ትራምፕ 'ስደተኛታት እግሮም ብጥይት ክህረሙ' ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ተባሂሉ

ትራምፕ ናብ ኣሜሪካ ዝደግሩ 'ስደተኛታት እግሮም ብጥይት ክውቅዑ' ሓሳብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንምስጋር ዝገብርዎ ፈተነ ንምትእጉጓል 'እግሮም ብጥይት ክውቅዑ' ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንምስጋር ዝገብርዎ ፈተነ ንምትእጉጓል 'እግሮም ብጥይት ክውቅዑ' ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ሓደ ሓድሽ መጽሓፍ ኣመልኪቱ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ግዘ ጎስጓስ ምርጫ ጀሚሩ ዝተዛረበሉ መንደቕ ዶብ፡ ካብ ፔንታጎን ብዝተመደበ 3.6 ቢልዮን ዶላር ህንጸቱ ተጀሚሩ'ዩ።

ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንምስጋር ካብ ዝገበርዎ ፈተነ ንምዕንቃፍ ብኣትማን ወይ ሓራግጽ ዝተመልአ ሩባ ክዳለው ዝመክር ሓሳብ'ውን ከም ዘቕረበ እቲ መጽሓፍ ይገልጽ።

ዛጊት ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ዝተሓበሩ መረዳእታታት፡ ካብ ቤተመንግስቲ ዋይትሃውስ ዝተወሃበ መብርሂ የለን።

"ቦርደር ዋርስ" ዝብል ርእሲ ዘለዎ መፍሓፍ፡ ማይክል ሺርን ጁሊ ዴቪስን ብዝበሃሉ ክልተ ጋዜጠኛታት ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ንዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ኣብቲ መፍሓፍ ኣከቲቶም ኣለዉ።

ትራምፕ 'ስደተኛታት ብጥይት ክህረሙ' ዝብል ሓሳብ እንተቕረበ'ኳ "ሕጋዊ ኣይኮነን" ዝብል ናይ ተቓውሞ መልሲ ተዋሂብዎ'ዩ።

ቅድሚ ሕዚ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ እምኒ ዝድርብዩ ስደተኛታት ብጥይት ክውቅዑ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።