እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉጥ ተኸታታሊ ፊልሚ 'ቢግ ባንግ ቲዎሪ' ክዛዘም'ዩ
ፍሉጥ ተኸታታሊ ፊሊሚ ቴሌቪዥን ኣሜሪካ ቢግ ባንግ ቲዎሪ ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት (2019) ክዛዘም'ዩ።
ኣብ ታሪክ 'ሲት ኮም' (ሓጺርን መስሓቕን ተኸታታሊ ድራማ) ኣሜሪካ ዝነዉሐ ክፍሊ ዘለዎ'ዩ ተባሂሉ።
ናይቲ ክፍሊ መበል 12 ክፋል ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም'ዩ ተባሂሉ።
እዚ ፊልሚ፡ ክልተ ዶክተርን ሓንቲ ተዋሳኢት ፊልሚ ክትኸዉን እትደሊ ገጸ ባህርን ዘተኮረ መስሐቒ ፊልሚ'ዩ።
ኣብ 2016 ሻድሻይ ክፋል እቲ ፊልሚ እንትወጽእ፡ 18 ሚሊዮን ተኸታተልቲ ኣፍሪዩ'ዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ ተኸታታሊ ፊልሚ ቴሌቪዥን ድማ 18.6 ሚሊዮን ተኸተልቲ ኣለዉዎ።
እዚ ኣብ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ተኸታታሊ ምፍራይ ዝኸኣለ ፊልሚ ቴሌቪዥን'ዩ።
ኣዳለዉቲ እቲ ፊልሚ ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ፡"ንፈተዉትና ነመስግን" ኢሎም።
ፊልሚ ቢግ ባንግ ቲዎሪ 46 ግዘ ንግራሚ ዝተሓጸየ እንትኾን፡ ሼልደን ኩፐርን ወኪሉ ዝጻወት መሪሕ ተዋሳኢ እቲ ፊልሚ ጂም ፓርሰን ኣርባዕተ ሽልማት ተቐቢሉ'ዩ።
ተዋሳእቲ እቲ ፊልሚ ጆኒ ጋሌስኪ፣ ሲሞን ሄልበርግ፣ ኩናል ናያርና ኬሊ ኩዎኮ እዮም።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እዞም ተዋሳእቲ ኣብ ሓደ ክፋል እቲ ፊልሚ ጥራሕ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ተኸፊሉዎም'ዩ።
ንተዋሳእቲ ዝኽፈል ገንዘብን ንነዊሕ ዓመታት ስለዝተርኣየን፡ ቐጻሊ ክፋል ምድላዉ ኽቡር ስለዝኾነ'ዩ ክዛዘም ዝተሓሰበ ዝብሉ ግምታት ይወሃቡ ኣለዎ።