንስ ካብ ስርሑ እንተድኣ ኣልይዎ ክድግፍዎ ከምዝኾኑ ኣፋፍኖት ሂቦም።

እንተኾነ ካልኦት ኣባልት እቲ ሰልፊ ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ ከምኡ እንተገይሩ ሕማቕ ስጉምቲ ኢዩ ብምባል ምስቲ ዓቃብ ሕጊ ከምዝወገኑ ፖሎቲኮ ንዝተባህለ መጽሄት ሓቢሮም።

ጄፍ ሲሾንስ ነቲ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ወቐሳ ክምልስ ከሎ ``ኣነ ስጋብ ኣብ ስራሕ ዘለኹ እቲ ፍትሓዊ ኣካል ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብዘይኣገባብ ኣይክጽሎን ኢዩ`` ኢሉ።

``ዝዓበየ መለክዒ ዓቐን ከማልእ እጠልብ፡ እንተድኣዘየማሊኡ ድማ ስጉምቲ እውስድ`` ኢሉ ጄፍ ሴሾንስ።

ጄፍ ሴሾንስ ኣብቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንፕሬዚደንትነት ኣብዝወዳደረሉ ዝነበረ እዋን ደጋፊኡ ኢዩ ነይሩ።

ፕሬዚደንት ትራምፕፓብ 2017 ናይ ሩስያ መርመራ ኣብዝተጀመረሉ ፍትሒ ንምዕንቃፍ ኣብዝፈተነሉ፡ ጄፍ ሴሾንስ ከም ደጋፊ ፕሬዚደንት ትራምፕ ካብቲ ጉዳይ ንነብሱ ብምእላይ፡ ምክትሉ ሮድ ሮሴንስታይን ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ገይሩ።

እንተኾነ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ንምርጫ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ እዋንን ናይ መንግስቲ ሩስያ ኩነታትን ዝኾነ ውዲት ከምዘይነበረን፡ ፍትሒ ንምዕንቃፍ ከምዘይፈተንን ድማ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ንታይ ኢሉ?

``እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ዓቃብ ሕጊ የብለይን`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ኣብዝገበሮ ቃል-መሕተት።

``እቲ ዘሕዝን`` ጄፍ ሲስሾንስ ካብቲ ዝካየድ ዝነበረ መርመራ ክስሕብ ምውሳኑ ኢዩ ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ንጄፍ ሴሾንስ ክትሰጎ ዲኻ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ ``ብዙሓት ሰባት ክግልፎ ሓቲቶምኒ ኣለው፡ እንተኾነ እንታይ ከምዘጓንፍ ክንርኢ ኢና`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።