ትራምፕ ምስ ዩክረይን ብዛዕባ ዝገብሮ ርክብ ፖምፐዮ ሰነዳት ከቕርብ ተሓቲቱ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፐዮ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ዩክረይን ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ርክብ ሰነዳት ከቕርብ ደሞክራትስ፡ ኣባላት ቤትምኽሪ ኣዚዞም።

እቶም መራሕቲ ኮሚተታት ዝኾኑ ሰለስተ ኣባላት ቤትምኽሪ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ፖምፐዮ ነቲ ሰነዳት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከቕርብ፡ ጠሊቦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ዝገበሮ ናይ ተለፎን ዝርርብ፡ ኣባል ደሞክራትስ ንዝኾነ መቐናቕነቱ፡ ጆ ባይደን መርመራ ከካይደሉ ደፈፊእዎ ንዝብል ክሲ ምጽራይ ይካየደሉ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዓርቢ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ዩክሬይን፡ ኩርት ቮልከር፡ ካብ መዝነቱ ምውራዱ መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ጸብጺበን።

እዚ፡ ነቲ "ፕረዚደንት ትራምፕ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንመረጻ 2020 ንምጽላው፡ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሃገር ይሓትት ኣሎ" ዝብል ዝብል ክሲ ስዒቡ እዩ ኣጋጢሙ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ግና ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ዘካየዶ ናይ ተለፎን ዝርርብ፡ ዝኾነ ጸቕጢ ከም ዘይገበረ እዩ ዝገልጽ።

ጆ ባይደን ኣብ 2016 ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ፡ ወዱ፡ ሃንተር ባይደን፡ ተቖጺሩ ይሰርሓሉ ንዝነበረ ትካል ንምክልኻል፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ ዩክሬይን፡ ቪክቶር ሾኪን፡ ካብ መዝነቱ ክባረር ከም ዝገበረ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ይገልጽ።

ሚስተር ባይደን፡ ንዩክረይን ዝወሃብ 1 ቢልዮን ዶላር ክቋረጽ ከም ዝኽእል ብምፍርራሕ፡ እቲ ኣኽባር ሕጊ ክባረር ሓቲቱ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ኣንጻር ብልሽውና ዝካየድ መርመራታት ይዕንቅፍ ኣሎ ዝበሉ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ሃገራት ምዕራብ ከምኡ ገይሮም እዮም።

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዝካየድ መስርሕ ክሲ [ኢምፒችመንት] ሳሕቲ ዝርአ፡ ክልተ መድረኽ ዘለዎ፡ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ካብ መዝነት ክኣሊ ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ መስርሕ እዩ።

ወላ'ኳ ባይቶ ተወከልቲ ነቲ ውሳነ እንተ ኣሕለፈ፡ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ንላዕለዋይ ባይቶ [ሰነት] ስለዝቆጻጸርዎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ መዝነቱ ክእለይ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።