ኣሜሪካዊት ኮሜዲያን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ሕብሪ ባንዴራ ኤርትራ ተኸዲና

ኣሜሪካዊት ኮሜዲያን ቲፋኒ ሓድሽ ሰኑይ ምሸት ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ናብ ዝተኻየደ 'ሽልማት ኤሚ"፡ ሕብሪ ባንዴራ ኤርትራ ዝመልክዐ ኽዳን ተኸዲና ተሳቲፋ።

እዚ፡ ንዝኽሪ ብህይወት ዝተፈለያ ኤርትራዊ ወላዲኣ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ቲፋኒ ሓድሽ፡ ተኸታታሊ ኮሜዲ ብምቕራብ 'ብልጽቲ ዕድምቲ ተዋሳኢት' ዝብል ሽልማት'ያ ተዓዊታ።

እዛ ዉርይቲ ተዋሳኢት ሆሊዉድን ኮሜዲያንን፡ ንስነ ስርዓት ቀብሪ ወላዲኣ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኤርትራ ኸይዳ ነይራ።

"ልበይ ፈዉሲ ዝረኸበት መሲሉ ተሰሚዑኒ" ክትብል ድማ ንቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዛሪባ ነይራ።

"ብብዙሕ ነገራት ሓሊፈ'የ። መን ምዃነይ ክፈልጥ ይጽዕር ነይረ። ሕዚ፡ መን ምዃነይ ዝያዳ ዝርድኣሉ ነገር ረኺበ፡ ንምንታይ ዕላማ ኣብዛ መሬት ከምዘለኹ'ዉን ፈሊጠ" ኢላ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት'ዉን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ንጽምብል መበል 90 ሽልማት ኦስካርስ ንምእንጋድ ባህላዊ ዙርያ ተኸዲና ተሳቲፋ'ያ።

እዚ'ዉን ብተመሳሳሊ ንኽብሪ'ቲ ዝዓረፈ ኣቦኣ፡ ኣቶ ጸሃየ ሓዲሽ'ዩ ነይሩ።