ውጥናት ኢሚግሬሽን ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ስደተኛታት ናብ ሆንዱራስ ክትጥርዝ ዘኽእላ ስምምዕ ፈሪማ

ሆንዱራስ ኣብ ኣሜሪካ ዑቕባ ዝሓትቱ ስደተኛታት ክትቅበል ምስ ኣሜሪካ ከም ዝተሰማምዐት ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣሜሪካ፡ ነቶም ብሆንዱራስ ኣቢሎም ናብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ ናብ ሆንዱራስ ክትጥርዞም እያ።

ነቐፍቲ ግና፡ ሆንዱራስ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ዘይሕጋዊ ቅትለት ዝፍጸመላ ሃገር ምዃና ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብ ጎንጽን ድኽነትን ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት፡ ውሕስቲ ከም ዘይኮነት ይዛረቡ።

ጓቴማላን ሆንዱራስን ኣቐዲመን ተመሳሳሊ ስምምዕ ገይረን እየን።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ብዝተፈላለያ ሃገራት ሓሊፎም ናብ ሃገሩ ዝኣትው ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናብቲ ዝሓለፍሉ ሃገር ክመልሶም ዘፍቅድ ስምምዕ "ሳልሳይ ውሑስ ሃገር" ንምግባር ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንቁጽሪ ናይ'ቶም ዶብ ኣሜሪካ ሜክሲኮ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምጉዳል ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ሆንዱራስ፡ ጓቴማላን ኤልሳልቫዶርን ኮይኖም፡ ናብ ዶብ ኣሜሪካ ንምብጻሕ፡ ነዊሕን ሓደገኛን ጉዕዞ እዮም ዘካይዱ።

እቶም ተገይሮም ዘለው ሰለስተ ስምምዓት፡ ዝተሓላለኸ ሕጋዊ ብድሆን ተቐባልነት ብፓርላማን ይጽበዮም ኣሎ።

እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ?

ብረቡዕ ሓደ በዓልስልጣን ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምስ ሆንዱራስ ዝተበጽሐ ስምምዕ "ነቶም ስደተኛታት ንቤቶም ቀረባ ኮይኖም ጸወን ክሓትቱ ከኽእሎም እዩ" ኢሉ።

ካብ ኩባ፡ ቬንዝወላ፡ ሀይቲ፡ ኒካራጓን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተኛታት ብሆንዱራስ ኣቢሎም ናብ ዶብ ኣሜሪካ ከም ዝጓዓዙ፡ ሓንቲ ናይ ሆንዱራስ ጋዜጣ ሓቢራ።

ብመሰረት እቲ ምስ ኣሜረካ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ዓመት 26 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሆንዱራስ ኮይኖም ናይ ዑቕባ ሕትኦም ምላሽ ክጽበዩ ምዃኖም እታ ጋዜጣ ጸብጺባ።

ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት፡ ሆንዱራስ ሓንቲ ካብተን ናይ ዓለምና ሞትን ቅትለትን ዝበዝሓ ሃገር ምዃና ብምግላጽ፡ ከም ውሕስቲ ሃገር ክትውሰድ ከም ዘይብላ ይገልጹ።