እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ዉጥን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክሳብ 2019 ተናዊሑ
ብፕሬዚደንት ትራምፕ ዝተወጠነ ናይ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ምርኢት ስጋብ 2019 ተመሓላሊፉ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ነቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ርእሰ ከተማ ዋሺንግቶን ክካየድ ዝጠለቦ ወተሃደራዊ ምርኢት ስጋብ 2019 ከምዝውንዘፍ ገይርዎ። ገለ ኣባልት ባይቶ እቲ መደብ ትርጉም-ኣልቦን መጥፍኢ ገንዘብ ኢዩ ኢሎሞ።
ሰበ ስልጣናት ምክልኻል ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ጽርግያታት ርእሰ ከተማ ዋሺንግቶን ዲሲ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምርኢት ስጋብ 2019 ከምዘመሓላለፍዎ ተፈሊጡ።
ፈለማ እቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ዝኽሪ 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓለምን ነቶም ናይ ሽዑ ሓርበኛታትን ንምዝካርን ኢዩ ተወጢኑ ነይሩ።
እንተኾነ ሕጂ ሰበ ስልጣን ፔንታጎን [ምኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ] እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምርኢት ብሓደ ዓመት ከምዝተወንዘፈ ኣፍሊጦም።
ብሓሙስ 16 ነሓሰ ዝወጸ ግዚያዊ ሓበሬታ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ጽምብል ንምድላው ኣስታት 90 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝውድእ ኢዩ ዝገልጽ፡ እዚ ድማ ካብቲ ፈለማ ተሰሊዕሉ ዝነበረ ባጀት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዓበየ ክኸውን ኢዩ።
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናላድ ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ናይ ፈረንሳ ሃገራዊ ብዓል - ባስቲል ደይ - ኣብ 2017 ክጽምበል ከሎ ድሕሪ ምርኣዩ ኢዩ ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ጽምብል ኣብ ኣሜሪካ ክካየድ ዝጠለበ።
ኣፈኛ ፔንታጎን፡ ኮሌኔል ሮብ ማኒንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምኒስትሪ ምክልኻልን ዋይት ሃውስን [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ነቲ ጽምብል ''ኣብ 2019 ንምክያድ ምቹእ ኣጋጣሚታት ንምንዳይ ተሰማሚዖም'' ኢሉ።
ብሓሙስ ሓደ ብዓል ስልጣን ኣሜሪካ ንኤኤፍፒ ናይ ዜና ማዕከን ከምዝሓበሮ፡ ነቲ ጽምብል ንምክያድ ኣስታት 92 ሚልዮን ዶላር ክውድእ ከምዝኮነ ገሊጹ።
ነቲ ጽምብላ ንምክያድ ዝተመዘዘ ብዓል ስልጣን ከምዝበሎ ፈለማ ኣብ ወርሒ ለካቲት ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ጠለብ ምስ ኣቕረቡ ነቲ ጽምብል ንምክያድ ብገምጋም ካብ 10 ስጋብ 30 ሚልዮን ዶላር ክውድእ ኢዩ ተገሚቱ ነይሩ ሕጂ ግና እቲ ወተሃደራዊ ጽምብል ስጋብ 92 ሚልዮን ዶላር ክውድእ ኢዩ ኢሉ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ወተሃደራዊ ምርኢት ዝካየደሉ እዋን ታንክታት ነቲ ጽርግያታት ስለዘበላሽውኦ ኣብቲ ምርኢት ከይቀርባ ሓሳባት ቀሪቡ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ቤት ምኽሪ ወረዳ ኮሎምቢያ እቲ መደብ ምስቀረበ በቲ መደብ ሕጉስ ከምዘይኮነን ከምዝቃወሞን ኢዮ ኣብ ትዊተር ዝገለጸ።
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራሲ'ውን ብዝዕባ ኣድላይነት እቲ ጽምብል ዘለዎም ዕቃበታት ኪገልጹ ከለው፡ ኣባል ባይቶ ኮንግረስ ጂም ማክጎቨርን ድማ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ''ትርጉም-ኣልቦን መጥፍኢ ገንዘብን ኢዩ'' ድሕሪ ምባል ''ፕሬዚደንት ትራምፕ ከም ሓደ ምልካዊ ፕሬዚደንት ኢዩ ዝዋሳእ ዘሎ'' ድማ ኢሉ።
ኣብቲ መደብ ''ጎማ ዘለወን ተሽከርከርቲ ጥራይ'' ከምዝቐርባን፡ ናይ ኣሜሪካ ሓርበኛታት ወተሃደራት ቅያ ካብ ግዜ ሰውራ ኣሜሪካ ስጋብ ሕጂ ዘሎ ንምርኣይ ዝዓለመ ከምዝኾነን ፔንታጎን [ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ምክልኻል] ገሊጹ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ምስ መራሒ ሰሜ ኮራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝገበሮ ርክብ ነቲ ኣሜሪካ ምስ ደቡብ ኮርያ ትገብሮ ዝነበረት ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዘወንዘፎ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ይገልጻ።
ሽዑ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ድማ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብዘይምግባርና ብዙሕ ገንዘብ ካብምብኻን ኣድሒና ኢሉ ነይሩ።
ኣብ 1991 ኣሜሪካ ድሕሪ'ቲ ንሰራዊት መራሒ ዒራቕ-ነበር ሳዳም ሑሴን ካብ ኩዌት ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት ብዓውት ምዝዛማ ኢያ ጽምብል ወተሃደራዊ ምርኢት ዘካየደት።
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ነቲ ጽምብላ ንምክያድ ዝጠፍእ ገንዘብ ነቶም ሓርበኛታት ክውሃብ ጠሊቦም።